"ብህይወት ከም ዝተርፍ ርግጸኛ ኣይነበርኵን" - ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡

እስራኤል፡ ብሓሙስ ኣብ ልዕሊ 'ዕጡቓት ሑቲ ዝቈጻጸሩዎ ትሕተ ቕርጺ' መጥቃዕቲ ደብዳብ ነፈርቲ ክትፍጽም እንከላ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ደ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ጕጅልኡን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ነይሮም።

እቲ መጥቃዕቲ እቲ ጕጅለ ናብ ነፋሪት ኣብ ዝድይበሉ እዋን ከም ዝተፈጸመ'ዩ ተገሊጹ።

ካብዚ መጥቃዕቲ ዝተፈረፈ ዶ/ር ቴድሮስ ህንጻ ዘናወጸ ከቢድ ነትጕ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ውን እንተዀነ ኣብ እዝነይ ዘቃጭል ድምጺ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ ክብል ትማሊ ዓርቢ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ኣብቲ እዋን፡ ነትጒ ምስ ተሰምዐ ብቕልጡፍ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ስለ ዝተፈልጠ፡ ኣርባዕተ ግዜ ነትጒ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት "ብስንባደ ክሃድሙ" ጀሚሮም ኢሉ።

እቲ ሓደ፡ "ብሰንብድ መልክዑ" ኣብ ጥቓ እቲ ንሱ ኰፍ ኢልሉ ዝነበረ ንጕዕዞ ዝብገሱ ሰባት ዝዓርፍሉ ቦታ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ "ብህይወት ከም ዝተርፍ ርግጸኛ ኣይነበርኵን። ካብቲ ንሕና ዝነበርናሉ ቦታ ሒደት ሜትራት ጥራይ'ዩ ዝርሕቕ። ቁሩብ ኣንፈቱ እንተዝስሕት ነይሩ፡ ክሃርመኒ ይኽእል ነይሩ" ክብል ንሮይተርስ ኣብሪሁ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይዝምብያ ስለ ዝነበራ፡ ካልእ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ብምስጋእ ቴድሮስን ሓቢሮምዎ ዝነበሩ መሳርሕቱን ንሓደ ሰዓት ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣይወጽኡን።

እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ መንጐ እቲ ፍርስራስ ቁርጽራጽ ሚሳይል ከም ዝረኸቡ'ውን ሓቢሩ።

"ዋላ ሓደ መጽለሊ ቦታ ኣይነበረን፤ [ንሓደጋ] ኣብ ዝተቓልዐ ቦታ ኰይንና እንታይ ከም ዝፍጠር ንጽበ ነይርና" ይብል ዶ/ር ቴድሮስ።

ብሰንኪ እቲ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ኣብ ግዝኣት ሑዴይዳ ድማ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን ሑቲ ዘመሓድሩዎ ማዕከን ዜና ሳባ ጸብጺቡ።

ብተወሳኺ 40 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።

ዶ/ር ቴድሮስ ብዓርቢ ነቲ በቲ መጥቃዕቲ ከቢድ ጕድኣት ዝበጽሖ መሳርሕቱ ሒዙ ናብ ዮርዳኖስ ከም ዝኸደ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ካብ እስራኤል ዝተዋህቦ መጠንቀቕታ ከም ዘይነበረ ድማ ኣብቲ ምስ ሮይተርስ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ጠቒሱ።

እቲ ሰራሕተኛ ኣየር ሰብኣዊ ኣገልግሎት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ውልቀሰብ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ድሓን ኵነታት ከም ዝርከብ ተሓቢሩ ኣሎ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ የመን ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንምፍታሕን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ንምግምጋምን ናብ የመን ከም ዝኣተወ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ 13 ሰራሕተኛታት ብሑቲ ኣብ የመን ከም ዝተኣስሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ ነይሩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተወስዱ ኰይኖም፡ እዚ ማእሰርቲ፡ ሑቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ ቁጠባዊ ጸገማትን ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ዝወስዶ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣየርን ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን እዩ ተኸሲቱ።

እቲ ምስ ሰብ መዚ የመን ዝተገብረ ዝርርብ ብሰናይ መገዲ ከም ዝተዛዘመ ብምግላጽ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራሕተኛታት ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካብ ማእሰርቲ ዝፍትሕሉ ዕድል ከም ዝርኣየ ኣብሪሁ።

ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ በቲ መጥቃዕቲ ሲቪላዊ ትሕተ ቕርጺታት ዒላማ ምዃኖም ከም ዘግረመሉ ካብ ምዝራብ ብዝሰገረ ንዝዀነ ኣካል ክኸስስ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

"ኣነ ሃለዅ ኣይሃለዅ፡ ሲቪላዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓለዋ ክግበረሉ ይግባእ። ሓደ መሳርሕተይ ንሕንጢጥ ኢና ተሪፍና ኢሉኒ። ኣነ ሓደ ሰብ እየ፤ መዓልታዊ ተመሳሳሊ ነገር ዝበጽሖም ኣለው፤ እንተውሓደ እቲ ንሳቶም ዝስምዖም ክስምዓኒ ገይሩ እዩ" ኢሉ።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ የመን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መደብራት ጸዓትን ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጽን ከም ዘጥቅዐት ኣረጋጊጻ እያ።

ኣብ ኣል ሑዴይዳ፡ ዝርከብ 'ወተሃደራዊ ትሕተ ቕርጺ' ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ዝርከቡ ወደባት ሳሊፍን ራስ ካናጢብን ዝርከቡ ትሕቲ ቕርጺ በቲ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ዒላማ ከምዝኾኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር የመልክት።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ወደባትን ዝወረደ መጥቃዕቲ "ባርባራዊ" ክብል ገሊጽዎ።

ዝሓለፈ ቀዳም፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣካይዶም ምንባሮም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝተፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሚሳይል ልዕሊ 12 ሰባት ቈሲሎም።

እዚ ብቐዳም ካብ የመን ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኣብ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ መዘናግዒ ከም ዝዓለበ ዝገለጸ ሰራዊት እስራኤል፡ ነዚ ንምውዳቕ ዝተገብረ ፈተነታት ከም ዘይተዓወተ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ "ቅልጽም ሽበራ ኢራን ምቑራጽና ክንቅጽሎ ኢና" ክብል ካብ መደበር ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ኰይኑ ተዛሪቡ።