ካብ ግዳም ሓደር ናብ ብደረጃ ዓለም እትፍለጥ ሊቅ ስነፍልጠት ዝበጽሐት ጓለንስተይቲ

ፕሮፌሰር ዳሜ ኢጀዮማ ኡቸግቡ፡ ብስነፍልጠታዊ ዕዮታታ ሓያሎ ናእዳታትን ሽልማታትን ዝረኸበት ሓንቲ ካብ ዕዉታት ደቂኣንስትዮ እያ።

ኣብ 1990 ፕሮፌሰር ዳም ኢጀዮማ ኡቸግቡ ካብ ናይጀርያ ምስ ሰለስተ ኣዋልድ ደቃ - ሓንቲ ካብአን ናጽላ ህጻን - ሓንቲ ሻንጣን ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብን ሒዛ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ለንደን ተራእየት። ሓድሽ ህይወት ክትፍለም ናብታ ቅድሚ 30 ዓመት ዝተወለደትላ'ሞ ዓመታት ዝሓደገታ ከተማ ዳይግማይ ተመልሰት።

ኣብተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ሰሙናት፡ ስድራኣ ንምዕንጋልን ምንክብኻብን ዝገበሮቶ ጻዕሪ ክሰምረላ ኣይከኣለን፣ ብኣንጻሩ ነብሳ ኣብ መዕቈቢ ተኣለይቲ ጐደና ደኣ ረኸበታ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ካብቲ ዝነበረቶ ህይወት ወጺኣ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሓንቲ ካብተን ብደረጃ ዓለም ጸለውትን ፍሉጣትን ተመራመርቲ ደቂኣንስትዮ ክትከውን በቒዓ ኣላ።

እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ጕዕዞኣ ብትብዓትን ጽንዓትን፡ ከምኡ'ውን ሕልኽላኻትን ከበድቲ መሰናኽላትን ዝተሰነየ እዩ። ኢጀዮማ፡ "ሰናይ ጕዕዞ" ማለት እዩ፤ ወለዳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብሰላም ምስ በጽሑ ዝተዋህባ ስም እዩ።

ፋልማይ ህይወት

ወለዲ ዳሜ ኢጀዮማ ብ1960 ካብ ናይጀርያ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝኣተውሉ ግዝያት፡ ነፍሰጾር ዝነበረት ኣደኣ ምስ ተገላገለት፡ ህይወቶም ተስፋን ትርጕምን ዝተመልአ ምእንቲ ክዀነሎም እዮም ነዚ ስም ዝሃቡዋ።

ኢጀዮማ፡ ትርጕሙ "ሰናይ ጕዕዞ" ኰይኑ፡ ኣብታ ሓዳስ ከተማ ኵሉ ጽቡቕ ክኸደሎም ተስፋ ብምግባር ከም ዝሰመዩዋ ትገልጽ።

ወለዳ ክልተኦም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ብምንባሮም፡ እታ ጓሎም ኣብ ኬንት (ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ) ኣብ ትሕቲ ናበይቲ ስድራቤት ክትዓቢ ተገደደት። እዚ መስርሕ፡ ኣብቶም ቈልዑ ዝወለዱ ተምሃሮ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልሙድ እዩ ነይሩ።

ዳሜ ኢጀዮማ ምስታ ከም ስድራቤታ ዝተቐበለታ ስድራ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ሕጕስ ህይወት ድሕሪ ምሕላፋ፡ ሓደ መዓልቲ ኣቦኣ መጺኡ ምስኦም ክትቅመጥ ወሰዳ።

ኣብቲ ህሞት፡ "እንታይ ይፍጠር ከም ዝነበረ ኣይተረድኣንን። እዝከረኒ - በቃ ኵሉ ሃንደበት እዩ ነይሩ፤ ዘዕበየትኒ ኣደይ ሃንደበት ስኢነያ፡ ኣብ ክንድኣ ግን ኣቦይ ረኺበዮ፡" ክትብል ነቲ ኣብ ግዜ ቍልዕነታ ዝተፈጥረ ዘይሃስስ ምስሊ ትገልጽ።

