'ልዕሊ 274 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ እዮም' - ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ

ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፡ ንምፍናውን ናብ ማሕበረሰብ ንምፅንባርን ዘኽእል ኣፈናዊ ዘተ ቅድመ-ትግበራ፡ ኣብ መቐለ ተኻይዱ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መሻርኽቲ ኣካላት፡ ፓለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ ኣብ ዛዕባ ዘተን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪትና፡ ምስ ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ቃለ-መሕትት ኣካይድና ኣለና፤

ቢቢሲ፤ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፡ ምፍናውን ምጥያስን ሰራዊት ሰነድ ስምምዕ ናይሮቢ ካብ ዝኽትሙ ሓደ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ኰይኑ ኣሎ፤ ነዚ ምድንጓያት ዝፈጠረ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለውዎ፣ እቲ ሓደ ካብቲ ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሓደ ዝዀነ ፖለቲካዊ ዝርርብ ቀዲሙ ዘይምክያዱ እዩ። ካልኣይ ብቐጥታ ነቶም ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሶም ዝሕወሱ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ባጀት የድሊ እዩ። እቲ ባጀት ድማ ብጣዕሚ ንእሽተይ ኣይኰነን፡ ብዙሕ ባጀት እዩ ዝሓትት።

እዚ ባጀት እዚ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ዓቕሚ ጥራይ ክሽፈን ዝኽእል ኣይኰነን። ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም የድሊ። ብመሰረት እዚ እቶም ቃል ኣትዮም ዝነበሩ ሃገራትን ኣካላትን ብእዋኑ ኣታዊ ናይ ዘይምግባር ፀገም ኣሎ። እቲ ሃፍቲ ብእዋኑ ናይ ዘይምርካብ ክፍተት ኣሎ። ስለዚ ሕፅረት ሃፍቲ ስለ ዝነበረ ክሳብ ሕዚ ደንጕዩ። ሕዚ መንግስቲ ፌደራል ንዅሉ እኳ እንተዘይኰነ ብናይ ባዕሉ (ባጀት) ኣርባዕተ ዙር ገይሩ ‘ዲሞቢላይዝ’ ንምግባር ቆራፅነት ኣርእዩ ኣሎ።

መንግስቲ ትግራይን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን እውን ብተመሳሳሊ ንምትግባር ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኣለና። ቦርድ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ'ውን ፀጋታት ምትእኽኻብ ስራሕቲ ክስራሕ ኣንፈት ኣቐሚጡን ኮሚቴታት ኣጣይሹን ኣሎ። ብመንግስቲ’ውን ኣንፈት ተዋሂቡ ናይ እቶት መተኣኻኸቢ ስራሕቲ ክስራሕን ፀጋታት ክተኣኻኸብን፡ ብድሕሪኡ ዓቕሚ እታ ሃገር ብዝፈቕዶ መጠን፡ ነቲ ሰራዊት መምለሲ ይዅን እግሪ መትከሊ ክወሃቦን ናብ ሕብረተሰቡ ክምለስን ሓሳብ ኣሎ። ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ግና ገና ኣይተፈጠረን። ናይቲ መንግስቲ ተወፋይነትን ትልምን ኣሎ፡ ምንቅስቓስ እውን ተጀሚሩ ኣሎ። በቲ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ፡ ንኣብነት፡ መንግስቲ ካናዳ 14 ሚልየን ዶላር ካናዳ ክንህብ ኢና ኢሉ ኣሎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምድንጓይ ሕፅረት ፀጋታት እዩ።

ቢቢሲ፤ ነዚ መደብ ንምሽፋን ቃል ዝኣተዋ ሃገራት እንመን እየን?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ብዙሓት ቃል ዝኣተዋ ሃገራት ኣለዋ። ኣሜሪካ፡ ጃፓን፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ቃል ካብ መንጎ ዝኣተዋ እየን።

ቢቢሲ፤ ነዚ መደብ ንምፍጻም ዘድሊ ባጀት ብጠቕላላ ክንደይ እዩ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ብዙሕ እዩ፣ ዘድልይ ባጀት ተሰሪሑ ኣሎ። ግና ፀዲቝ ወግዓዊ ክኸውን ከሎ ካልእ እዋን ክገልፆ እየ። እቲ ናይ ካናዳ ግና ባዕሎም እውን ወግዓዊ ዝገበርዎ እዩ። ካልኦት’ውን ክህሉ’ዩ። ናይ ፈተነ ፕሮጀክት እውን ስለንጅምር፡ ዝፀደቐን ዝተወሰነን ነገር ክህሉ እንከሎ ክንራኸብ ንኽእል ኢና።

