እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተሃደራት ሶማልያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ክስልጥኑ ዝጸንሑ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሓሰን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃን-ኣሜሪካን ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ግዝኣት ሚነሶታ ንዝነብሩ ሶማላውያን ኣብ ዘስምዖ መደረ እዩ።
እቶም ወተሃደራት ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሶማልያ ከም ዝምለሱ ሬድዮ መንግስቲ ሶማልያ ሓቢሩ።
ጉዳይ እቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት ብፕረዚደንት ነበር ዓብደላሂ ፋርማጆ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላእኹ 5,000 ሶማላውያን ወተሃደራት፡ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ።
ስድራ እቶም ወተሃደራት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ዝገለጹ ክኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ኩነታት ደቆም ንክሕብርን ናብ ሃገሮም ንኽመልሶምን ሓቲቶም ነይሮም።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተለዓለ ኩናት ስዒቡ፡ እዞም ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፎም ኣብ ኩናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል'ውን ዲፕሎማስያዊ ክርክር ከም ዝፈጠረ ይዝከር።
ፕረዚደንት ሓሰን ግን፡ ነቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ጸብጻባት፡ ዘይተረጋገጸ ወረ'ዩ ክብል ነጺግዎ'ሎ።
እንተኾነ ግን፡ ናብ ስልጣን ክምለስ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓሳት መረጻ፡ ባዕሉ ነቲ ወረታትን ጸብጻባትን ኣብ ምጉዋሕ ተራ ከምዝነበሮ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኤርትራውያን ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማልያ ምስ ወተሃደራት ኤርትራ ብሓባር ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝተሳተፉ ይገልጽ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምሕደራ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኮረ ሰነድ፡ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ወተሃደራት ሶማልያ ናብ ግንባራት ትግራይ ከም ዝተወስዱን ኣብ ኣኽሱም እውን ከም ዝነበሩን ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ጉዳይ ምምላስ ወተሃደራት ስቕ ምባል መሪጹ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ፡ ኣብ መረጻ ተሳዒሩ ስልጣን ኣብ ዘረከበሉ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ 5 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝነበሩ ምግላጹ ይዝከር።
ፋርማጆ፡ እቶም ወተሃደራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ታዕሊሞም ከም ዝዛዘሙ ብምግላጽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምርጫ ሶማልያን ጽልዋ ከየሕድሩ ስግኣት ስለ ዝነበረ ምምላሶም ከም ዝተደናጐየ ገሊጹ ነይሩ።
ፋርማጆ ብተወሳኺ ፋይላት ናይቶም ወተሃደራት ነቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከም ዝተወሃበ ኣረጋጊጹ።
ፖለቲከኛታት ሶማልያ ኣብ ጉዳይ እቶም ብሕቡእ ተመልሚሎም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣሽሓት ወተሃደራት ክካትዑ ጸኒሖም እዮም።
ንካልኣይ ግዜ ነታ ሃገር ክመርሕ ናብ መንበሩ ዝተመልሰ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ እቶም ወተሃደራት ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ከም ዝሳተፉ ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ፡ እቲ ፕረዚደንት ስልጣን ምስ ተረከበ ካብተን ቀዳሞት ዝበጽሓ ሃገራት እያ። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ እውን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለን ወርሒ ሕዳርን ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ እቲ ፕረዚደንት፡ ምስቶም ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ወተሃደራት ከም ዝተራኸበን ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓኦም’ውን ከም ዝተሳተፈ ዝዝከር እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ምስ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ከቢድ ውግእ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ድማ፡ መንግስቲ ንብዙሕ ከባቢታት ዳግማይ ክቆጻጸር ከም ዝኸኣለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
መንግስቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ነዚ ወፍሪ ኣጠናኺሩ ነቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ኣለዎ ዝበሃል ጉጅለ ንምጥፋእ ዝገብሮ ጻዕሪ እናቐጸለ ይርከብ።