ግብጺ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ንምንጋስ ኵሉ ዓቕምታታ ከም እተዋፍር ገሊጻ

ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency/Getty Images

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኒውስ24 ኣብ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ናይልን ዘለዋ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ንምሕላውን ዞባዊ ስግኣታት ንምምካትን ዲፕሎማስያውን ወተሃደራዊ ጽምዶኣ ተስፋሕ፡" ከም ዘላ ገሊጹ።

ኣብዚ "ኣብ ዘይርጉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ስትራተጅያዊ ተራኻ ዳግማይ ምግላጽ፡" ብዝብል ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ግብጺ ኣብዚ ዞባ ዘለዋ "ታሪኻዊ ግደ" ዳግም ከም እተረጋግጾ ሓቢሩ።

እዚ ኣብዚ ግዜ'ዚ እተካይዶ ዘላ ጻዕርታት ሓድሽ ከም ዘይኰነ፡ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ካብ ቀደም ዝጸንሐን ናይ ሃገራዊ ድሕነት ግዴታኣን ምዃኑ ኣብሪሁ።

"ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ መዳያት ዲፕሎማስን ወተሃደራውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ምንቅስቓሳት፡ ኣቓልቦ ስሒቡ እዩ፡" ኢሉ።

ምኒስተር በድር ዓብደልዓጢ፡ "ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያን ጕጅለ ሑቲ ኣብ የመንን ዝቕልቀል ዘሎ ምውህሃድ፡" ብምጥቃስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ከቢድ ሓደጋታት ከም ዘኸትልን ንዞባዊ ስግኣታት ጸጥታ ከም ዘዕብዮን ኣጠንቂቑ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዚ መዳይ ድማ ጽምዶ ግብጺ ኣብዚ ዞባ፡ ኣብ ንጹር ጂኦግራፍያውን ስትራተጅያውን ባይታ የቐምጦ።

"ግብጺ ኣብ መንጎ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ንሃገራዊ ድሕነት ግብጺ እምብዛ ኣገደስቲ ዝዀኑ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ናይልን ኣብ ዘለዋ ተፈጥሮኣውን ስትራተጅያውን ምትእስሳር ብምቛም፡" ነዚ ኣብ ቀረባ እዋን ከተካይዶ ዝጸንሐት ሓያል ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ከም ዝገልጾ ይሕብር።

እዚ ግብጺ እተካይዶ ዘላ ንጥፈታት ግዝያዊ ወይ ታክቲካዊ እዩ ንዝብል ኣበሃህላ ብምንጻግ፡ ምስቲ ዞባ ሱር ዝሰደደ ዝምድናታት ከም ዝጸንሐ ኣስሚሩሉ።

ግብጺ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ምትእስሳር ካብ ጥንቲ ዝጅምር ምዃኑ ዝገለጸ ምኒስተር ዓብደልዓጢ፡ "ካብ ግዜ ንግስቲ ሃትሸፕሱት ጀሚሩ ንግዳዊ፡ ባህላውን ስልጣነኣውን ምትእስሳራት እናሓየለ ከይዱ፣ ክሳዕ ዘመነ መግዛእቲ፡ ምእላይ መግዛእቲ ድማ ቀጺሉ፡" ይብል'ሞ፡ ግብጺ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነበሩ ሓርነታውን ናጽነታውን ምንቅስቓሳት ከም ዝደገፈት ይሕብር።

ጽሕፉ ብምቕጻል፡ ኣብዚ ዞባ ዘይምርግጋእ ንዝፈጠረ ምፍራስ ሶማልያ ኣብ 1991፡ "ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ኣንፈት፡" ከም ዝፈጠረ ገሊጹ።

ነዚ ምፍራስ ሶማልያ ተጠቒመን፡ ገለ ጐረባብቲ ሃገራት ወተሃደራዊ ጣልቃ ክገብራ ከም ዝደረኸንን ንዘይምርግጋእ ዝያዳ ከም ዘጋደዶን ገሊጹ።

