ብድርዕቲ ባቡር ቻይና ዝኣተወ መራሒ ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Xinhua
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ዶብ ሰጊሩ ናብ ቻይና ብምእታው ኣብ ርእሰ ከተማ በይጂን ኣብ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምርኢት ክሳተፍ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ጽባሕ ረቡዕ ዝካየድ ወተሃደራዊ ምርኢት "መዓልቲ ዓወት"፡ ኪም ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን፡ ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲንን ካልኦት መራሕቲ ዓለምን ክራኸብ'ዩ።
እዚ ድማ፡ ኪም ንፈለማ እዋን ዝሳተፈሉ ብዙሕነታዊ ዓለምለኻዊ ኣኼባኡ ክኸውን እዩ።
እቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ሰሉስ ኣብታ ድርዕቲ ባቡሩ ተሰቒሉ ናብ ቻይና ሰጊሩ'ሎ። እዛ ባቡር ብሉጽ ወይኒ ፈረንሳን ከም ሎብስተር ዝኣመሰሉ መግብታትን ዘቕርብ ቤት መግቢ ከም ዘጠቓለለት ይንገር።
እታ ባቡር ብዘለዋ ከቢድ መከላኸሊ ሓጻውን ቀስ ኢላ እያ ትጓዓዝ። መገሻኡ ክሳብ 24 ሰዓታት ክወስድ ትጽቢት ከም ዝግበር፡ እታ ባቡር ናብ ቻይና ምስጋራ ዝጸብጸበ ማዕከን ዜና ደቡብ ኮርያ ዮንሃፕ ሓቢሩ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ድሕሪ 1959 [ኣ.ኤ] ንፈለማ እዋን ኣብ ወተሃደራዊ ምርኢት ቻይና ዝሳተፍ ዘሎ መራሒ'ዩ።
ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ካልኦት 26 መራሕቲ ሃገራት - ካብ ሚያንማር፡ ኢራንን ኵባን ዝመጹ መራሕቲ - ክኸውን እዩ።
ቻይና ብ2015 ወተሃደራዊ ምርኢት መዓልቲ ዓወት ኣብ ዘአንገደትሉ እዋን፡ ፒዮንግያንግ ንሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣና ቾይ ርዮንግ-ሃይ እያ ልኢኻ ነይራ።
እዚ ካብ ዓለም ተነጺሉ ንበይኑ ዝነብር መራሒ ሳሕቲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገይሽ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ መራሕቲ ዓለም ዝገበሮ ርክብ ምስ ፑቲን ጥራይ ዝተሓጽረ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር ክልተ ግዜ ተራኺቦም።
ንመወዳእታ ግዜ ድማ፡ መበል 70 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ንምዝካር ኣብ 2019 ኣብ በይጂን ኣብ ዝተኻየደ መደብ ተረኺቡ ነይሩ።
ሽዑ'ውን መገሻኡ ብባቡር'ዩ ነይሩ።
እዚ ብባቡር ናይ ምጕዓዝ ልምዲ ብኣባሓጎ ኪም ኢል ሱንግ እዩ ጀሚሩ - ንሱ ናብ ቬትናምን ምብራቕ ኤውሮጳን ብናይ ባዕሉ ባቡር ይገይሽ ነይሩ።
ኣቦ ኪም፡ ኪም ጆንግ ኢል ድማ ብባቡር ይጕዓዝ ከም ዝነበረን ነፋሪት ምጋሽ ከም ዝፈርሕን ይንገር።
ብመሰረት ሓደ ማዕከን ዜና ደቡብ ኮርያ፡ እታ ዕጥቂ ዘለዋ ባቡር ኣስታት 90 ባጎኒታት ኣለዋ።
እዚኣተን ድማ ዋዕላ ዝካየደሎም ክፍልታት፡ መደቀሲ ክፍልታትን ካልእን ኣለወን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራዊ ኣባላት ኣብ ታሪኻዊ ኣደባባይ ቲያንመን በይጂን ምርኢት ከቕርቡ እዮም።
ቻይና፡ መበል 80 ዓመት ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኢዳ ዝሃበትሉን ምዝዛም እቲ ግጭትን እያ ትዝክር ዘላ።
እዚ ን70 ደቓይቕ ዝጸንሕ ሰልፊ፡ ኣማኢት ነፈርቲ፡ ታንክታትን ጸረ-ድሮናትን ዝሓቘፈ ኣጽዋር ቻይና ክቐርበሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ንመጀመርታ ግዜ ድማ፡ ሓድሽ መሓውር ሓይሊ ሰራዊታ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ምርኢት ክቐርብ እዩ።
መብዛሕትኦም መራሕቲ ምዕራባውያን ኣብቲ ሰልፊ ክሳተፉ ትጽቢት ኣይግበርን፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ፑቲን እገዳ ክግበር ዝደረኸ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብምቅዋሞም እዩ።
እንተዀነ መራሕቲ ኢንዶነዥያ፡ ማሌዥያ፡ ሚያንማርን ቬትናምን ክሳተፉ'ዮም።
እዚ ድማ ተወሳኺ መርትዖ ናይቲ በይጂን ምስ ጐርባብቲ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ እትገብሮ ዘላ ውሁድ ጻዕሪ እዩ።
ሓደ መራሒ ሕብረት ኤውሮጳ ጥራይ ክሳተፍ እዩ - ቀዳማይ ምኒስተር ስሎቫክያ ሮበርት ፊኮ - ቡልጋርያን ሃንጋሪን ድማ ወከልቲ ክሰዳ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







