እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ፍርዲ ሞት ብኸመይ ይፍጸም? ክሳብ ክንደይከ ቅቡል እዩ?
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝወሃብ ፍርዲ ሞት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ትካል ኣብ 2023 ጥራይ 1153 ፍርዲ ሞት ከምዝተመዝገበ’ዩ ዝገልጽ።
ካብቲ ኣብ 2022 ዝተወሃብ 883 ፍርዲ ብ31 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ድማ የብርህ። ኣምነስቲ ኣብ 2015 ንኸምዚ ዝበለ ፍርዲ መዝጊቡ ነይሩ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ እቲ ኣብ 2023 ዝተመዝገበ እዩ።
ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ሞት ዝተፈርዱ ሰባት ብወግዒ ኣይጠቅስን። ይዅን’ምበር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እቲ ፍርዲ ክወሃብ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ቡራዩ ክልተ ህጻናት ብጭካነ ዝቐተለት ሰይቲ ኣቦ ንሞት ተፈሪዳ እያ። ነቲ ውሳነ ዘሕለፈ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ሸገር እዩ - ቢቢሲ።
ኣብ ዞባ ኮንሶ ወረዳ ሰገን ብሰንኪ ምስ ኣቦኡ ዝተፈጠረ ናይ ጥቕሚ ግጭት ንኣቦኡ፡ ኣደኡ፡ ኣኮኡን ወዲ 9 ዓመት ንእሽቶ ሓዉን ዝቐተለ ሰብ ብሞት ተፈሪዱ’ዩ። ነቲ ውሳነ ዘሕለፈ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ኮንሶ እዩ - ፋና።
ኣብ ከተማ ኣዳማ ክፍለከተማ ቦሌ ብልምዲ ‘ደከ ኣዲ’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣደኡ ብጭካነ ወጊኡ ዝቐተለ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ተፈሪዱ። እቲ ውሳነ ዘሕለፈ ድማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣዳማ እዩ - ፋና።
ኣብ ክፍሊ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ረዳኢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍርዲ ሞት ዝወሰነሎም ጉዳያት "ኣዝዮም ውሱናት" ምዃኖም ይገልጽ።
እዚ ፍርዲ ዝውሰነሎም ጉዳያት፡ ከም ክድዓትን ኰነ ኢልካ ብጭካነን ብዘስካሕክሕን ኣገባብ ሰብ ምቕታልን ዝምልከቱ ኣብ ፍሉያት ጉዳያት ጥራይ ከምዝዀኑ ሕጊ ብምጥቃስ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
"እቲ ሕጊ [መቕጻዕቲ ሞት] ብዝተኻእለ መጠን ብጸቢብ እዩ ተነዲፉ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር ሕጊ፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ሳሕቲ ከምዝትግበር ይሕብር።
ብተወሳኺ ተኸሳሲ መቃለሊ ረቛሒታት ከቕርብ ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት እዮም ዳያኑ ፍርዲ ሞት ዘሕልፉ። እቲ ገበነኛ’ውን ዕድመኡ ልዕሊ 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።
ብዙሕ ግዜ ፍርዲ ሞት ከም ዝተወሰነ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ይንገር። እቲ ጉዳይ ግን ኣብዚ’ዩ ዝዛዘም። እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፍጸም’ኳ እንተመሰለ፡ ተወሳኺ መስርሕ ግን ክህሉ እዩ። ተኸሳሲ ይግባይ ክብልን ዝተፈለየ ፍርዲ ክረክብን ይኽእል እዩ።
እቲ ይግባይ ምስተነጽገን ቤት ፍርዲ ውሳነ ምስ ኣረጋገጸን ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን። እቲ ፍርዲ ንኽፍጸም መራሒ እታ ሃገር ከጽድቘ ይግባእ።
ብቝጽሪ ብዙሓት እኳ እንተዘይኰኑ፡ በዚ መስርሕ ሓሊፎም ፍርዲ ሞት ዝተፈጸመሎም ጉዳያት ከምዘለዉ ግን እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ይዛረብ።