ወላዲኣ ኣብቲ ግዜ'ቲ ምስታ ናይ ስጋ ወላዲታ ተፈላልዩ ነበረ። ዳሜ ኢጀዮማ ጓል 10 ዓመት ምስ ኰነት እያ ነታ ሓዳስ ስድራቤት ዝተሓወሰታ። ኣታ ኣብቲ ገዛ ዝጸንሓታ ሰበይቲ፡ ሰይቲ-ኣቦኣ'ምበር ቀንዲ ኣደኣ ዘይምዃና ተገንዘበት።

ምርኻብ ምስ ናይ ስጋ ወላዲታ

ዳሜ ኢጀኦማ፡ ጓል 13 ዓመት ምስ ኰነት፡ ምስ ኣደኣ ክትራኸብ በቕዐት።

"ወላዲተይ ክንተሓቛቘፍ ከለና፡ እምብዛ ሓጐስን ፍርሒ ዝተሓዋወሶ ስምዒትን ነይሩዋ። ንዓይ ግን ጓና እያ ነይራ። ብዝዀነ ግን ነተን ዝተረኻብናለን ሰሙናት ኣዚና ኣስተማቒርናየን።"

ኣብቲ ሰዓት፡ ንዳሜ ኢጀዮማ ኣብ ሞንጎ ሽዱሽተ ኣሕዋታ ምንባር ፍሉይ ለውጢ እዩ ነይሩ።

"ምስ ክልተ ዓበይቲ ሰባት በይነይ ስለ ዝነበርኩ፡ ምሉእ ኣድህቦኦም ነይሩኒ። ዘድልየኒ ዘበለ ምሕታት ጥራሕ እዮም ካባይ ዝጽበዩ ዝነበሩ፡" ክትብል ምስ ወላዲኣ ዝነብረ ናብራ ትገልጽ።

ኣደኣ ንምንታይ ኣብ ጕዕዞ ህይወታ ኣይነበረትን ምስ ውሽጣ ተዛሪባ መልሲ ዘይረኸበትሉ እዩ ነይሩ፣ ይዅን'ምበር ኣልዒላቶ ኣይትፈልጥን። ንወለዳ እንተ ሓቲታቶም መልሱ ዝኸብዶም ከይከውን ብምስጋእ፡ ብስቕታ ክትሓልፎ መረጸት።

"ኣብ ርእሰይ ዝመላለሱ ሓያሎ ሕቶታት እኳ እንተ ነበሩ፡ ነቲ ምስ ወላዲተይ ዝነበረኒ ግዝያት ግን ኣስተማቒረዮ።"

ወላዲታ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ኣመሪካ ገዓዘት። ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ኣብ መበል 33 ዓመት ዕድሚኣ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየት።

"ኣውያት ደርጋሕኩዎ፣ ውሽጠይ ብቓንዛ ክደሚ ተፈለጠኒ - ንወላዲተይ ዳግማይ ከም ዘይርእያ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን፡" ትብል ዳሜ ኢጀዮማ።

ዋላ'ኳ ናይ ስጋ ወላዲታ እንተ ሰኣነት፡ ዘዕበየታ ኣደኣ፡ ኣቦኣን ሰይተ-ኣቦኣን ምንባሮም ግን ህይወታ ጥጡሕ ክኸውን ወሳኒ ግደ ከም ዝነበሮም ትጠቅስ።

ዴማ ብዛዕባ ወላዲኣ ክትዛረብ ከላ ኣዝዩ ሓላፍነታዊ፡ ርህሩህን ሓላዪን ምንባሩ፡ ብጠቕላላ 11 ከም ዝወለደ፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ'ኳ ካብኡ ዝድለ ከም ዘየጐደለላ፡ ዕለተ ልደታ ፈጺሙ ረሲዑዎ ከም ዘይፈልጥ፡ ምስ ኣሕዋታ ሓቢሩ ከም ዝጻወት፡ ናብ ዝተፈላለዩ መዘናግዒታት ከም ዝወስዶምን ኣብ ትርፊ ግዜኡ ዛንታታት የንብበሎም ከም ዝነብረን ትዝክር።

