እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓማስ፡ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊኡ ከም ዝተቐተለ ተኣሚኑ
ሓማስ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊኦም ከም ዝተቐትለ ኣረጋጊጾም።
ሰራዊት እስራኤል ንመሓመድ ዳይፍ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ከም ዝቐተሉዎ እኳ እንተ ገለጹ፡ ሓማስ ግና ንሞት ሓላፊኡ ኣይተኣመነሉን ጸኒሑ።
እስራኤል፡ መሓመድ ደይፍ ሓደ ካብ ቀንዲ ሃንደስቲ ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ እስራኤል ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ እያ እትኣምን።
በቲ መጥቃዕቲ፡ 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 251 ሰባት ጅሆ ከም ዝተታሕዙ ይዝከር።
መሓመድ ደይፍ ድሕሪ ያሕያ ሲንዋር እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ መራሒ ሓማስ'ዩ።
ያሕያ ሲንዋር'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ብሰራዊት እስራኤል ተቐቲሉ።
ደያኑ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ መሓመድ ደይፍ ከምኡ`ውን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁን ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ነበር ዮቭ ጋላትን ኣብ ዝተረኸብዎ ክቕየዱ ትዝዛዝ ምሃቦም ዝዝከር'ዩ።
ደይፍ ሓደ ካብ ቀንዲ ሃንደስቲ ትሕተ ባይታዊ ገለርያታት ሓማስ ኰይኑ፡ እዚ ገለርያታት`ዚ ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ክኣትዉ ከም ዝሓገዞም'ዩ ዝግለጽ።
እስራኤል፡ ነቶም ቓስም ተባሂሎም ዝጽውዑ ሓማስ ዝጥቀመሎም ሮኬታት ኣብ ምንዳፍ`ውን ኢድ ከም ዝነበሮ እያ ትኣምን።
ሓማስ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ማርዋን ዒሳ ዝተባህለ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊቱ ከም ዝተቐተለ'ውን ገሊጹ ኣሎ።
ኣመሪካ፡ ማርዋን ዒሳ ኣብ መጋቢት 2024 ከም ዝተቐትለ እኳ እንተ ሓበረት፡ ሓማስ ግን ብዛዕባ ሞቱ ክሳዕ ሕጂ ብጩቕ ከይበለ እዩ ጸኒሑ።
ማርዋን ዒሳ፡ ሓደ ካብቶም ብእስራኤል ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሰባት ሰፊሩ ዝጸንሓ ኰይኑ፡ ሕብረት ኣውሮጳ'ውን ምስ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ምትእስሳር ኣለዎ ብምባል ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊራቶ ጸኒሓ'ያ።
እቲ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተወልዐ ኵናት፡ ቀንዲ መበገሲኡ እቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነዎ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ'ዩ።
እስራኤል ን15 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓማስን ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታትን መጥቓዕቲ ብምፍናዉ፡ ልዕሊ 47,460 ፍልስጤማውያን ከም ዝቐተለት፡ ብሓማስ ዝምራሕ ምኒስትሪ ጥዕና ፍሊስጤም ይሕብር።
ድሕሪ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት፡ እስራኤልን ሓማስን ብ19 ጥሪ ተዅሲ ደው ከብሉ ኣብ ስምምዕ በጺሖም፣ ከም ውጽኢቱ ከኣ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 15 ሰባት ናጻ ተፈንዮም ኣለዉ።
ድሕሪ እዚ ስምምዕ፡ 400 ዝዀኑ ኣብ ትሕቲ እስራኤል ተኣሲሮም ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን'ውን ነጻ ተሰዲዶም ኣለዉ።