መስራቲ ቢትኮይን መን'ዩ? ስለምንታይ'ከ የገድስ?

    • Author, Joe Tidy
    • Role, Cyber correspondent

ቢትኮይን፡ ክልተ ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ኢንዳስትሪ ክሪፕቶካረንሲ እዩ። ኣብ ዓለም ብርክት ዝበላ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ብብዝሒ ይጥቀማሉ ኣለዋ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ድማ ወግዓዊ መተዓዳደጊ ባጤራ ኰይኑ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ'ዩ።

ቢትኮይን ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ነገር እንተዀነ'ውን ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝዀነ ሚስጢር ግን ኣለዎ።

'ሳቶሺ ናካሞቶ’ መስራቲ ቢትኮይን ከም ዝዀነ ይንገር፤ ሓቀኛ መንነቱ ግን ኣይፍለጥን።

"ንሱ መን'ዩ" ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሓት ሓያሎ ጻዕሪ ገይሮም'ዮም። ኣይሰለጦምን።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝወጽአ ሓደ ሰነዳዊ ፊልም ኤችቢኦ፡ መሃዚ ቢትኮይን ካናዳዊ ፒተር ቶድ እዩ ኢሉ ነይሩ።

ፒተር ቶድ፡ መሃዚ ቢትኮይን ንስኻ ዲኻ? ተባሂሉ ተሓቲቱ፤ ንሱ ድማ ‘ኣነ ኣይኰንኩን’ በለ።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሚስጢራዊ ፈጣሪ ቢትኮይን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ መንነቱ ከቃልዕ'ዩ ዝብል ጽንጽንታ ተሰሚዑ።

ብዙሓት ሳቶሺ ናካሞቶ መን ምዃኑ ክፈልጡ ይደልዩ፤ ምኽንያቱ ኢንዱስትሪ ክሪፕቶ ንምዕባይ ዝሓገዘ ‘ሰውራዊ ፕሮግራመር’ ተባሂሉ ስለ ዝውሰድ።

ሳቶሺ ዋና ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቢትኮይን ኰይኑ፡ ዋጋ ቢትኮይን ይውስኽ ስለ ዘሎ ወናኒ ብዙሕ ቢልዮናት ዶላር [ማልታይ-ቢልዮነር] ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

'ፈጣሪ ቢትኰይን እየ'

ነዚ ሰፊሕ ሃብቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣዳላዊ ናይቲ ብሓሙስ ዝካየድ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ከም ጋዜጠኛ ንወንበር [መእተዊ] ክኸፍል ሓቲቱዎ። እዚ ዘይተለምደ ነገር እዩ።

ናይ ቅድሚት ወንበር 100 ፓውንድ ይኽፈሎ ነይሩ፤ ብዙሓት ሕቶታት ክሓትት እንተደልየ ድማ ተወሳኺ 50 ፓውንድ ከም ዝኸፍል ተኒጊሩኒ።

ኣወሃሃዲ እቲ መግለጺ ቻርለስ ኣንደርሰን ን"ሳቶሺ" ኣብ መድረኽ ቃለ መሕትት ናይ ምግባር ፍሉይ ዕድል ንምርካብ፡ 500 ፓውንድ ክኸፍል ኣተባቢዑኒ።

ኣይተቐበልኩዎን።

ድሓር ኣንደርሰን፡ ኣብቲ መግለጺ ክሳተፍ ከም ዝኽእል ወንበር ግን ዘይክረክብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑኒ።

ከምቲ ዝተባህለ፡ ናይ ኰፍ መበሊ ወንበር ጸገም ኣይነበረን።

ኣስታት 12 ጋዜጠኛታት ናይ ቅድሚት ወንበር ረኺቦም።

ኣወሃህባ እቲ መግለፂ ግን ባህ ዝብል ኣይነበረን፤ ነዊሕ ከይጸንሐ ኩሎም ተሳተፍቲ ሰፊሕ ጥርጣረ ኣትዩዎም።

እቲ ኣዳላዊን ሳቶሺ ዝበሃል ውልቀሰብን ክኣ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰንኪ ክስታት ምትላል [ምስ ክሪፕቶከረንሲ ብዝተኣሳሰር] ኣብ ዝተሓላለኸ ሕጋዊ ሞጐት ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