ግብራውነት ፍርዲ ሞት ኣብ ኢትዮጵያ
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ክሳብ 30 ዓመታት ዝፍለጡ ግብራዊ ዝዀኑ ፍርድታት ሞት ውሑዳት እዮም።
ንሱ፡ ንፕረዚደንት ግብጺ ነበር ሑስኒ ሙባረክ ንምቕንጻል ፈቲኖም ተባሂሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሱዳናውያን ኣሸበርቲ ብሞት ከምዝተፈርዱ የዘኻኽር።
"ንጀነራል ሓይሎም ኣርኣያ ዝቐተለ ሰብ ብሞት ከምዝተፈርደ ይዝክር። ብተመሳሳሊ መንገዲ ንክንፈ ገብረመድህን [ሓላፊ ጸጥታ ነበር] ዝቐተለ ሰብ ንሞት ተፈሪዱ እዩ፤ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብ ድሬዳዋ ወይ ጅግጅጋ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተታሒዞም ፍርዲ ሞት ከምዝተፈጸሞም ይዝክር’የ" ይብል።
መራሕቲ ሃገራት ብዛዕባ ፍርዲ ሞት ውሳነ ክህቡ ዝተገበረሉ ምኽንያት "ፖለቲካዊ ጉዳይ'ዩ" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ።
ጉዳይ ሂወት ደቂ ሰባት ስለዝዀነ፡ "ነቶም ድንጋገታት ጥራይ ብምርኣይ እንተተወሲኑን ተግባራዊ እንተዀይኑን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። . . . ንቤት ፍርዲ ጥራይ ክግደፍ የብሉን። መራሒ ሃገር ወኪል ሃገር ስለዝዀነ ክሳብ ኣብኡ ክጸድቕ ኣለዎ ካብ ዝብል ዝተበገሰ ይመስለኒ።"
ኣብቲ ውሳነ መራሒ ሃገር ክሳተፍ ምግበሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብፍርዲ ሞት ኣይኣምንን እየ ዝብል መራሒ ሃገር እንተመጺኡ እቲ ንሞት ዝተፈርደ ሰብ እቲ ውሳነ ግብራዊ ከይኰነ ዝጸንሓሉ ተኽእሎ ይፈጥር።
"መራሕቲ ሃገር ኣብ ምጽዳቕ ብዙሕ ስለዝደናጐዩ ግብራውነቱ ትሑት እዩ" ይብል እቲ ምሁር ሕጊ። "ንኣብነት ፕረዚደንት ግርማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልስፍና ስለዝነበሮ ብዙሕ ኣየጽደቐን። ፕረዚደንት ሳህለወርቅ እውን ዘጽደቐትሉ [ግዜ] ኣይዝክርን። ስለዚ ውሳነ ቤት ፍርዲ ጥራይ ዘይኰነስ ውሳነ መራሒ ሃገር እውን ስለዘድልዩ . . . እቲ መቕጻዕቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣይመስለንን።"
ቤት ፍርዲ ሓደ ተኸሳሲ ሞት ይግብኦ እዩ ኢሉ ክውስን እንከሎ፡ እቲ ፍርዲ ንኸጽድቕ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ኣካል [መራሒ ሃገር] ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣየጽድቕን እንተይሉ፡ እቲ ሰብ ፍርዱ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ንኽጸንሕ ምኽንያት ይኸውን።
“እቲ ስርዓት ንሓድሕድና ንተሓላለወሉ ኣገባብ መስሪቱ’ዩ ተባሂሉ እዩ ዝሕሰብ። ፍርዲ ሞት ኣድላዪ እዩ ዝብል መራሒ ሃገር እንተሃልዩ ካብ ቤት ፍርዲ ዝመጽእ እናጸደቐ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል። ግቡእ ኣይኰነን ዝብል ክመጽእ እንከሎ ድማ ብኣንጻሩ ክኸውን ግድን እዩ" ይብል።
መራሒ ሃገር እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝፍጸም ብፌርማኡ እንተዘይኣረጋጊጹ እቲ ገበነኛ እሱር ኰይኑ ይቕመጥ። ሓደ ሰብ 2/3 ካብቲ ዝተፈርዶ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዘሕልፍ ዝተመሓየሸ ባህሪ መሰረት ብምግባር ፍርዱ ዝንክየሉ መስርሕ ሕጊ ኣሎ። ባህሪኡ እንተዘይተቐይሩ ምሉእ ግዜ ፍርዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፎ ይግደድ።
እዚ ግን ሞት ንዝተፈርደ ሰብ ኣይምልከትን። ዋላ'ውን መራሒ ሃገር ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ እንተዘይፈረመ፡ ዝተረፈ ዕድመኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዘሕልፎ፡ "ሬሳኡ እዩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽእ ማለት'ዩ።"
እቲ ፍርዲ ብኸመይ ይፍጸም?
