እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካዊ ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ፡ 10 ግዳያት ባርዕ ገዛ ኣባላት ስድራቤቱ ኮይኖም ረኺብዎም
ኣብ ኣመሪካ፡ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ ገዛ፡ ናብቲ ቦታ ዝተጸውዐ ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቶም 10 ግዳያት ኣባላት ስድራቤቱ ኮይኖም ረኺብዎም።
ፖሊስ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ፡ ኣስማት ሽዱሽተ ካብቶም ግዳያት ከምዘረጋገጸ እኳ እንተገለጸ፡ ገና መንነት እቶም ዝነኣሱ ህጻናት፡ ማለት እቶም ደቂ ሓሙሽተ፣ ሽዱሽተን ሸውዓተን ዓመት ከምዘየለለየ ገሊጹ።
ጠንቂ'ቲ ባርዕ ንምፍላጥ ገበናዊ ምርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ባርዕ ዓርቢ ንግሆ ኣብ በረንዳ ከምዝጀመረ እዩ ዝግመት።
ሃሮልድ ባከር ዝተባህለ ወለንታዊ ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ ትካል ኔስኮፔክ፡ ንማዕከን ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዝሞቱ ወዱ፣ ጓሉ፣ ሰብኣይ ኣዲኡ፣ ጋል-ሰብኣይ ኣዲኡ፣ ወዲ-ሰብኣይ ኣዲኡን፡ ሰለስተ ደቂ ደቁን ካልኦት ክልተ ኣዝማዱን ምዃኖም ሓቢሩ።
እቶም ዝሞቱ ሰለስተ ህጻናት - ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን - ኣብቲ ገዛ ከምዘይነብሩን፡ ንዕረፍቲ ከምዝመጽኡን ገሊጹ።
ሃሮልድ ባከር፡ ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝዀነ ወዱ ዴል ግና፡ ኣሰሩ ተኸቲሉ ናብ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝተጸንበረ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ እቶም ሬሳታት ካብቲ ዝዓነወ ህንጻ ብሓገዝ ናይ ፖሊስ ኣኽላባት ከም ዝተረኽበ ይሕብር።
ሰለስተ ዓበይቲ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ከምዝተገብሩ ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።
እቲ ባርዕ፡ ኣብቲ ካብ ፊላደልፍያ ንሰሜናዊ ምዕራብ 95 ማይልስ (150 ኪ.ሜ) ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገጠራዊ ማሕበረሰብ፡ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 02፡30 (06፡30 GMT) እዩ ተላዒሉ።
ፖሊስ ግዝኣት ፔንስልቨንያ ሌተናል ዴሪክ ፌልስማን፡ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ናብቲ ገዛ ብድሕሪት ንምእታው ተባዕ ጻዕሪ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ በቲ ዝወጽእ ዝነበረ ከቢድ ሃልሃልታን ሙቐትን ግን ንድሕሪት ከምዝተደፍኡ ኣረዲኡ።
ሚስተር ባከር፡ ኣብ ከተማ ዊልክስ-ባረ ንዝርከብ ጋዜጣ ሲቲዘንስ ቮይስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ ላዕሊ ኣብ ደዊ [ስትሪት] ኩርናዕ ምስ ገበርናሉ፡ ኣብ ጎደና ንታሕቲ ብምጥማት ጥራይ እንታይ ገዛ ምዃኑ ብኡንብኡ ፈሊጠዮ" ኢሉ።
"ኣነ ኣብታ ቀዳመይቲ ሞተር ነይረ፡ ንላዕሊ ምስ ተሰሓብና ድማ፡ እቲ ቦታ ምሉእ ብምሉእ ተሳቲፉ። ናብኦም ክንኣቱ ፈቲንና።"
ንሱ ንWNEP-TV ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ቆልዑን ክልተ ደቀይን በቃ ሓፍቶምን ኣኮኦምን ይበጽሑ ነይሮም" ኢሉ።
"እዚኦም ወነንቲ እቲ ገዛ እዮም ነይሮም። እዚኣቶም ድማ፡ ናብ'ዚ መሐበሲ ይኣትዉ ነይሮም ከምዚ እዩ ነይሩ።" ኣመሓዳሪ ፐንሲልቫንያ ቶም ዎልፍ፡ በቲ ዘሕዝን ፍጻመ "ልቡ ከም ዝተሰብረ" ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ቀይሕ መስቀል ኣሜሪካ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምላሽ ይህቡ ከምዘለዉን፡ ነቶም ዝተመዛበሉ ድማ ይሕግዙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።