እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕትን ምድላዋ ንግብረ-መልሲ ኢራንን
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።
እቶም መጥቃዕቲታት፡ ኣካል ናይቲ "ትንሳኤ ኣንበሳ" (Operation Rising Lion) ዝተባህለ ስርሒት ከም ዝዀነ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብምግላጽ፡ ኢራን ን"ህላወ እስራኤል ስግኣት ኰይና'ያ፡" ኢሉ።
መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ኣብ ቴህራን ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተሃስዩን ህጻናት ዝርከቡዎም ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ገሊጹ። እዚ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ብተወሳኺ፡ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ሑሴን ሰላሚ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
በቲ መጥቃዕቲ፡ ሓላፊ ስታፍ ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን መሓመድ ባግሪ'ውን ከም ዝተቐትለ መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ሓቢሩ። ኣብ 1980 ናብ ሓለዋ ሰውራ ተጸንቢሩ፡ ብመሳርዕ ኣቢሉ ደይቡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ እታ ሃገር ኰይኑ።
ብውሕዱ ክልተ ስነፍልጠተኛታት ንዩክለር - ሓላፊ ውድብ ኣቶሚክ ጸዓት ኢራን ነበር ፈረይዱን ዓባሲን ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ እስላማዊ ኣዛድ ኣብ ቴህራን መሓመድ መህዲ ቴህራንቺን እውን ከም ዝተቐትሉ መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ሓቢሩ።
ቀዳማይ ምኒስትር በንጃሚን ናታንያሁ ኣብ መግለጺኡ፡ "ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኢራን ቅድሚ ሕጂ ወሲዳቶ ዘይትፈልጥ ስጕምትታት፡ ዝማዕበለ ዩራንየም ንምዕጣቕ ስጕምትታት ወሲዳ'ያ። እዚ እንተ ዘይተቛሪጹ ኢራን ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተፍሪ ትኽእል እያ - ሓደ ዓመት ክኸውን ይኽእል። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ክኸውን ይኽእል ወይ'ውን ትሕቲ ሓደ ዓመት። እዚ ንህላወ እስራኤል ንጹርን ሓደጋ'ዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ቴህራን፡ ሰባት ብድምጺ ነትጒን መጥቃዕቲ ኣባይትን ካብ ድቃሶም ክበራበሩ እንከለዉ፡ ብዙሓት ዳርጋ ብባህርያዊ መንገዲ እዚ ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ ከም ዝግንዘቡ ይፍለጥ።
ቴህራን፡ ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኲናት ኢራንን ዒራቕን ካብ ዝዛዘም ንደሓር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኲናት ዘይረኣየት ከተማ'ያ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት እኳ እንተ ነበሩ፡ እዚኦም ግን ንዓበይቲ ማእከላት ከተማታት ወይ መንበሪ ህንጻታት ዒላማ ዝገበሩ ኣይነበሩን።
ስለዚ፡ እዚ ንሚልዮናት ኢራናውያን ኣዝዩ ዘሰንብድ ህሞት እዩ። ኢራን ብዘይጥርጥር ግብረ መልሲ ክትህብ እያ።
ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ከባቢ ቴህራን ዝርከቡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምኡ'ውን ኣባይቲ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ብዙሓት መንበሪ ህንጻታትን'ውን ከም ዝተሃስዩ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ኢራን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ መን ተቐቲሉ?
