እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወትሩ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክንድቅስ ንግደደሉ ቀንዲ ምኽንያት
ኣብ መንጐ መዓልታት ስራሕን ዕረፍትን ዝፍጠሩ ንኣሽቱ ፍልልያት፡ ልምዲ ድቃስ ኣብ መዓንጣና ኣብ ዝርከቡ ባክተርያ ጥዕና ዘይብሉ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እዚ ድማ “ሶሻል ጀትላግ” – “social jetlag" (ምዝባዕ ድቃስ) ዘለዎም ሰባት ብመጠኑ ዝደኸመ ኣመጋግባ ስለዘለዎም ብኸፊል ውጽኢቱ ክኸውን ከምዝኽእል ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብዝለዓለ ደረጃ ዝተዛብዐ ድቃስ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ እብረ ስራሕ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።
ንድቅሰሉን ንነቕሓሉን ሰዓታት ስሩዕ ወይ ብቐጻሊ ተመሳሳሊ ምግባር ከምኡ’ውን ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ምዝውታር ንሕማማት ዘለና ተቓላዕነት ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብቲ ዝውቱር እንድቅሰሉ ሰዓት፡ ናይ 90 ደቓይቕ ፍልልይ እንተተፈጢሩ ኣብ መዓንጣና ንዝርከቡ ዓይነታት ባክተርያ ክጸልዎም ከም ዝኽእል፡ ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ኣብ ልዕሊ ኣስታት 1000 ኣባጽሕ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ኣብ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባክተርያ ክህልዉ ኣገዳሲ እዩ። ገሊኦም ካብ ካልኦት ዝሓሹ'ኳ እንተዀኑ ዝተሓዋወሱ ምህላዎም ግን ብዙሓት ሕማማት ንምክልኻል ወሳኒ እዩ።
"[ሶሻል ጀትላግ] ምስ ጥዕናና ዘይምቹእ ምትእስሳር ዘለዎም ዓይነታት ማይክሮባዮታ (ህዋሳት) ንክውስኹ ከተባብዕ ይኽእል'ዩ" ትብል ጸሓፊት እቲ መጽናዕትን ዞይ ኣብ ዝብሃል ኩባንያ ሳይንስ ጥዕና ነባር ሳይንቲስት ኣመጋግባን ኬት በርሚንግሃም።
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ኣብ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ሰዓታት ናይ ምድቃስን ምትሳእን ዝተዛብዐ ልምዲ እንተሃልዩካ፡ “ሶሻል ጀትላግ” ከም ዘለካ የመልክት።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ንልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝጸሉ ይግመት። ኣብ መንእሰያትን ኣባጽሕን ዝበዝሕ ኰይኑ ምስ እርጋንና ድማ እናነከየ ይኸይድ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ንድቃሶምን ደሞምን ካብ ምትንታን ብተወሳኺ ቅምሶ ሰገራ ተወሲዱ፡ ኵሉ ዝበልዕዎ መግቢ’ውን ተመዝጊቡ።
እቶም ‘ሶሻል ጀትላግ’ ዝነበሮም (ካብ ተሳተፍቲ መጽናዕቲ 16 ሚእታዊት) ክሪስፕስን ቺፕስን ሓዊሱ ብድንሽ ዝተዓብለለ ኣመጋግባ ዝምገቡ ከምኡ’ውን ተወሳኺ ሽኮር ዘለዎ መስተታት ዝወስዱን ውሑድ ፍሩታታት ዝጥቀሙን ነይሮም።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ‘ሶሻል ጀትላግ’ ዘለዎም ሰባት ካብቶም ስሩዕ ናይ ድቃስ ሰዓታት ዘለዎም ሰባት፡ ብዝተሓተ መጠን ፋይበር ዘለዎም መግብታት ዝምገቡ እዮም። ሶሻል ጀትላግ ምስ ምውሳኽ ክብደት ሰብነት፡ ካልኦት ሕማማትን ድኻም ኣእምሮን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተወሰኽቲ መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
"ዘይስሩዕ ድቃስ ኣብ ምርጫታት ጽልዋ ኣለዎ፤ ሰባት ድማ ዝለዓለ ካርቦሃይድሬት ወይ ሽኮር ዘለዎም መግብታት ክደልዩ ምኽንያት ይኸውን" ትብል ዶክተር በርሚንግሃም።
ጥዕና ዘይብሉ ኣመጋግባ ድማ ንመጠን ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ፍሉያት ባክተርያታት ክጸልዎም ይኽእል።
ካብቶም ምስ ሶሻል ጀትላግ ብዝተኣሳሰር ብብዝሒ ዝነብሩ ሽዱሽተ ዓይነታት ማይክሮባዮታ እቶም ሰለስተ ምስ ድኹም ኣመጋግባ፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፡ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ነድሪን ወቕዒን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም እቶም ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ኣብ መንጐ ድቃስ፡ ኣመጋግባን ባክተርያ መዓንጣን ዘሎ ርክብ ዝተሓላለኸ ኰይኑ ገና ሰፊሕ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ይግለጽ።
ክሳብ ሽዑ ግን እቲ ካብ ክኢላታት ዝወሃብ ምኽሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን እንፍጽሞ ተግባራት ብስሩዕን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ክቕጽል ምግባር እዩ።
"ስሩዕ ሰዓታት ድቃስ ምሕላው፡ መዓልታዊ ክንድቅስን ክንበራበርን ከለና ክንገብሮ እንኽእል ብቐሊሉ ዝስተኻኸል ናይ ኣነባብራ ባህሪ'ዩ። እዚ ድማ ብመንገዲ ማይክሮባዮም መዓንጣና ኣቢሉ ንጥዕናና ብዝሓሸ መንገዲ ክጸልዎ ይኽእል'ዩ" ትብል ዶክተር ሳራ ቤሪ ካብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን።
ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ እንታይ እዩ?
መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እንግሊዝ - (National Health Service
NHS) ዝስዕቡ ነገራት ይምዕድ፤
- መዓልታዊ እንተወሓደ ሓሙሽተ ግዜ ዝተፈላለዩ ፍረታትን ኣሕምልትን ምብላዕ
- ከም ድንሽ፡ ባኒ፡ ሩዝ ወይ ፓስታ ዝበሉ ብፋይበር ዝማዕበሉ መግብታት ምዝውታር
- ገለ ኣማራጺታት ጸባ ወይ ውጽኢት ጸባ ምጥቃም ብዝተኻእለ መጠን ድማ ትሑት ስብሒ ዘለዎም ወይ ትሑት ሽኮር ዘለዎም መግብታት ምምራጽ
- ከም ባልደንጓ፡ ዓሳ፡ እንቋቝሖ፡ ስጋን ካልእ ፕሮቲንን ምብላዕ
- ብዙሕ ፈሳሲ ምስታይ (ብውሑዱ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ብርጭቆ ኣብ መዓልቲ)