ዳሜ ኢጀዮማ፡ ወላዲኣ ወትሩ ናብ ናይጀርያ ክምለስ ድሌት እኳ እንተ ነበሮ፡ ብሰንኪ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ቢያፍራን ግን ፍርሒ ከም ዝሓደሮ ትዝክር።

ወላዲኣ ዓመት መጽአ፡ "ንዓመታ ናብ ዓድና ክንምለስ ኢና፡" ይብሎም ከም ዝነበረ ትዝክር።

ምምላስ ናብ ናይጀርያ

ዳሜ ኢጀዮማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓሌትነት ተጋኒንሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እያ ዓብያ።

ብዙሕ ግዜ፡ "ዝደለኻዮ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡" ብምባል ዘተባብዓ ብሉጽ መምህር እኳ እንተ ነበራ፡ ምስቲ ዝነበረረ ኵነታት ከምኡ ክትገብር ግን በዳሂ ምንባሩ ትሕብር፣ "ንነብሰይ ከም ብዓልቲ ሞያ ክቘጽራ ጸጊምኒ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብዞም ሞያታት ዝነጥፍ ንዓይ ዝመስል ሰብ ኣይረኣኹን፡" ትብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣቦኣ ነታ ስድራቤት ሒዙ ናብ ናይጀርያ ምስ ተመልሰ ግን ብዙሓት ነገራት ተቐያይሮም።

"ኵሎም መማህርተይ፡ ፈተውተይን መተዓብይተይን ኮታስ ኣብኡ ዝነበረኒ ህይወት ገዲፈ ናብ ዘይፈልጦ ርሑቕ ቦታ እየ ዝኸይድ ነይረ፡" ትብል።

"ናብ መበቈል ዓደይ ይኸይድ ከም ዘለኹ፡ ናብ ቤትጽሕፈት ርእሰ-መምህር ከይደ ክነግራ ምስ ጀመርኩ፡ በዚ መጺኡ ዘይበልኩዎ ውሕጅ ንብዓተይ ክፈስስ ጀሚሩ። ዓቕሚ ስኢን ብጕያ ፈንጢሰ ወጺአ። ንሳ ከተጸናነዓኒ ኢላ 'ልደት ኣብ በረድ ኣይከትሕልፍዮን ኢኺ' በለትኒ።"

ንብዓተይ መሊሱ ክውሕዝ ተፈለጠኒ፣ ምኽንያቱ ንዅሎም ክረኽቦም ከም ዘይክእል ውሽጠይ ክቕበሎ ኣዝዩ ከበደኒ።

ልደት ኣብ ጸሓይ ከተሕልፎ ዝበሃገት ዳሜ፡ ከም ትጽቢታን ድሌታን ኰይኑ ግን ኣይጸንሓን። ከቢድ ቃጸሎ ቈርበት ኣስዒቡላ ንኣዋርሕ ኣብ ዓራት ክትድቅስ ተገደደት። ሓካይም፡ ዘይምቅብባል ምስ ብርሃን ጸሓይ ስለ ዘለዋ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳ ጥንቃቐ ክትገብር ሓበሩዋ።

ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ምስ በቕዐት፡ ነገራት ከምቲ ዝድለ ክስርዑላ ኣይከኣሉን። ምስ መማህርታ ክትወሃሃድ ግዜ ከም ዝወሰደላን ብሰንኪ ቃጸሎ ሕብሪ ቆርበታ፡ ካብኦም ዝተፈልየ ቋንቋ ምዝራባን ኣብ እዋን ኲናት ምስኦም ዘይምንባራን ዓቢይ ጋግ ከም ዝፈጠረላ ትገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ቀረባትን ትሕተ-ቕርጽን ጐደሎታት ምንባሩ፡ ናብራ ኣዝዩ ከም ዝኸበዳ፡ ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝነበራ ዝናን ተፈታውነትን ክትረክብ ብዘምኽኣላ ናብ ዓዳ ምምላሳ በዳሂ ምንባሩ ትዝክር።

ምስቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትመሃሮ ዝነበረት ዝመሳሰላ፡ ትምህርታ ክትቅጽል ዘተባብዓኣ ዝነበራ ዓይነታት ትምህርቲ ሕሳብን ስነፍልጠትን ጥራሕ እየን። እቲ ኣጋጣሚ ድማ ንመጻኢ ህይወታ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኰይኑ።

ኣብዚ እዋን ንድሕሪት ግልጽ ኢላ ክትሓስቦ ከላ፡ ተውህቦኣ ከተለልን ኣብዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክትበጽሕን መሰረት ዘንጸፈ ኣጋጣሚ ምዃኑ ካብ ብሉጻት ህያባት ናብ ዓዳ ምምላስ ምንባሩ ትዝክር።

ፍቕራዊ ህይወታ

ኣብ መበል 16 ዕድሚኣ ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምምራሕ ዓውዲ ፋርማሲ ከተጽንዕን ድሒራ'ውን ማስተርስ ዲግሪ ክትረክብን ከኣለት። ተመርዕያ ሰለስተ ኣዋልድ ክትወልድ እኳ እንተ በቕዐት፡ ሓዳራ ግን ከምቲ ትደልዮ ክቕጽለላ ኣይከኣለን - ብፍትሕ ተዛዘመ።

እዚ ሓደ ካብቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተመልሰትሉ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ዝሓሸ ዕድላት ትምህርቲ ምርካብ እዩ ነይሩ።

"ተመራማሪት ክኸውን ድላይ ነይሩኒ፣ ምስ ኵነታት ናይጀርያ ግን ከቢድ እዩ ነይሩ፡" ክትብል ትገልጽ። ኣብ ናይጀርያ ንመቕርባ ድሌታ ክትነግሮም ከላ፡ ይሕጭጩላ ከም ዝነበሩ፡ ሕልማ ገዲፋ ደቃ ንምእላይ ዝሓሸ ኣታዊ ክትረኽበሉ ኣብ ዘኽእላ ሞያ ጸቒጣ ክትጽዕር ይመኽሩዋ ምንባሮም ተዘንቱ።

በቲ ዝመጽአ ጸቕጢ ከይተሓጽረት፡ ውሑድ ገንዘብን ሰለስተ ደቃን ሒዛ ናብ ለንደን ተበገሰት። እንተዀነ፡ ብኣንጻር ሕልምታታ ነብሳ ኣብ መዕቈቢ ተኣለይቲ ጐደና ረኸበታ።

ኣብቲ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ መዕቈቢ ዝጸነሓትሉ፡ ኣዝዩ ጽንኩር ህይወት ምሕላፋን ብዙሕ ክትግምቶም ዘይትክእል ብድሆታት ከም ዝገጠሙዋን ከምኡ'ውን ንሳን ደቃን መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይሽገራ ምንባረን ብምግላጽ፡ "ልክዕ ነብሰይ ክኢለ ካብኡ ኣብ ዝወጻእኩሉ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝወጻእኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡" ክትብል ገጻ ጸዊጋ ትዝክር።

ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ዓውዲ ናኖቴክኖሎጂ - ኣብ ደቀቕቲ ንጥረ-ነገራት ዘጽንዕ ዓውዲ - ናይ ዶክትረይት ትምህርታ ንምቕጻል ዩኒቨርሲታት ክትደሊ ጀመረት።

