ዘይኣርግ ምስጢራዊ ዓሳ፡ ንዕድመ ደቂ ሰባት እንታይ ተስፋ ይህብ?

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ገማግም ባሕሪ ራይስ ሌክ ሚነሶታ ዝኸደ ሰብ፡ ኣብ ቀላይ ራይስ ኣብ ውሽጢ ዕምቆት ዘይብሉ ማይ ዕስለ ዓበይቲ ዓሳታት ክዕዘብ ይኽእል።

እዞም ዓሳታት ቢግማውዝ ቡፋሎ ይበሃሉ፤ ኣብ ዓለም እቶም ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎም ዓሳታት እዮም።

ገለ ካብዚኦም ንልዕሊ 100 ዓመት ከምዝነበሩ ይንገር።

እዞም ክሳብ ልዕሊ 23 ኪሎ ግራም ዝምዝኑ ዓበይቲ ዓሳታት ዓመት መጸ፡ ኣብ ቃላይ ራይስ ክራብሑ ጸኒሖም እዮም።

ይዅን'ምበር ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ሓደስቲ ደቂ ናይዞም ዓሌት ክሳብ ብጽሕና ክጸንሑ ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ቢግማውዝ ቡፋሎ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዙሕ መጽናዕቲ'ኳ እንተዘይተገበረሎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ግን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እዞም ዓሌት ብሓቂ ክሳብ ክንደይ ፍሉያት ምዃኖም ክግንዘቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከም ዝኽእሉ'ውን ኣስተብሂሎም እዮም።

ዓይነት እዞም ዓሳ ተደላይ ስለዘይኰነ፡ ንዕዳጋ ዘቕርቦም የለን። ስለዚ ድማ ብመዳይ ቑጠባ ኣገዳስነት የብሎምን።

ብሰንኪ እዚ'ዩ ድማ ንነዊሕ እዋን ተመራመርቲ ዕሽሽ ኢሎምዎም ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ተመራመርቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሓድሽን ዘገርምን ባህሪ ረኺቦም ኣለዉ።

ሓደ ካብዚ ዕድሚኦም እዩ።

ገለ ካብኣቶም ክሳብ 127 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝጸንሑ ተሰኒዱ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎም ዓሳታት ይገብሮም።

ምስ ዕድመ እውን፡ ጥዕናኦም እናደኸመ ዝኸይድ ኣይመስልን።

ተመራመርቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዝሖም ዘይነከየሉ ምኽንያት፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዓሳታት ብዘይ ምሟቶም ክኸውን ከም ዝኽእል ተገንዚቦም ኣለዉ።

እዚ ድማ ዋላ'ውን ክሳብ ኣናእሽቱ ድቂ ዓሳታት ነዊሕ ብህይወት ኣብ ዘይፀንሑሉ እዋን፡ እቶም ዓበይቲ ዘይሞቱ ምዃኖም ክኸውን ከም ዝኽእል ተገንዚቦም።

ገለ ክኢላታት ግን፡ ሓያል ምንቁልቋል ብዝሒ እዞም ዓሳታት ኣብ ቀረባ እዋን ከጋጥም ከምዝኽእል ስክፍታ ኣለዎም።

ክሳዕ ሕዚ ግን ብዛዕባ ቢግማውዝ ቡፋሎ ክንደይ ዘይተፈለጠ፡ ክንደይ መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ኣለዉ።

"ነዞም ዓሳታት ዝዀን ምሕደራ ወይ ምክልኻል የለን" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚነሶታ ዱሉስ ተመራማሪ ዓሳን ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ክኢላታት ዓሳ ቢግማውዝ ቡፋሎን ዝዀነ ኣሌክ ላክማን።

ላክማን፡ ነቲ ኣብ 2019 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ዝመርሐ ክኢላ እዩ። እዚ መጽናዕቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሚነሶታ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኦም ዓሌት እዚ ዓሳ ከምዘለዉ ዘረጋገጸ ነይሩ።

ቅድሚ እዚ መጽናዕቲ ግን ዓሳታት ኣስታት 26 ዓመት ጥራይ ከምዝነብሩ እዩ ክሕሰብ ጸኒሑ።

ላክማንን ተመራመርቲ ጉጅሉኡነን ድሒሮም ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ መርኣዪታት ስነ-ህይወታዊ ዕድመ ዝዀኑ ዋህዮታት ምክልኻል ሕማምን ከምኡ'ውን ንውሓት ቴሎሜርስ (ኣብ መወዳእታ ክሮሞዞም ዝርከብ ዞባዊ ዲኤንኤ)ን ምስቲ ሓቀኛ ዕድመ ዓሳ ዘርኢ ቀለቤታት ኦቶሊትስ ኣነጻጺሮም።

እዚ ኣብ 2021 ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ቢግማውዝ ቡፋሎ ምስ ዕድመ ዝመጽእ ምንቁልቋል ስነ-ህይወት ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

እዞም ዓሳታት ኣብ እዋን እርጋን ብኸመይ ጥዑያት ኰይኖም ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ገና ብዙሕ ኣይተፈልጠን።

ቴሎሜራቶም (ባዮሎጂካዊ ምልክት ዕድመ ምድፋእ) ከይሓጽር ብዝከላኸል ኢንዛይም ኣቢሎም ስለዝዕቅቡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ቴሎሜር፡ ምድፋእ ዕድመ ዘርእይ ስነ-ህይወታዊ ምልክት እዩ።

