እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግማደ-መስቀል እየሱስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ድዩ?
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ምእመናን ተዋህዶን ካቶሊክን ካብ ዘኽብርዎም ዓበይቲ ሃይማኖታዊ በዓላት ሓደ በዓል መስቀል እዩ።
ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ክርስትና ከምዝገልጽዎ፡ እየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል 33 ዓመቱ’ዩ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፤ ብመግረፍቱን ስቓዩን ንዲያብሎስ ስዒሩ ኣብ ሲኦል ዝነበራ ነፍሳት ሓራ ከምዘውጽአ ሰዓብቲ ክርስትና ይኣምኑ።
እዚ ብምዃኑ ድማ በዓለ መስቀል ብፍላይ ኣብ ሰዓብቲ ተዋህዶን ካቶሊክን ፍሉይ ትርጕም ኣለዎ።
ይዅን’ምበር ኣብ መጻሕፍቲ ሃይማኖት ይዅን ታሪኽ፡ ብዛዕባ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ እዩ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ እትርከቦም ብዙሓት ትካላት ድማ ክፋል እቲ መስቀል ከምዝውንና ክዛረባ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
ንምዃኑ መስቀል እንታይ እዩ? ብኸመይ’ከ ክኽበር ጀሚሩ? ግማደ-መስቀል እየሱስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ድዩ? ንዝብል ሕቶታት ኣብዚ ዓንቀጽ ክምለስ ተፈቲኑ ኣሎ።
መስቀል እንታይ እዩ?
ኣብቲ ቀደም እዋን ብተለምዶ ኣብ መስቀል ተሰቒሎም ክሞቱ ዝፍረዶም ዝነበሩ እቶም ብፖለቲካዊ ገበን ዝተኸሰሱን ሸፋቱ ባሕሪን እዮም ነይሮም። ሞት እየሱስ እውን ብስቕለት እዩ ተፈጺሙ።
መርበብ ሓበሬታ ብሪታኒካ ከምዝሕበሮ መስቀል እየሱስ ንነዊሕ እዋን ጠፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብኣደ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ዝዀነት ቅድስቲ ሄለና ኣብ ከባቢ 326 ዓ.ም እዩ ተረኺቡ።
ቀዳሞት ታሪኻዊ መወከሲታት ምኽባር ርኽበት ሓቀኛ መስቀል ድማ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ይጅምር።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ከም ክርስትያናዊ ቅርሲ ተገይሩ ክርአ ጸኒሑ’ዩ።
ታሪኽ መስቀል
ኣብዚ እዋን መስቀል ከም ፈዋሲን ክርስትያናዊ ቅርሲን ዝርአ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ መጀመርያ ግን ከምኡ ዘይኰነስ ከም ‘ጻለኢ’ እዩ ተቘጺሩ ነይሩ።
እየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ‘ተኣምራት’ ክፍጽም ዝረኣዩ ኣይሁድ ከምዝተረበሹን ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክሓብእዎ ከምዝወሰኑን መርበብ ሓበሬታ ማሕበረ ቅዱሳን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ይጠቅስ።
“ጉድጓድ ኵዒቶም ድማ ቀቢሮሞ። ንኣስታት 300 ዓመታት ከኣ ነቲ መስቀል ዝተቐብረሉ ቦታ ከም መጕሓፊ ጐሓፍን መኽዘንን ገይሮምዎ” ይብል እቲ መርበብ።
ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ኣደ ናይቲ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቅድስቲ ሄለና፡ ብ327 ናብ እየሩሳሌም ኣቕኒዓ።
ኣብኡ ዳሜራ ምስ ኣንደደት እቲ ትኪ ናብቲ ኣብ እየሩሳሌም ዝተቐበረ መስቀል ኣንፈት ገጹ ስለዝተኸኸ ብእኡ ተሓቢራ ኣብቲ ቦታ ምስ ተዃዕተ እቲ መስቀል ተረኺቡ። ከም ናይ ብስራት ምልክት ከኣ ዝዓበየ ሓዊ ወሊዓ ጸምቢላቶ።
ነገራት ግን ብእኡ ኣይተዛዘሙን።
እቲ መስቀል ኣብ እየሩሳሌም ንብዙሕ ዓመታት ምስ ጸንሐ፡ ዝተፈላለዩ ነገስታት መስቀል ክውንኑ ከምዝተቓለሱ መርበብ ሓበሬታ ማሕበረ ቅዱሳን ይሕብር።
ብሰንኪ’ዚ ድማ እቶም መራሕቲ ኣብ ሓደ ውሳነ ዓሊቦም። ካብዚኦም ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ኣንጾክያ፡ ኤፌሶን፡ ኣርመንያ፡ ግሪኽ፡ እስክንድርያ ወዘተ ይርከብዎም።
ብመሰረት’ቲ ውሳነ ነቲ ኣብ እየሩሳሌም ዝነበረ መስቀል ክርስቶስ ኣብ ኣርባዕተ መቒሎም ምስ ካልኦት ታሪኻዊ ቅርስታት ተማቒሎምዎ።
ብድሕሪ’ዚ እቲ የማናይ ክንፊ መስቀል ናብ ኣፍሪቃ ተላኢኹ። ኣብ ግብጺ ዝርከብ ፓትርያርክ እስክንድርያ ተቐቢሉ ብኽብሪ ኣቐሚጥዎ ይብል ማሕበረ ቅዱሳን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ።
ካብ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ?
ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ዘመን፡ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ቱርካውያን ኦቶማን ንዓለም ምሉእ ናብ ሓደ ሃይማኖት ክቕይር ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ሓያሎ ጸገማት የጋጥሞም ከምዝነበረ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጠቕሱ።
ኣብቲ እዋን ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዳግማዊ ዳዊት ናብ ግብጺ ወፊሩ፡ እታ ፓትርያርክ ኣርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ካብቲ ዝወርዳ ዝነበረ ጸቕጥን ጽልዋን ሓራ ከምዘውጽኣ መርበብ ማሕበረ ቅዱሳን የመልክት።
ካብኡ ዝተበገሰ ከኣ ናብቲ ንጉስ ዝተፈላለዩ ክቡር ህያባት ተላኢዀም።
ዳግማዊ ዳዊት ግን በቲ ዝተለኣከሉ ህያብ ኣይዓገበን። ድሌቱ ቤተ ክርስቲያን ሃገሩ ወርቂ ክትረክብ ዘይኰነስ፡ ክፋል እቲ እየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ክትረክብ እዩ ነይሩ።
ድሌቱ ምስ ኣረድአ ድማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ግማደ መስቀል እየሱስን ካልኦት ቅዱሳን ቅርስታትን ልኢኻትሉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ግዙፍ መስቀል ኣብ ገዳም ገሸን ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣቦ እግዚኣብሔር ከምዝርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትገልጽ።
ኣምባ ገሸን ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ኣምባሰል ይርከብ።
ኣብ’ዚ እዋን
ቅድስቲ ሄለና፡ ነቲ ቅዱስ መስቀል ድሕሪ ምርካባ ዝወልዓቶ ዓቢ ሓዊ ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ዝበዓልን ዝኽበርን። እዚ ስነ ስርዓት’ዚ ከኣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ዳሜራ” ተባሂሉ ይፍለጥ።
ካልኦት ፍልይ ዝበሉ ዛንታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሓዊ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝነበረ ናብ ሓደ ወገን ከም ዝፈረሰ ይገልጹ። እዚ ድማ እቲ መስቀል ዝተቐብረሉ ቦታ ብንጹር ሓቢርዋ ተባሂሉ ይዝንቶ።
ከም ኣካል ባህላዊ ፍጻመታት፡ ኣብ ድሮ በዓለ መስቀል፡ ካብ ቀጠንቲ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ሽግን፡ ናይ ዝነቐጸ ቈልቋል ጨንፈር ሆየ ሆየ፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እተን ሃገራት ይውላዕን ይበዓልን።
እቲ ዝነድድ ዝተኣከበ ኩምራ ሽግ ቆልቋልን (ዳሜራ) ዝወድቀሉ መኣዝን ነናቱ ትርጕማት ኣለዎ። ናብ ምብራቕ ገጹ እንተወዲቝ ንዝመጽእ ዓመት ጽቡቕ ግዜ ከምዘሎ ዘመልክት ክኽውን እንከሎ፡ ንምዕራብ ገጽ እንተወዲቑ ከኣ ከም ሕማቕ ፋልን ክመጽእ ናይ ዝኽእል ጸገምን ሓደጋን ኣፈናዊ መጠንቀቕታ ይውሰድ።
እቲ ሓዊ ኣብ ዘለዎ እንተተሃሚኹ፡ ወይ ከኣ ናብ ሰሜንን ደቡብን ገጹ እንተወዲቑ ከኣ ነገራት ከም ዘለዉዎ ክቕጽሉ እዮም፤ ወይ ድማ እንተወሓደ ነገራት ካብቲ ዘለውዎ ኣይክኸፍኡን እዮም ዝብል ትርጕም ይወሃቦ።
ኣብዚ ብግጭትን ድርቅን ዝተሃስየ ክፋል ዓለም፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ናይ ሎሚ ዓመት ዳሜራታት ናበይ ገጹ ከምዝወድቕ ክርእዩ ልዑል ሃረርታ ኣለዎም።
እዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ወትሩ ኣብ መስከረም 16 [ግ] እተኽብሮ ሃገራዊ በዓል ደመራ ብውድብ ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ኣፍልጦ ረኺቡ ከም ቅርሲ ዓለም ከምዝተመዝገበ ይፍለጥ።