ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕረድቲ ኣእዱግ ከልኪሉ

ትካላት ግብረ ሰናይ ድሕነት እንስሳታት፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣካታዒ ዝዀነ ንግዲ ቆርበት ኣድጊ ዝተገብረ እገዳ ብሓጐስ ከምዝተቐበላ ኣፍሊጠን።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጸደቐ እቲ እገዳ፡ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዝርከባ 55 ሃገራት ንቆርበት ተባሂሉ ኣእዱግ ምሕራድ ዘይሕጋዊ ክገብራ እየን።

ጠለብ ቆርበት እቶም እንስሳታት፡ ብባህሊ ካብ ቆርበት ኣድጊ ዝስራሕ ኤጂያኦ ንዝበሃል ጥንታዊ ቻይናዊ መድሃኒት ብዘለዎ ተፈታውነት እናወሰኸ ከምዝመጸ ይፍለጥ።

‘ዘ ዶንኪ ሳንክቹዋሪ’ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ፡ "ኣረሜናውን ዘይጽወርን" ብምባል እቲ ንግዲ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣመሪካን ንዝርከቡ ኣእዱግ የጥፍእ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኤጅያኦ ጸረ እርጋንን ጥዕናዊ ረብሓን ከም ዘለዎ ገለ ሰባት ይኣምኑ፤ እንተዀነ ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ኣይኰነን።

እተን ኤጅያኦ ዝሰርሓ ቻይናውያን ኩባንያታት ካብ ቻይና ዝረኽባኦ ቆርበት ኣእዱግ እየን ዝጥቀማ ነይረን። ቍጽሪ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣእዱግ ኣዝዩ ምስ ነከየ ግን ካብ ወጻኢ ሃገራት ከእትዋ ጀሚረን።

ኣብ መጀመርታ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ከም ዕድል ይርእይዎ ከምዝነበሩ ኣብ ዘ ዶንኪ ሳንክቹዋሪ ኬንያ ዝሰርሕ ዶክተር ሰሎሞን ኦንያንጎ ይገልጽ።

ብሰንኪ'ዚ "ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሕጋዊ መሕረዲ ቦታታት ተኸፊቶም" ይብል። ኣብ መንጎ 2016 - 2019 ኣብ ኬንያ ካብ ዝነበሩ ኣእዱግ ኣስታት ፍርቂ ንንግዲ ከምዝተሓረዱ ወሲኹ ሓቢሩ።

ዶክተር ኦንያንጎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ እገዳ "ንኣእዱግን መነባብሮ ናይቶም ኣብኦም ዝምርኮሱ ሚልዮናት ሰባትን ንምሕላው ኣዝዩ ዝሕግዝ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዓለምና ከምዘለዉ ካብ ዝግመቱ 53 ሚልዮን ኣእዱግ ኣስታት ክልተ ሲሶ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከቡ።

ኣብ ድኻ ገጠራት ዝርከቡ ሰባት ንመጓዓዝያን ንማይ፡ መግብን ካልእ ኣቑሑትን ንምሽካም ይጥቀሙሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ቍጠባዊ ዋጋ ኣእዱግ ንምዕቃን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓደ ኣድጊ ምውናን ኣብ መንጎ ድኽነትን ልኡም መነባብሮን ዘሎ ፍልልይ ማለት ክኸውን ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ።

ዞባዊ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዘ ብሩክ ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ ድሕነት እንስሳ ዝዀነ ራፋኤል ኪኖቲ፡ እቲ እገዳ "ነቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ካብ ኣእዱግ ዝምርኰሱ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ዘደንቕ ህሞት'ዩ" ኢሉ።

"ንቆርበት ተባሂሉ ኣእዱግ ምሕራድ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንመነባብሮ ብምጽላው፡ ባህሊ፡ ብዙሕነት ህይወትን መንነትን እታ ኣህጉር ዝምንዝዕ'ዩ" ኢሉ።

"ኵሎም ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ውሳነ ብጽቡቕ ከኽብሩ ንላቦ።"