እስራኤል ንፕሮግራም ንዩክለር ኢራን ንምፍሻል ዝዓለመ'ዩ ዝበለቶ ስርሒት 'ራይዚንግ ላዮን'፡ ሓያሎ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰብ ኢራንን ንዩክለሳዊ ተመራመርትን ከም ዝቐተለ ይግለጽ።
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቶም ከም ዝተቐትሉ ዝተረጋገጹ ሰባት፤
- ሑሴን ሰላሚ፡ ዋና ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ
- ጎላማሊ ራሺድ፡ ኣዛዚ ማእከላይ ዋና ቤት ጽሕፈት ካታም-ኣል ኣንብያ
- ፈረይዱን ኣባሲ፡ ተመራማሪ ንዩክለርን ሓላፊ ውድብ ኣቶሚክ ጸዓት ኢራን ነበርን
- መሓመድ ማህዲ ቴህራንቺ ዝተባህለ ካልእ ኣብ ፕሮግራም ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኢራን ዝነጥፍ ንዩክለሳዊ ተመራማሪ
- መሓመድ ባገሪ ሓላፊ ስታፍ ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን
ላዕለዋይ ኣማኻሪ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ዓሊ ሻምካኒ ብኸቢድ ከም ዝተጐድአ ጸብጻባት ኢራን የመልክቱ።
ኢራን፡ ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ትድግፍ እያ ክትብል ከሲሳ። ኣመሪካ ድማ ነዚ ብትሪ ትነጽጎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ከም ዝፈልጥ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣመሪካ ግን ዝዀነ ተራ ከም ዘይብላ ኣስሚርሉ።
ወሃቢ-ቓል ዕጡቕ ሓይልታት ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ነቲ መጥቃዕቲታት "ከቢድ ዋጋ" ክኸፍላ እየን ከም ዝበለ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።
ኣቦልፋዝል ሸካርቺ፡ "ዕጡቓት ሓይልታት ነዚ ናይ ጽዮናውያን መጥቃዕቲ ብርግጽ ምላሽ ክህብሉ እዮም፡" ኢሉ።
ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን እትገብሮ ንዘላ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ "ዝለዓለ ልጓም" ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።
ወሃቢ-ቓል ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉተረዝ፡ "ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ብዛዕባ ኵነታት ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዝርርብ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክለር ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቕሎ፡" ገሊጹ።
"ዋና ጸሓፊ ክልቲኦም ወገናት ዝለዓለ ልጓም ከርእዩ ይሓትት፣ ብዝዀነ ይዅን ዋጋ ናብ ዝዓሞቐ ግጭት ካብ ምእታው ክቝጠቡ ይግባእ። እቲ ዞባ ነዚ ክስከም ኣይኽእልን፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሰራዊት ኣመሪካ ግን ኣብቲ ስርሒት ዝዀነ ተራ ከም ዘይተጻወተ ገሊጹ። ኢራን ኣብ ምግታእ ንዩክለሳዊ ፕሮግራም ምስ ኣመሪካ ዘተ ክትቅጽል ተስፋ ከም ዘለዎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
"ኢራን ንዩክለሳዊ ቦምብ ክህልዋ ስለ ዘይክእል ናብ መኣዲ ዘተ ክንምለስ ተስፋ ንገብር ኣለና። ክንርእዮ ኢና፡" ክብል ንፎክስ ኒውስ ተዛሪቡ።
ኣመሪካ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት መራሕቲ ኢራን ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጻ ምህላዋ ኣመልኪቱ።
ላዕለወይቲ ኣማኻሪትን ዳይረክተርን ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕ፡ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ሞና ያኩብያን፡ ዒላማታት እስራኤል ብምርኣይ፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ዞባ ከምቲ ዝነበሮ ናብ ዓዘቕቲ ናይቲ ዞባዊ ኲናት ንምእታው ዝቐረበ ምዃኑ ንጹር'ዩ፡" ኢላ።
ናታንያሁ ስጕምቲ ሃገሩ፡ "ኣድላዪ ክሳዕ ዝዀነ መዓልቲታት፡" ክቕጽል ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብቲ ርእይቶታቱ ዝያዳ ዝገርም ግን፡ "እቲ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምቕያር ዝግበር ጻውዒት ዝመስል፡" እዩ ትብል።
"እዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝዀነ ህርፋንን ዕላማን እዩ፡" ብምባል፡ እዚ ጉዳይ ዝህልዎ ትርጕም ወጥሪ ክጋደድ ስክፍታታት ከም ዘሎ ትዛረብ።
እስራኤል ንግብረመልሲ ኢራን ተካይዶ ዘላ ምድላው
እስራኤል፡ ኢራን "ኣብ ቀረባ" ግብረ መልሲ ክትህብ ትጽቢት ብምግባር ህጹጽ ኣዋጅ ደንጊጋ እያ።
ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ኣማኢት ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ከም ዝተኰሰት ይዝከር - መብዛሕትኦም ተዓጊቶም።
በቲ ኵነታት ዝተሻቐሉ ተቐማጦ ኢየሩሳሌም ማይን መግብን ክኽዝኑ ብምጅማሮም፡ ሱፐርማርኬታት ቀረብ ይውድኣ ከም ዘለዋ ተስተውዒሉ ኣሎ።
ሎሚ ንግሆ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ (ሳይረን)ን መልእኽታት ብተለፎንን ድሕሪ ምትሕልላፉ፡ ሰባት ናብ መዕቈቢታት ክኣትዉ መምርሒ ተዋሂቡዎም።
ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣገልግሎት ደም የዳሉ ከም ዘሎን ገለ ሆስፒታላት'ውን ናብ ቤቶም ክኸዱ ዝኽእሉ ሕሙማት ይሰድድ ከም ዘለዉን ይገልጽ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም፡ ኣብ ኵለን ከተማታት ፍልስጤም ዕጽዋ ተገይሩ ኣሎ - ተወሳኺ ምልክታ ክሳዕ ዝወሃብ።
እዚ ኵሉ ነቲ ብኢራን ክውሰድ ዝኽእል ሕነ ናይ ምውሳድ ስጕምቲ ንምድላው እዩ።