ዝተፈላለያ ሃገራት ፍርዲ ሞት ዝፍጽማሉ ዝተፈላለየ ኣገባባት ኣለወን።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ፡ ክሳዕ 2023 ኣርባዕተ ዝፍለጡ ኣገባባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ርእሲ ብምቝራጽ ፍርዲ እተፍጽም እንኮ ሃገር ስዑዲ ዓረብ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7 ሃገራት ብስቕለት፡ ሽዱሽተ ብጥይት፡ ሰለስተ ድማ ብመርፍእ ብዝውሃብ ቀታሊ መርዚ ፍርዲ ሞት ፈጺመን እየን።
ኣብ ኢትዮጵያ "ወተሃደር እንተዀይኑ ብጥይት ይቕተል። ሲቪል እንተዀይኑ ግን ኣብ ዘመነ ንጉስ ብዝነበረ ሕጊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይስቀል ዝብል እዩ። ብድሕሪኡ ዝመጸ ሕጊ ግን ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ከምዝስቀል እዩ ዝገልጽ" ይብል እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር።
ብተወሳኺ ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት ብምስቃል ምቕጻዕ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ ብዝብል ብካልኦት ኣማራጺታት ንምትግባር ዘተ ይግበር ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ምስ ፍርዲ ሞት ብዝተኣሳሰር ብዙሕ ዝለዓሉ ጉዳያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት ናይ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ ዝህበሉ ኣገባብ እዩ።
ብፍላይ ምስ ምስፍሕፋሕ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ገበን ተፈጺሙ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ ውልቀ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ፍርዲ የሕልፉ። ኣብ ውሳነታት ቤት ፍርዲ እውን ርእይቶኦም ይህቡ።
በዚ መንገዲ ገለ ገበናት ንሕብረተሰብ "ተሃዋሲ" ይዀኑ እዮም። 'ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃብ ኣለዎ' ዝብሉ ርእይቶታት ካብ ኵሉ ኣንፈት ይመጹ፤ እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኣየሉ ኣገባብ ድማ ካብዚ ዝተፈልየ እዩ።
"ነጻነት ፍርዲ ማለት ካብ ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ነጻ ምዃን ማለት'ዩ። ከም ውልቀ ሰብ ዳያኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝረኣይዎ ነገራት እውን ተነቀፍቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ካብ መግለጺ እቲ ነጻነት፡ ካብ መንግስትን ተቓዋሚ ውድብን ነጻ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት’ውን ነጻ ምዃን ዘጠቓልል’ዩ" ይብል እቲ ክኢላ ሕጊ።
ስምዒታዊ ዝገብሩ ገበናት ክፍጸም ዝኽእሉ’ኳ እንተዀኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሰብ ከይሞተ፡ እቲ ተኸሳሲ ቀታሊ ተባሂሉ ንሞት ድሕሪ ምፍራዱ፡ እቲ ሞይቱ ዝተበሃለ ሰብ ብህይወት ክርከብ ይኽእል’ዩ። ዘይሃስስ ጣዕሳ የጋጥም። እዚ ኵነታት ከይፍጠር፡ ናይ ሞት ፍርዲ ክውሰንን ክፍጸምን ከሎ ዓቢ ጥንቃቐ’ዩ ዘድሊ።"
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ ተምሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሰምዖ ጉዳይ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ሓደ ውልቀሰብ ሞይቱ ይበሃል’ሞ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርብ። መሰኻኽር ተወዲቦም ንሱ እዩ ዝቐተሎ ይብሉ። ብመስቀላዊ መርመራ ነቶም መሰኻኽር ምርታዕ ኣይተኻእለን። ሓቂ እዩ ሰብ ሞይቱ ኣሎ ተባሂሉ እቲ ቀታሊ ዝተባህለ ሰብ ተፈሪዱ ብሞት ይቕጻዕ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን እቲ ሞይቱ ዝተበሃለ ሰብ መጺኡ።
“ስለዚ ብጣዕሳ’ኳ ዘይትምልሶ ነገር ይኸውን ማለት እዩ። ኣብ መስርሕ ፍትሒ ክፍተት ከምዘሎ እውን ዘርኢ እዩ" ይብል እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር። ስለዚ ድማ እዩ ደያኑ ካብ ስምዒት ወጺኦም የማን ጸጋም ጠሚቶም ክውስኑ ይግባእ ዝበሃል።"
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እውን ነዚ ሓሳብ እዚ ይድግፉ። ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ንጹሃት ኰይኖም ዝርከቡሉ ተኽእሎታት ስለዘሎ ፍርዲ ሞት ይቃወሙ።
እዚ ፍርዲ ኣድላዪ ድዩ?