ቢቢሲ፤ ብሰንኪ እዚ ምድንጓይ ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ እዩ። ምትእምማን ከም ዘየለ እውን፡ ብሰብመዚ ትግራይ ተገሊፁ ነይሩ። እዚ ካብ ፀገም ባጀት ዝዘለለ ምኽንያት ዶ ኣይኰነን?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ እዚ ናይ ባጀት መደንጐይ ምኽንያት ክኸውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ መንግስቲ ፌደራል ትካል ኣጣይሹ እዩ። ንሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን እውን ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ። ቦርድን ‘ሪሶርስን’ እውን ክጣየሽ ገይሩ እዩ። ንኣብነት ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣባል ቦርድ እቲ ተሃድሶ ኮምሽን እዩ። ስለዚ እቲ መንግስቲ ፌደራል ዝገብሮ ዘሎ ምዕባለ ኣለዎ። ኣብ መንጐኦም ብዛዕባ ዘሎ ውጥጥ ግና መረዳእታ የብለይን። ምሉእ ምትእምማን ዘለዎ ፖለቲካዊ ዝርርብ ከም ዘይተገበረ ግና እፈልጥ እየ።

ቢቢሲ፤ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፡ ንምፍናውን ናብ ማሕበረሰብ ንምጽንባርን ክበሃል እንከሎ እቲ ፓኬጅ እንታይ ዘጠቓልል እዩ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ እቲ ሓደ ዕጥቂ ምፍታሕ እዩ። እዚ ቀዲሞም ከበድቲ፡ ማእከላይን ቀሊልን ዕጥቂ ተባሂሉ ተኸፋፊሉ ቅድሚ ሕዚ ዘረከብዎ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ትግራይ ናይ ዓቕሚ ፀገም እውን ስለዘሎ ኣቐዲሙ 50 ሽሕ ዝዀኑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ‘ዲሞቢላይዝ’ ገይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሓፂር ስልጠና፣ ናብ ዓዲ ክኸዱ እንከለዉ መፋነዊ፣ እግሪ መትከሊ ይወሃቦም እዩ። እግሪ መትከሊ ክወሃቦም እንከሎ ብናይ መንግስቲ ክልልን ፌደራልን ዝምልከቶም ቢሮታት፡ ስልጠና፡ ልቓሕን መስርሒ ቦታን ምቹው ቦታታት ተፈጢርሎም ምሉእ ንምሉእ እግሪ ዝተኽልሉን ናብ ንቡር ናይ ቀደም ናብራኦም ዝምለስሉን ኵነታት ንምፍጣር ፃዕሪ ክግበር እዩ። እዚ ማለት፡ ብጣዕሚ ዝተትረፍረፈ ነገር ክወሃብ እዩ ማለት ኣይኰነን። ግና ምስቲ ዘሎ ዓቕሚ እታ ሃገር እግሪ ዘትክልን በብ ሞያኦም ናብ ስራሕ ተመሊሶም፡ ከም ኣካል ዳግመ ሕውየት ህንፀት ትግራይ ተወሲዱ እግሪ ዝተኽልሉ መንገዲ ክፍጠር እዩ።

ቢቢሲ፤ እቲ ሰራዊት፡ ኣብዚ ደማዊ ኲናት ብዙሕ ስነ ኣእምሮኣዊ ነውፂ (ትራውማ) ዝረኣየ እዩ እሞ፡ እቲ ዝወሃቦ ስልጠና ኣብ ምንታይ ዘድሃበ እዩ ክኸውን? ናብ ሰራዊት ፌደራል ከ ክኣቱ ድዩ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ በቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ስነልቦናዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ኣካላዊ፡ ናይ ህይወት ጥፍኣትን ፆታውን ጉድኣት በፂሑ እዩ። እዚ ከም ዘለዎ ኰይኑ ነቲ ሰራዊት ናይ ‘ሳይኮሶሻል’ ስልጠና ክወሃብ እዩ። ነዚ ሚኒስትሪ ጥዕና ዓለምለኸ መለክዒ ዝሓለወ ማንዋል ኣዳልዩ ምስ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ተፈራሪምና ኣለና። ድሕሪ ኲናት ይዅን፡ ኣብቲ ኲናት እውን እናሃለዉ ንዝነበሮም ስነ-ልቦናዊ ፀገም…ዝሕብሐብሉ፣ ንዘለዎም ናይ ሕክምና ጉዳይ እውን ከመይ ከም ዝቕፅልሉን ብኸመይ ብናይ ሲቪላዊ ናብራን ሲቪላዊ ሕግን ተገዛእቲ ኰይኖም ክኸዱ ከምዘለዎምን… ናይ ‘ሳይኮሶሻል’ ስልጠና ክወሃቦም እዩ። ነዚ ስልጠናታት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ካምፕታት እዮም ክወስዱ።

ቢቢሲ፤ ንነፍስወከፍ ኣባል ሰራዊት ክንደይ ዝኣክል እግሪ መትከሊ እዩ ክወሃቦ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ገና ኣይተወሰነን።

ቢቢሲ፤ እዚ መደብ፡ ዝትግበረሉ ግዜ ገደብ ኣሎ ዶ? ካብ መዓዝ እዩ ተግባራዊ ክኸውን?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ንኽንገብር ምርድዳእ ኣሎ። ግና ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን ምይይጥ ነካይድ ኣለና፤ መሊስና ናብ መንግስቲ ፌደራል ክነቕርቦ ኢና። እቲ ትልምና ግልፂ ምስ ገበርና፡ ኣብ ሓፂር ግዜ ክትግበር እዩ ናትና ድሌት፡ ኣብ ሓፂር ግዘ ወግዐዊ ክንገብሮ ኢና።

ቢቢሲ፤ ኣብዚ እዋን ክንደይ ዝኣኽሉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑን ክጣየሹን እዩ ተመዲቡ ዘሎ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ናይ ትግራይ ሰራዊት ካብ ላዕሊ ናይ ቲዲኤፍ ወተሃደራዊ ኮማንድ ጀሚሩ ክሳብ ታሕቲ ዝተወደበ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ናይ ቁፅሪ ምውጣጥ ኣይፈጥርን። ካብኡ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ናይ መከላኸሊ ሓይልን (ፈደራል) ካብ ናይ ኬንያ ፕሮቶኮል ጀሚሩ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ እዩ ዘሎ። 274,800 ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እዮም ዕጥቂ ክፈትሑ።

ቢቢሲ፤ ካብቶም ናብ ማሕበረሰብ ዝጽንበሩ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ወጻኢ፡ ካብኡ ተነክዮም ናብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝጽንበሩ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ክህልዉ ድዮም?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስለዘሎ፡ ክህልዉ እዮም። ናብ ዝነበሮ ናይ ክልል ኰነ ናይ ፈደራል ዝነበሮ ናይ መንግስቲ ስራሕ ዝምለስ፣ ናብ ሓይልታት ፀጥታ ፈደራል ዝምለስ፣ ኣብ ናይ ትግራይ ሓይልታት ፀጥታ ዝፀንሑ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ክህልዉ እዮም።

ቢቢሲ፤ ፕሪቶርያን ሰነድ ትግበራ ናይሮቢን፡ ሓይልታት ወፃኢን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዘይኰኑን ሓይልታት ክልልን ካብ ትግራይ ኣብ ዝወፅእሉ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣፅዋር ከም ዝፈትሑ ተደንጊጉ ይርከብ። ሕዚ እዚ ናይ ቅድመ-ትግበራ ዘተ ክተካይዱ እንከለኹም፡ እዞም ሓይልታት ስለ ዝወፅኡ ድዩ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ንሱ ብካልእ ኣካል እዩ ዝፍፀም። ሓደ ብግልፂ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጠ ኣሎ። ናይ ክልቲኦም ተደራደርቲ በብእዋኑ ይራኸቡ ኣለዉ። እዚ ሕቶ ናይቲ ኵሉ ኣብ ትግራይ ዝነብር ማሕበረሰብ፣ ሕቶ ናይቲ ‘ዲሞቢላይዝ’ ዝግበር ሰራዊት ትግራይ እዩ። ስለዚ ከም ውልቀሰብ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ከም ዝኸውን እየ ትፅቢት ዝገብር። ከም ናተይ ስራሕ ገይረ መልሲ ክህበሉ ግን ኣይክእልን።

ቢቢሲ፤ ብመሰረት እቲ ስምምዕ እቶም ሓይልታት ኣብ ዝወጽኡሉ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ይፍፀም ንዝብል ዓንቀጽ ናይቲ ውዕል መበገሲ ብምግባር እዩ እዚ ሕቶ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ተመዛበልቲ ንምምላስ ኣብ ከይዲ ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣለና። ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝተጀመረ ኣሎ፤ ምክትል ፕረዚደንት ትግራይ’ውን ዝርዝር መብርሂ ሂቦምሉ እዮም። ኣነ፡ ካብቲ ጀነራል ታደሰ ዝሃቦ መብርሂ ዝተፈለየ የብለይን። ቀጥታ ናተይ ስራሕ’ውን ኣይኰነን፡ ግና ከም ሓደ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣመራርሓ ዘለኹ፡ ነዚ ሕቶ እቲ ጀነራል ታደሰ ዝሃቦ እዩ እቲ መልሱ።