ኣብ ዓሳታት ዕድመ ምውሳኽ ከምቲ ንቡር ትጽቢት ዝግበረሉ ምስ ምሕጻር ቴሎሜር ዝተኣሳሰር ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ፡ ምስ ዝሓሸ ኣሰራርሓ ሕማም ምክልኻል ዝተኣሳሰር'ዩ ዝመስል ነይሩ። እዚ ለውጢ እዚ፡ እዞም ዓሳታት ብዝሓሸ መንገዲ ኣካላዊ ጸቕጢ ብምምካት ምስ ዕድመ ዝውስኽ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ምክልኻል ከምዝረኣዩ ዘመልክት እዩ።

መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ

ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ግን ሕጂ'ውን መልሲ ኣይረኸበን።

ኣብቲ መጽናዕቲ ከም ናሙና ዝተወሰዱ ዓሳታት ብዕድመ ዝደፍኡ እዮም። ስለዚ ኵሎም እቶም ንኣሽቱ ዓሳታት ናበይ ኣትዮም?

ላክማንን ተሓባበርቱን ኣብ ሚነሶታ ቃላይ ራይስ ዕድመ ዓሳታት ናሙና ክወስዱን ዓመታዊ ባህርያት ምፍራይ እውን ክዕዘቡ ወሲኖም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ ድማ፡ ካብቶም ናሙና ዝወሰድዎምን ብዕድመ ዝደፍኡን ዓሳታት 99.7 ሚእታዊት ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ማእከላይ ዕድመ 79 ዓመት እዩ ነይሩ፡ እዚ ማለት መብዛሕትኦም እቶም ዓሳታት ቅድሚ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተወልዱ እዮም።

እቲ ብሓቂ ዘሰንብድ ግን፡ ዓሳታት ቢግማውዝ ቡፋሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽድያ ኣብ ሚነሶታ ኣብ ዝርከብ ቃላይ ራይስ ይራብሑ፤ ኣብ መወዳእታ ሓጋይ ግን ኵሉ ኣሰር ናይቶም መንእሰይ ዓሳታት ምጥፍኡ እዩ።

ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ንልዕሊ 60 ዓመታት ሓድሽ ወለዶ መንእሰያት ዓሳ ከምዘይነበረ ላክማን ይዛረብ።

እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እቶም ዓሳታት ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ ዕድመ ምንባሮም፡ ሓዱሽ ወለዶ ኣብ ምፍራይ ኣብ ነዊሕ እዋን ሓንሳብ ጥራይ ስለዝዕወቱ ዝመጽአ ምትዕጽጻፍ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።

እዚ ብርግጽ ንምፍላጥ ግን ዝያዳ መጽናዕቲ ምክያድ የድሊ።

ምኽንያቱ ብዘየገድስ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ 60 ዓመት ክፍተት ክሳብ ክንደይ ዘይንቡር ምዃኑ፡ ዋላ'ውን ዝለዓለ ዕድመ ናይዞም ዓሳታት ክንደይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝፈልጥ የለን።

ዓበይቲ ዓሳታት ቢግማውዝ ቡፋሎ፡ ብዘይካ ደቂ ሰባት ናይ ዓበይቲ ሃደንቲ ስግኣት የብሎምን።

ኣብ ካናዳ ከም ፍሉይ ስክፍታ ዘለዎም ዓይነታት እንስሳታት ክዝርዘሩ እንከለዉ፡ ኣብ ፔንስልቨንያ ድማ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ይጥቀሱ። ኣብ መላእ ኣመሪካ ግን ዋላ ሓንቲ መከላኸሊ ኣይተገብረሎምን፡ ወይ'ውን ውሑድ እዩ።

ክኢላታት ንዓበይቲ ዓሳታት ቢግማውዝ ቡፋሎ ንምሕጋዝ ገና ብዙሕ ክፈልጥዎም ዝግባእ ነገራት ኣሎ።

ኣብ ካናዳ ኣብ ሃገራዊ ትካል ሳይንሳዊ ምርምር ዓሳ ተመራማሪት ስነ-ህይወት ዓሳ ዝዀነት ኢቫ ኢንደርስ፡ "ብዙሕ መባእታዊ ስነ-ህይወት ቢግማውዝ ቡፋሎ ኣይፍለጥን" ትብል።

"ብዛዕባ ፍጥነት ምትሕልላፍ መግቢኦም፡ ወይ እንታይ ዓይነት ደረጃ ሙቐት ክጻወሩ ከምዝኽእሉ ዘለና ርድኢት ኣዝዩ ውሑድ እዩ። እዚኣቶም ኵሎም፡ ምስ ለውጢ ክሊማ ብዝተኣሳሰር ትንበያታት ወይ ሞዴሊንግ ክትገብር እንተደሊኻ ናይ ብሓቂ ክትፈልጦም ዝግብኡ ኣገደስቲ ተቐያየርቲ ነገራት እዮም።"

ተመራመርትን ክኢላታት ዕቃበን ብእኹል ፍጥነት እንተዘይሰሪሖም ግን፡ ስነ-ህይወታዊ ምስጢር ናይዞም እርጋን ንምክልኻል ክሕግዙና ዝኽእሉ ሚስጢራዊ ዓይነት ዓሳታት ክንስእን ተኽእሎ ኣሎ።