ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ከተመርቖ'ያ፤ ምስ ግብጺኸ ክትዘራረብ ድያ?

ምኒስተር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ

ምንጪ ስእሊ, AMENSISA IFA/BBC

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢተፋ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ 2017 [ግ] ብወግዒ ንምምራቕ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ንመብዛሕትኡ ሩባ ኣባይ በይነ-ተጠቃሚት ኰይና ዝጸንሐት ግብጺ፡ ኣብ ህንጸትን ምምላእን እቲ ግድብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምጕት እያ ዘላ።

ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ክልትኣውን ስሉሳውን ዝርርባት ከካይዳ'ኳ እንተጸንሓ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ስምምዕ እንከይበጽሓ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ሓሙሽተ ግዜ ማይ መሊኡ።

ግብጺ፡ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ግድብ ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ሓቲታ'ኳ እንተነበረት፡ ኢትዮጵያ ግን ኣይተቐበለቶን፤ እቶም ዝርርባት ድማ ብዘይ ፍረ ተበቲኖም።

ኣብዚ እዋን፡ ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ዛዚማ ኣላ፤ ንዘተ ግን ማዕጾኣ ክሳብ ሕጂ ክፉት ምዃኑ ምኒስተር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶክተር) ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ገዚፍ ግድብ ብብዝሒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጩን፡ እዚ ድማ ንብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ቀረብ ጸዓት ከም ዝህብን እቲ ምኒስተር ኣመልኪቱ።

ምዝዛም ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ መንግስቲ ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘይረክብ 46% ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀረብ ጸዓት ንምሃብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ዝሕግዝ ምዃኑ ምኒስተር ሃብታሙ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ 54% ጥራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይረክብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

"ክሳብ ሕጂ ኣስታት 46% ሓይሊ ኤሌክትሪክ የብሎምን። ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነዚ ቍጽሪ ንምንካይ ንሰርሕ ኣለና።"

እቲ ምኒስትር ወሲኹ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2030፡ ማለት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብውሕዱ 90 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረክብ ዓሊሙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይንገር። እዚ ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ከመንጩ ዓቕሚ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ይግበር ነይሩ። እንተዀነ 14 ዓመት ወሲዱሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ብልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተሃንጸ ግድብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣመሪካ ዝተሃንጸ'ዩ፡" ክብል ኣካታዒ ርእይቶ ሂብሉ ነይሩ።

እታ ሃገር፡ ዓቢ ግድብ ንምህናጽ ካብ ኣመሪካ ደገፍ ከም ዝረኸበት ብተደጋጋሚ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ሃገሩ ነቲ ገንዘብ መዓስን ብኸመይን ከም ዝሃበት ግን ኣይገለጸን።

ምኒስተር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶክተር)፡ "እዚ ዓቢ ግድብ ብገንዘብ ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ'ዩ፡" ብምባል፡ እታ ሃገር ካብ ዝዀነ ኣካል ግንዘባዊ ሓገዝ ከም ዘይረኸበት ኣረጋጊጹ።

ብዛዕባ እቲ ግድብ ንምህናጽ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝተረኸበ ገንዘብ ብዝምልከት ዝተዋህበ ርእይቶታት ብዝምልከት "እዚ ሓሶት እዩ" ብምባል "ብጽሩይ ገንዘብ ኢትዮጵያ ኢና ሰሪሕናዮ፡ ብገንዘብ ህዝቢ ኢትዮጵያ'ዩ ዝምረቕ ዘሎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝሓተተ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ምሉእ ብምሉእ ብህዝብን ሃብቲ ውሽጢ ሃገርን ዘውጽኦ ገንዘብ ዝተሃንጸ እዩ ክብል እቲ ምኒስትር ሓቢሩ።

ምረቓ እቲ ግድብ፡ 4 ጳጕሜን 2017 ዓ.ም ክካየድ እዩ። ነዚ ስዒቡ ግብጺ "ኣብ ምብራቓዊ ተፋሰስ ኣባይ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ሓደ ወገን፡" ከም ዘይትቕበል ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣፍሊጣ።

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ምስ ምኒስተራት ጕዳያት ወጻኢ ሃገራት ተፋሰስ ኣባይ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ከምኡ'ውን ኣካል ናይቲ ተፋሰስ ዘይኰና ጅቡትን ሶማልያን ብተሌፎን ተዘራሪቡ።

እቲ ግብጻዊ በዓል ስልጣን፡ ሃገሩ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕደራን ምምላእን ማይ እቲ ግድብ ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ዝገበረቶ ጻዕሪ ብዘይምዕዋቱ እዩ ነዞም ዝርርባት ኣካይዱ ዘሎ።

ምኒስትር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢተፋ

ምንጪ ስእሊ, AMENSISA IFA/BBC

መግለጺ ስእሊ, ምኒስትር ማይን ጸዓትን ሃብታሙ ኢተፋ

ምኒስትር ሃብታሙ ኢተፋ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ምህናጽ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ግብጽን ሱዳንን "ኣካል ናይቲ ዝርርብ ስለ ዝነበራ ይፈልጦ እየን። ብዛዕባኡ ክፈልጣ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ፡ ​​ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ጕድኣት ከም ዘየስዕብ ንኸተረድእን ንኽትዘራረብን ድልውቲ'ያ፡" ይብል።