ቢቢሲ፤ ጀነራል ታደሰ፡ ኣብ ደቡብን ምዕራብ ትግራይን ጉዳይ ተመዛበልቲ ምምላስ ክሳብ 30 ሰነ ተፈፃሚ ከም ዝኸውን ጥራይ እዩ መግለጺ ሂቡ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ናይ ኢትዮጵያ መከላኸሊ ሰራዊት ወፃኢ ኣብ ናይ ትግራይ ግዝኣታዊ ክልል ዘሎ ዝዀነ ዓይነት ዕጡቕ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል እዩ እቲ ድንጋገ። ስለዚ እዚ ክትግበር ኣለዎ፤ እዚ ክትግበር ድማ ትፅቢት እገብር። ኣብ ዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ድማ ክትግበር ኣለዎ ኢለ እየ ሓሳብ ከቕርብ ዝኽእል። መንግስቲ ፌደራል፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ዝምልከቶም ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ዘለውዎ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክትግበር፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘሎ ዕጡቕ ክወፅእ መንግስቲ ፈደራል’ውን ዝኣምነሉ እዩ። ናይ ትግራይ መንግስቲ’ውን ዝኣምነሉ እዩ፤ ኣብቲ ስምምዕ’ውን ዝተኸተመ እዩ።

ቢቢሲ፤ መንግስቲ ፌደራል፡ ክሳብ ሕዚ ብሓይልታት ክልል ኣምሓራ ዝተትሓዙን መሓውራዊ ምምሕዳር ዝተተኸለሉን ከባብታት ትግራይ ወፃኢ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ክገልፅን ቅዋም ክሕዝን ኣይረኣይን እሞ፡ ንስኹም ከም ኮምሽን ከ ኣብዚ ዝገበርክሞ ነገር እንታይ ኣሎ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ንሕና ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምውፃእ ልኡኽ ኣይተወሃበናን። ንቐፃሊ’ውን ኣብዚ እንሰርሖ የብልናን። ንስራሕና ዕንቅፋት እንተኾይኑና፡ ንኣብነት፡ ናብ ዛላምበሳ ዝምለሱ ‘ዲሞቢላይዝ’ ዝግበሩ ተጋደልቲ ኣለዉ። እዚኦም ከመይ እዮም ክኾኑ? መንበሪ የብሎምን ኣበይ እዮም ክፀንሑ? ዝብል ሕቶ ክነቕርብ ኢና። እዚ ግና መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን እዮም ዝውስንዎ።

ሕዚ ኣብ ትግራይ ምስ መፃእና ሓደ ዝተረዳእናዮ ነገር ኣሎ። ካብቶም ‘ዲሞቢላይዝ’ ዝዀኑ ኣብ ሓደ ካምፕ ናብ ዝርከቡ ጉድኣት ኣካል ትማሊ ከይድና ዝርርብ ኣብ ዝገበርናሉ፡ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ካብ ዛላምበሳ፡ ካልእ እግሩ ዝተቘረፀ ድማ ካብ ሑመራ ‘ናበይ ኢና ክንከይድ?’ ኢሎም ሕቶ ኣልዒሎምልና ኣለዉ። እዚኦም ከመይ እዮም ክዀኑ ዝብል ድማ፡ ምስ ኵሎም ምይይጥ ክንገብረሉ ኢና። ሰራዊት ናይ ምውፃእ ኰነ ቦታ ናፃ ናይ ምግባር ግና ንዓና ዝተወሃበ ልኡኽ ኣይኰነን።

ቢቢሲ፤ ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ፡ ኣብ ሸውዓተ ክልላት ዝርከቡ 371,971 ተዋጋእቲ ነበር ዳግማይ ንምጥያስ፡ ልዕሊ 760 ሚልየን ዶላር ከም ዘድሊ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ገሊፁ ነይሩ። ኣበየኖት ክልላት ዘለዉ ሓይልታት እዮም ኣካል እዚ ትግበራ ክኾኑ? እንመን እዮም ከ?

ኣይተ ተስፋኣለም፤ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ክህልዉ እዮም። ብተመሳሳሊ ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ክምለሰሎም ዝኣመኑ ተዓጢቘም ፀረ መንግስቲ ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ናብ ሰላማዊ መንገዲ ዝኣተዉ ተዋጋእቲ ዝነበሩ ሓይልታት ዕጥቆም ኣብ ዝፈትሑ ኣብ ዝዀነ ጫፍ ናይ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝኸውን እዩ።