እቲ ዝረኸበቶ ማህደረ-ትምህርቲ ብዙሕ ዓቢይ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ክራይ ገዛኣ ንምኽፋል ግን ናይ መንግስቲ ደገፍ ረኺባ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ ከምዚ ህሞት እንከላ ብዘይተጸበየቶ መንገዲ፡ ንህይወታ ኣብ ዝቐየረ ሓደ ዋዕላ ተሳተፈት። ኣብኡ ድማ ምስ ፕሮፌሰር ኣንድርያስ ሻትዝላይን - ጀርመናዊ ስነፍልጠተኛ ተራኸበት። እቲ ዝገርም ድማ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ዓሚቝ ፍቕሪ ከም ዝወደቕት ትዛረብ።

ዕቤት ናይቲ ሸቶ

ፕሮፌሰር ኣንድርያስ ኣብ መወዳእታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዘ።

"ምሳይ ምእንቲ ክኸውን ኵሉ ገዲፍዎ፡ ጠቕሊሉ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዘ" ትብል። ንሱ ብዓልቤታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ እተካይዶ ምርምር'ውን መሻርኽታ እዩ።

ዳሚ ሓደ ካብ ዕዉታት ምርምራዊ ዕዮታታት፡ ሓደ ኣዝዩ ንእሽቶ ናኖ-ፓሪክል (ካብ ጸጕሪ ወዲ-ሰብ ብሓደ ሽሕ ዝንእስ) ናብ ኣካላትና ብምእታው ናብቲ ልክዕ ዝድለየሉ ክፋል ኣካላትና ክበጽሕ ዘኽእል ውጽኢታውን ጐድናዊ ሳዕቤን ዘጕድልን መድሓኒት ምስ ብዓል-ቤታ ብምዃን ረኺባ። እዚ ድማ ዘደንቕ ርኽበት እዩ።

"መድሓኒት ክትወስድ ከለኻ - ብኣፍ ይዅን ብመርፍእ - ኣብ መወዳእታ ናብ ደምን ብኡ ኣቢሉ ናብ ኵሉ ኣካላትን ይበጽሕ። ሓድሓደ ግዜ ግን እዚ ተደላዪ ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ፡ ኵሎም ኣካላት በቲ ተግባር ክጽለዉ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ ናኖ-ፓርቲክል መሰረት ዝገበሩ መድሓኒታት ምጥቃም ውጽኢታዊ መፍትሒ እዩ፡" ትብል ዳሜ ኢጀዮማ።

"እዞም ናኖ-ፓርቲክላት ባእታ፡ ነቲ ዝተጐድአ ቦታ ጥራይ እምበር ንጥዑያት መትንታት ዘይዓለሙ እንተዀይኖም፡ ሓደጋ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣብ ምንካይ ልዑል ተራ ከም ዘለዎም፡" ተብርህ።

እዞም ጐድናዊ ሳዕቤናት ካብቲ ኣዕናዊ ጽልዋ ኬሞቴራፒ ክሳብ እቶም ብሰንኪ ወልፊ ንዝስዕቡ ከበድቲ ቃንዛታት ከም ሞርፊን ወይ ፈንታሊልን ከጓንፉ ይኽእሉ።

እዞም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ከም ድሕሪት ዓይንን ሓንጎልን ዝኣመሰሉ መድሓኒታት ክበጽሑዎም ኣጸገምቲ ዝዀኑ ክፋል ኣካላት ብመንገዲ ናኖ-ፓርቲክል ንምፍዋስ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ሕክምናዊ ፈተነታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ንዓይነ ስውራን ብነጠብጣብ ዓይኒ ክሕክምዎም፡ ፈውሲ ቃንዛ ክቕይሩን ቅልውላው ኦፒዮይድ ንምፍታሕ ክሕግዙን ተስፋ ገይሮም ከም ዘለዉ ተረድእ።

ዳሜ ኢጀዮማ ሕጂ ምስ ክልቲኡ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን (UCL) ከምኡ'ውን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅን ኣብ ምርምራዊ ንጥፈታት ትዓዪ ኣላ።