ኣብ ጉዳይ ፍርዲ ሞት ዝለዓል ካልእ ነጥቢ ምስ ትምህርታዊነቱ ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብ መብዛሕትአን ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ዘሕልፋ ሃገራት፡ እቲ ፍርዲ "ገበን ዝዓግት እዩ ብዝብል መትከል" ከምዝውሰን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።
ክኢላታት ማሕበራዊ ስነፍልጠት ግን፡ እቲ መቕጻዕቲ ሞት ዘለዎ ዓቕሚ ምክልኻል ገበን ውጽኢታውነቱን ከምዘይተረጋገጸ ይዛረቡ፤ ገሊኦም ድማ እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ መከላኸሊ ገበን፡ ገበነኛታት ምእሳርን ተኽእሎ መቕጻዕቲን ምዃኑ ይምጕቱ።
ኣብ 1988 ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጐ መቕጻዕቲ ሞትን ዓቕሚ ቅትለትን ዘሎ ርክብ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።
እቲ ኣብ 1996 ምምሕያሽ ዝተገብረሉ መጽናዕቲ፡ "ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ንላዕሊ ንገበን ዝዓግት ምዃኑ ዝሕብር ሳይንሳዊ መርትዖ የለን" ክብል’ዩ ደምዲሙ።
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ እውን እቲ ጉዳይ ኣካታዒ ምዃኑ ይጠቅስ።
ፍርዲ ሞት ክህሉ የብሉን ዝብላ ሃገራት ከምዘለዋ እቲ ክኢላ ይዛረብ። ፍርዲ ሞት ምውሳን እቲ ሕብረተሰብ ባዕሉ ካብቲ ገበነኛ ዝሓሸ ከምዘይኰነ ከምዘርኢ ይምጕታ፤ እቲ ሕብረተሰብ ካብቲ ሰብ ዝቐተለ ዝሓሸ ምዃኑ ከርእይ ኣለዎ ይብላ።
"ዝቐተለ ይመውት እንተኢልና፡ ከም ዓይኒ ዘጥፍአ ዓይኑ ይጥፋእ ዝዓይነቱ ባህላዊ ውሳነ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። ብሓቂ ስልጡን ሕብረተሰብ ፍርዲ ሞት ካብ ሕጉ ክኣሊ ኣለዎ ዝብላ ሃገራት ኣለዋ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ነቲ ሕጊ ኣይንኣልን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣድላዩ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከነተግብሮ ኣለና ዝብላ ኣለዋ" ይብል።
ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሃገራት ዓለም ፍርዲ ሞት ካብ ሕገን ከም ዝእለ ገይረን ኣለዋ። ኣብ 1991 እዚ ዓይነት ፍርዲ ዝሰረዛ 48 ሃገራት ነይረን፤ እዚ ቍጽሪ ድማ ክሳዕ 2023 ናብ 112 ሃገራት በሪኹ ይርከብ።
ትሽዓተ ሃገራት ኣብ ኣዝዮም ዝኸበዱ ጉዳያት ገበን ጥራይ እየን ብሞት ዝቐጽዓ፤ ሕጊ ፍርዲ ሞት ዘለወን 23 ሃገራት ድማ እንተወሓደ ነቲ ፍርዲ ኣየተግበራን።
መቕጻዕቲ ዝውሰን ንበዳሊን ነቲ ሕብረተሰብን ንምምሃር እዩ። ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መሓሪ፡ "እቲ ፍርዲ ዝተፈጸሞ ሰብ ኣይመሃርን፡ ንኻልኦት ናይ ምምሃር ጉዳይ ጥራይ እዩ ዝኸውን ዘሎ" ብምባል ፍርዲ ሞት እቲ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ገበን ዘለዎ መሪር ግብረ መልሲ ዝገልጸሉ መንገዲ ተገይሩ ከምዝሕሰብ ይገልጽ።