እቶም ኣብ መንጐ እዘን ሃገራት ዝተኻየዱ ተደጋጋሚ ዝርርባት ብምዝኽኻር፡ ዓለምለኸ ጕጅለ ክኢላታት እውን ንህንጸት እቲ ግድብ ገምጊሙ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ዘውርድኦ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘየለ ከም ዝደምደመ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ -ሓንቲ ካብ ሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስ ኣባይ - ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ህይወት 105 ሚልዮን ዜጋታትናን ኣብ ሃገርና ዝርከቡ 10 ሚልዮን ኣጋይሽን ብህወይት ዘጽንሕ ማይ ክትንከፍ ፈጺምና ኣይነፍቅድን፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ምምላእ ማይን ክጅመር እንከሎ ኣትሒዙ ብትሪ ዝዅንን ዝነበረ ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ኣብ መስርሕ ህንጸትን ምምላእን እቲ ግድብ ተሳትፎ ክህልዋን ኣብ ማይ ኣባይ ዝዀነ ይዅን በይናዊ ስራሕ ብፍሉይ ከም ዘይትቕበልን ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

"ግብጺ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት ማያ ዘሎ ስግኣት ህላወ፡ ሸለል ኢላ ክትሓልፎ እያ ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ተጋግዩ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ህላወ ጸጋታት ህዝብና ንምሕላው ዝዀነ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ክብል ኣልሲሲ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ምኒስትር ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ሃብታሙ ኢተፋ ብወገኑ፡ ምስክርነት ዓለምለኸ ክኢላታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ዝተፈረመ ስምምዕ መትከል እውን ኣዘኻኺሩ።

"እዚ ስምምዕ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ክትሃንጽ እንከላ ምስተን ታሕተዎት ሃገራት ክትዘራረብ ምዃና ይገልጽ። እዚ ብንጹር ተጻሒፉ ኣሎ። ስለዚ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ደው ምባል ዘይኰነስ፡ ኣብ እዋን ህንጸት ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን ህንጸት ሓሳብ ምልውዋጥ፡ ኣብ እዋን ህንጸት ስክፍታታት እንተሃልዩ ምዝታይ እዩ።"

ኣብ መንጐ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ'ቲ ግድብ ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ ብዘይ ዝዀነ ውጽኢት ቀጺሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ወገን ነቲ ዘተ ብዘይምቍራጽ ንሓድሕደን ይነቕፋ። ምምላእ ማይን ህንጸት እቲ ግድብን ድማ ኣብ መወዳእታ በጺሑ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብጽሒታ ብዘውሕስ ኣገባብ ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕን እቲ ህንጸት ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑን ከተረድእ ክትጽዕር ጸኒሓ እያ።

እዚ ዘተ ንኽልቲኦም ወገናት ዘርብሕ ምዃኑ እቲ ምኒስተር ገሊጹ።

"ሓደ ወገን ዘተ እንታይ ማለት ምዃኑ እንተዘይፈሊጡ፡ ንምቕጻሉ ኣጸጋሚ ክኸውን'ዩ" ብምባል፡ ኢትዮጵያ ንረብሓኣን መሰላታን ብዘኽብር ኣገባብ ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ከም ዝጸንሐት ኣዘኻኺሩ።

"ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኵሉ ዘተታት ግድብ ህዳሰ ተሳቲፋ እያ። ንቀጻሊ እውን ከምኡ ክንቅጽሎ ኢና። ሕጂ'ውን ክዘራረብ ፍቓደኛ ዝዀነ ኣካል እንተሃልዩ ድሉዋት ኢና፡" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "እቲ ዘሕዝን ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብቲ ዘተ ዝወጽኡ ወይ ድማ ክንዛተ ኣይንደልን ዝበሉ ግብጻውያን እዮም፡" ኢሉ።

ናይዚ ምኽንያት ዝበሎ፡ "ኢትዮጵያ፡ እቲ ንሶም ዝደለይዎ መጠን ማይ ክትለቅቕ ብኣስገደድ ንምፍራም'ዩ፤ ንሕና ማይ ኣባይ ንዅለን ሃገራት እቲ ተፋሰስ ይኣክል እዩ ኢልና ኢና ንኣምን። ግን ሕጂ'ውን ኣብቲ መግዛእታዊ ስምምዕ ጸኒዖም ኣለዉ። እዚ ድማ ንሱዳንን ግብጽን እዩ መሰል ዝህበን። ንሃገራት ላዕለዎት ተፋሰስ ከኣ ካብ ጸወታ ወጻኢ ይገብረን፤ እዚ ዘይፍትሓዊ'ዩ። ነዚ ክቕበሎ ዝኽእል ሰብ የለን፡" ኢሉ።

ግብጺ፡ ኣብ 1959 ምስ ኤውሮጳውያን ዝተፈረመ መግዛእታዊ ስምምዕ መሰረት ብምግባር፡ ንማያት እቲ ሩባ ኣብ ትሕቲ መትከል ታሪኻዊ ልኡላውነት ጥራይ ክትጥቀመሉ ዘለዋ ድሌት ብምጥቃስ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

እዚ ድማ ኣብ ማያት እቲ ሩባ ዝበዝሐ ብጽሒት ይህባ።

እቲ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ካብ ምግላል ብተወሳኺ፡ ግብጺ 55.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ፡ ሱዳን ድማ 18.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩቢክ ማይ ክረኽባን፡ እታ 86 ሚእታዊት ማይ ሩባ ኣባይ እተመንጩ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ማይ ዘትርፍ ሻራውን ዘይፍትሓውን ስምምዕ ከም ዝዀነ ኢትዮጵያ ትምጕት።