እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ኣስመራ ኣትዩ
ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ሎሚ ሰኑይ 08 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ መራሒ ሶማልያ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን "ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ዝተፈላለዩ ጉዳያት" ምስ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዛተዩ ምዃኖም ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ቅንያት ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ጸኒሑ እዩ።
ኤርትራን ሶማልያን ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ከምዘለወን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣሽሓት ሓይልታት [ምድሪ፡ ባሕሪን ኣየርን] ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ከምዝወስዱን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ተደጋጋሚ ዑደታቱ ከምዝበጽሖምን ንገሊኦም ከምዝመረቘምን ኣብ እዋኑ ተነጊሩ እዩ።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ፈለማ ጥሪ እዚ ዓመት [2024] ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ድሕሪ ዝተበጽሐ ንተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ኣዘራራቢ መረዳድኢ ሰነድ ብህጹጽ ተቓውሞኡ ገሊጹ እዩ።
እቲ ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድን ባሕቲ ጥሪ 2024 ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝውዕል 20 ኪሎ ሜትር መሬት ክትረክብ፤ ኣምሳያኡ ሶማሊላንድ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክትወስድን ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብን ዘኽእላን እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማልያ ዝዘርግን፡ ነቲ ናብ ሓደ ንምምጻእ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪታትን ዝዀልፍን እዩ ተባሂሉ፡ ኣብ ሶማላውያን ቍጥዐን ኵነኔን ኣስዒቡ እዩ።
በዚ ድማ ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ተጸሚዱ ኣብ ሰሙኑ - 8 ጥሪ 2024 ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተዘራረበ ይዝከር።
እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ’ውን፡ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ብምዝርራብ ኣብቲ ጉዳይ ደገፍ ረኺቡ፤ ኣልሲሲ፡ “ግብጺ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ንምባል ጽኑዕ መርገጽ” ከምዘለዋ ኣረጋጊጹሉ።
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ኣሚር ቐጠር ተሚም ቢን ሓማድ ብተሌፎን ተዘራሪቡ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታቱ ከሐይል ተራእዩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ርክብ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግን፡ 'ሶማላውያን ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምሳና ዝዘራረቡ ነቲ ጉዳይ ናብ ዘተፈላለያ ሃገራት እናወሰዱ ክኸሱና ጸኒሖም' ኢሉ ቅሬታኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣዲስኣበባ ርሑቕ ኣይኰነን ክመጽኡና ይኽእሉ እዮም ንዘተ ድማ ድሉዋት ኣለና ኢሉ ነይሩ።
ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ባይቶ ሃገሩ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ሓሰን ብወገኑ፡ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣጋጢሙ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ብዝርርብ ንምፍታሕ፡ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከም ዘይኰነት እዩ ከሲሱ።
ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምዕራቕ ተበግሶ ዝወሰደት ቱርኪ፡ ብ 1 ሓምለ ንሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዓዲማ ዘይቀጥታዊ ዘተ ከምዘካየደት ኣይርሳዕን።