በከምኡ ዀይኑ'ውን፡ ኣንደርሰን ን"ሳቶሺ" ናብ መድረኽ ክወጽእ ዓዲሙዎ።

ንነዊሕ ሰዓታት፡ ኣብ ጐድኒ ኰፍ ኢሉ ዝጸንሐ ‘ስቲቨን ሞላህ’ ዝተባህለ ሰብኣይ ናብ መድረኽ ወጺኡ።

"እወ: ኣነ ሳቶሺ ናካሞቶ እየ፤ ኣብ ቴክኖሎጂ ብሎክቸይን ድማ ቢትኮይን ፈጢረ" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ንሱ ንቃሉ ዝዀነ መርትዖታት ከቕርብ ስለ ዘይከኣለ፡ ጋዜጠኛታት ካብ ምግራም ሓሊፉ ኣቘጢዑዎም።

ሞላህ፡ ምስቶም ንፈለማ እዋን ዝተፈጥሩ ቢትኮይን ምትእስሳርን ክፈጥር ምዃኑ ቃል ኣትዩ - እዚ ድማ እቲ ናይ እማን 'ሳቶሺ' ጥራይ እዩ ዝኽእል።

ንሱ ግን ከምኡ ኣይገበረን።

ዘይተፈትሐ ሚስጢር

ዝርዝር ናይቶም ሳቶሺ ናካሞቶ ተባሂሎም ዝጽውዑ ውልቀሰባት ነዊሕ እዩ።

ኣብ 2014 ኣብ ኒውስዊክ ዝወጽአሉ ሓደ ጽሑፍ፡ እዚ በዚ ሽም ዝጽዋዕ ውልቀሰብ ዶርያን ናካሞቶ ዝተባህለ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነብር ጃፓናዊ ኣሜሪካዊ ሰብኣይ ምዃኑ ይገልጽ።

ንሱ ግን ነጺግዎ፤ እቲ ዝተባህለ'ውን ጌጋ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣውስትራልያዊ ሳይንቲስት ኮምፒተር ክሬግ ራይት እዩ ተባሂሉ።

ንሱ ክኣ ነጺግዎ፤ መርትዖ ግን ከቕርብ ኣይክኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ፡ ኣብ ለንደን ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ራይት መሃዚ ቢትኮይን ከም ዘይኰነ ወሲኑ።

ቢልዮነር ኢንዳስትሪ ቴክኖሎጅን ኣፍቃሪ ክሪፕቶን ኢለን ማስክ'ውን ሓደ ሰራሕተኛ ስፔስኤክስ ነበር ማስክ ብድሕሪት ክሪፕቶካረንሲ ኣሎ'ዩ ክብል ንዘቕረቦ ክሲ ነጺጉ።

ብድሕሪ እዚ ቴክኖሎጂ መን ኣሎ ዝብል ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ ድዩ?

ሕጂ ብዘሎ ዕዳጋ ዋጋ ክሪፕቶ ካብ ጕግል ንላዕሊ ዋጋ ኣለዎ ማለት እዩ።

ቢትኮይን፡ ብማእኸላይ ገምጋም 69 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ከም ዝህልዎምን፡ እቶም መስረርቲ እንተተረኺቦም ድማ ህይወቶምን መንነቶምን ብኸቢድ ክምርመር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ ሰነዳዊ ፊልም ኤችቢኦ ሳቶሺ ተባሂሉ ዝተሰምየ ፒተር ቶድ፡ እቲ ዝረኸቦ ዘይቅኑዕ ኣቓልቦ ንድሕነቱ ክሰግእ ከም ዝገበሮ ተዛሪቡ።

ብዙሓት ኣብ ዕዳጋ ክሪፕቶ ዝነጥፉ ሰባት እዚ ሚስጢር ከይተፈትሐ ምጽንሑ የሐጉሶም።

"ሳቶሺ መን ምዃኑ ዝፈልጥ ሰብ የለን፤ እዚ ድማ ጽቡቕ ነገር'ዩ" ክብል ኣዳም ባክ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣዳለውቲ (ካልእ ሳቶሺ ክኸውን ዝኽእልን) ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ናታሊ ብሩነል ዝተባህለት ኣቕራቢት መደባት ቢትኮይን ድማ፡ መንነት ሳቶሺ ሕቡእ ምዃኑ ኣገዳሲ'ዩ ኢላ ትኣምን።

እዚ፡ ምንነት ሳቶሺ ንምፍላጥ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ እዚ ናይ ሕጂ'ውን ሓጋዚ ኣይነበረን፤

ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣእምሮይ ክመላለስ ዝጸንሐ ጥርጣረታት ተሸኪመ፡ ምስ ካልኦት ከምዚ ከማይ ዝተደናገሩ ጋዜጠኛታት መሰስ ኢለ ወፂኣ።

ሓደ ነገር ግን ርግፅ እዩ፤

ንሕጂ - ምናልባት'ውን ንዘልኣለም - ሳቶሺ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል'ዩ።