እተን ጐረባብቲ ሃገራት ብዓል መን ምዃነን ግን ኣይገለጸን።

ብተወሳኺ ገለ ዞባውያን ሓይልታት፡ "ግዳማዊ ስግኣታት ብምፍጣር፡ ጸላእቲ ብምምሃዝ፡ ካብ ስምዒት ልዕልና ዝመጽእ ተጻብኦታት ብምውላዕ፡ ነቲ ሕዱር ውሽጣዊ ዘይምርግጋኦም ናብ ግዳም ይሰዱዎ ከም ዘለዉ፡" ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ዞባ ካብቶም ርግኣት ዘይፈጥሩ ዝበሎም ምዕባለታት፡ "ወደብ-ኣልቦ ክነሶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ንምርካብ እውጅ ድሌት፡" ዘርኣዩ ከም ዘለዉ ጠቒሱ። "ኣብ ልዕሊ ስምረት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ናይቲ ዞባ ቅሉዕ ስግኣት ዝፈጥር፡" ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብዚ ቅንያት ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብቲ ገማግም ዝርከባ ሃገራት ጉዳይ ምዃኑ ብሓይለ-ቓል ተዛሪቡ።

ነታ ባሕሪ-ኣልቦ ኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ዘግለለ ኰይኑ፡ "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡"ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ገሊጹ ነይሩ።

ካርታ ግብጺ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት'ውን ብምልዓል፡ "ኣብ ልዕሊ ሃብቲ፡ ገማግም ባሕርን ወደባት ቀይሕ ባሕርን ሱዳን ግዳማዊ ህርፋን ዝዕድም፣ ከምኡ'ውን ነታ ሃገር ናብ ክፉት ሜዳ ንዞባዊ ግጭታት ዝቕይር፡" ክብል ስግኣቱ ኣቐሚጡ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍጠር ዘይምርግጋእ ምስ ጸጥታዊ ብድሆታት ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝተኣሳሰር ድማ ይገልጽ።

ሑቲ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ስዒቡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕትታት፡ ብዛዕባ ውሑስ ጕዕዞ ባሕሪ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንዝጸንሐ ውጥን ከም ዘበራበሮን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ንዘለዋ ሓይልታት ክመጽኣ ከም ዝዓደመንን ገሊጹ።

"እዚ ኵነት'ዚ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ምትእስሳራት ክህሉ ገይሩ፣ ንጸጥታ፡ ድሕነትን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስግእ ሓደጋታት ኣጋዲዱ፡" ኢሉ።

ግብጺ፡ ዘይርጉእነት ዝመልኦ ጂኦግራፍያውን ስትራተጅያውን ሃዋሁ ከም ዘጋጠማ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ተራ ናይ ተዓዛቢት ቦታ ከም ዘይትቕመጥን ብልሙድ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ከም ዘይትኸይድን ሓቢሩ።

ግብጺ ኣብዚ ዞባ እትገብሮ ጽምዶ ዳግማይ ምሕዳሳ፡ ብደይ-መደይ ዝተወስደ ስትራተጅያዊ ኣንፈት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

"ሃገራት ነዚ ግብጺ እተካይዶ ዘላ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት፡ ነዚ ዞባ ኣብ ሰልሚ ከእቱ ንዝኽእል ሓደገኛን ከነጥቅዕ ኢና ዝብልን መግለጺታት ንምግታእ ከም ህጹጽን ኣድላይን ገይረን ይርእየኦ፡" ክብል ጽሒፉ።

ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ትካላት ግብጽን በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚዛንን ርግኣትን ንምምላስ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ሓደ ኣብነት ናይዚ፡ ግብጺ ሶማልያ ንዘቕረበትላ ሕቶ ተቐቢላ ዓቀብቲ ሰላም ንዝልኣኸቶ ጠቒሱ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብዚ ዞባ ዝገብሩዎ ጽምዶ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ዝተሓጽረ ጥራሕ ዘይኰነ ምስ ኤርትራ፡ ጁቡቲ፡ ኬንያን ሶማልያን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሓባራዊ ልምዓታዊ መደባት ከም ዘካይዱ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ክንዲ ምትእትታው ኣብ ሽርክነት ዝተመርኰሰ ፖሊሲ ከም ዝኽተሉ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣብሪሁ።