እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቭሮቭን እንታይ ተዘራሪቦም?
ትማሊ ሓሙስ 26 ጥሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣስመራ ተራኺቦም ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካን ዘቤታዊ ጉዳያትን ተዘራሪቦም።
ቀንዲ ዛዕባ ዝርርቦም ኣብቲ "ኣብ ዓለምለኻዊ ኩነታት ዝተራእየ ቅልጡፍ ለውጥታት ዘተኮረ" ምንባሩ ዝሓበረ እቲ ላዕለዋይ ሩስያዊ ብዓልስልጣን፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ምትሕግጋዝ ከተሐይሎ ድልውቲ ምዃና ተዛሪቡ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ "ሓያለ ግጭታት" ብዛዕባ ዝፍትሕሉ ኩነታት ከምዝተላዘቡ'ውን ጠቒሱ።
ላቭሮቭን ምክትሉ ሚኻይል ቦግዳኖቭን ዝርከብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ዑድት ንምፍጻም'ዩ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ተቐቢሎሞ።
ኣብቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "እቲ እንኮ ቀጽራዊ ዓለማዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ንምፍጣር ዝነበረ ግጉይ ሕልሚ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለን" ክገልጽ እንከሎ ነቲ "ንዓለም ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዋ ዝነበረ ዓብላሊን መግዛእታውን ታሪኽ ንምግታእን ምምካትን" ውሁድ ጻዕሪ ክግበር ከምዘድልን ምዝራቡ መርበብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ጸብጺባ።
ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ንጹር መርትዖ ናይቲ "ናይ ምግዛእን ምዕብላልን ግጉይ ፖሊሲኦም" እዩ ክብል ነቒፉ።
ኣብዚ ሰሙን ናብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢስዋቲኒን ኣንጎላን ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭ ብወገኑ፡ ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ መንጎ ብኣመሪካ ዝምርሓ ጉጅለ ሃገራት ምዕራብን ፌደሬሽን ሩስያን ምዃኑ ምግላጹ ጸብጻብ ሻባይት ይነግር።
ጀርመንን ፈረንሳን ካብ 2014 ጀሚረን ንውግእ ይዳለዋ ምንባረን መራሕተን ኣረጋጊጾም እዮም ዝበለ ሚስተር ላቭሮቭ፡ "ሩስያ ዝወሰደቶ ናይ ሰላም ተበግሶ፡ ምስ ስትራተጂያዊ ድልየታቶም ስለዘይሰማማዕ፡ ነቲ ኲናት ኣጓሃሂሮምዎ" ክብል ከሲሱ።
ሚኒስተራት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ባጽዕ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ዝበልዎ “እንኮ ቀጽራዊ” ዓለማዊ ስርዓት ነቒፎም።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ዓብላልነተን ንምርግጋጽ ንሓይሊን ጽልዋን ሩስያን ቻይናን ንምግታእ ከምዝሰርሓ ከሲሱ።
“ግጉይ ተግበራት መራሕቲ ሕብረት ሶቬት” ነበር ኣብ ምፍራስ እቲ ሕብረት ግደ ከምዝነበሮም’ውን እቶ ዑስማን ጠቒሱ። ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ዝበሎ ታሪኻዊን እዋናውን ግፍዕታትን ብምጥቃስ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባውነት ጉድኣት የውርዱ ኣለዉ ኢሉ። ሰብመዚ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻሞም ብምዕራባውያን ሃገራት ክንቀፉ ጸኒሖም’ዮም።
ሩስያዊ መዘናኡ ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብዙሕነት ቀጽርታት ዘለዎ ዓለማዊ ስርዓት ዕላማን ዘይግታእ መስርሕን’ዩ። ኣመሪካ፡ ኔቶን ሕብረት ኣውሮጳን ንምቕልባሱ ይፍትና ኣለዋ” ኢሉ።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራር መሬታ ምጉባጣ፡ ነቲ ኣብ ልኡላውነት ሃገራት ዝምርኮስ ዓለማዊ ስርዓት ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ክኸሳ ጸኒሐን’የን።
ላቭሮቭ ብዛዕባ ኩናት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ “እዚ ብደገፍ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ኡሁረ ኬንያታን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ነቲ ዞባ ኣብ ምርግጋእ ክሕግዝ ተስፋ እገብር” ኢሉ። እቲ ስምምዕ ንኹለን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሃገራት ግደ ከምዝህልዎ ዘለዎ እምነት’ውን ገሊጹ።
ንኤርትራ ዝምልከት እንታይ ተዘራሪቦም
ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ዝተራኸበ ሚኒስተር ሰርገይ፡ ሩስያ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ዕደና፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ትምህርትን ጥዕናን ምስ ኤርትራ ክትተሓባበር ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ድሕሪ እቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ብመሰረት ቅድሚ ገለ እዋን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብዛዕባ ወተሃደራዊን ቴክኒካዊ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ተዘራሪብና"።
"ናይ ምክልኻል ዓቕማ ኣብ ምሕያል ናይ ኤርትራ ድሌታት ከነማልእ ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
ቁጠባዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምሕያል ከምዝተዘራረቡን ሚኒስተራት ቁጠባ ክልቲአን ሃገራት ብስሩዕ ክራኸቡ ከምእተረዳድኡእን ሚኒስተር ላቭሮቭ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዕደና፡ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት፡ ሕርሻን ትሕተ ቅርጺ ክደጋገፉ ድሌት ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ንዓቕምታት ናይቲ ኣብ ባጽዕ ዘሎ ወደብን መዓርፎ ነፈርቲን ንምምዕባል ከምዝተላዘቡ ዝጠቐሰ ላቭሮቭ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሩስያ ኢንዱስትሪታት ንምትካል ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣተንቢሁ'ሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ኤርትራ ንትግባረ እቶም ዝተነጸሩ ናይ ምትሕግጋዝ ጽላታት ቀዳምነት ከምእትህቦም ከምዝኾነት ገሊጹ።
ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት'ውን ከምዝተሓጋገዙ ዝገለጸ እቲ ላዕለዋይ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ፡ "ቁጽሪ ናይቲ መንግስቲ ሩስያ ንኤርትራውያን ዝህቦ ማህደረ-ትምህርቲ ከነበርኾ ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሚኒስተር ሓበሬታ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ኮይኑ ናብ ሓወልቲ ፑሽኪን ብምኻድ ሕቋፍ ዕምበባ ምቕማጡ'ውን ተገሊጹ።
ኣብዚ ኣብ ዩክረይን ውግእ ጻዕጺዑሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ንዩክረይን እትድግፍ ኣመሪካን መሻርኽታ ሃገራት ምዕራብን ኣብቲ ውግእ ቀጥታዊ ወራር ተካይድ ዘላ ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ መሻርኽትን መሓዙትን ንምጥራይ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጋቢት 2022 ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ንምኹናን ኣብ ዝቐረበ እማመ፡ ኤርትራ ኣንጻር እቲ እማመ ድምጺ ዝሃበት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።
ምብጻሕ ናይቲ ሩስያዊ በዓልስልጣን ከኣ ካብዚ ታሪኻዊ ሽርክነትን ጸግዕን ዝብገስ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ዝምድና ኤርትራን ሩስያን
እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሐየለ ይኸይድ ምህላዉ ይግለጽ።
ከም መርኣያ ናይዚ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሩስያ ዝዅንን ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ብምቅዋም ጸግዒ ሩስያ ካብ ዝሓዛ ኣርባዕተ ሃገራት ዓለምን እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገርን'ያ።
ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሰን እገዳታትን ጸብጻባት ምግሃስ መሰላትን ክትቃወሞ ጸኒሓ’ያ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ፡ ሃገሩ ምስ ሩስያ ዘለዋ “ወተሃደራውን ቴክኒካውን ምትሕግጋዝ ክትቅጽሎ” ምዃና ንማዕከናት ዜና ሩስያ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሩስያ ኣብ ዳህሳስ ነዳዲ ይኹን ካልኦት ማዕድናት ዓቢይ ተራ ክትጻወት ከምእትኽእል'ውን እቲ ኣምባሳደር ኣተንቢሁ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዘለወን ምትሕግጋዝ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሩስያ ይመሃሩ ኣለዉ።
ዓመታዊ 20 ኤርትራውያን ንትምህርቲ ይልኣኹ ከምዘለዉ እቲ ዲፕሎማሰኛ ጠቒሱ።