መስርሕ ፍርዲ ቅትለት ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኒፕሲ ሃስልን ድሕረ ባይትኡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ፡ ራፐር ኒፕሲ ሃስል፡ ብ31 መጋቢት 2019፡ ኣብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ክዳውንቲ ኣብ ዝሸጠሉ ኣብ ኣፍ ደገ ድኳኑ ኣብ መበል 33 ዓመቱ ብጥይት ተቐትለ።
መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ብቕትለት ንስነ ጥባባዊ ራፐር (መደረኣዊ ቅዲ ደርፊ) ዝተኸሰሰ፡ ኤሪክ ሆልደር ኣብዚ ሰሙን እዚ ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ ።
እቲ ብክልተ ዓይነት ገበን ማለት ብቕትለትን ፈተነ ቕትለትን እተኸሰ ኤሪክ ገበነኛ ከምዘይኮነ እዩ ዝዛረብ።
ሃንደበታዊ መርድእ ኒፕሲ ሃስል ምስተሰምዐ፡ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ሓዘን፡ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ወሓዘ።
ቢዮንሰ፡ ሪሓና፡ ድራክ፡ ቻንስ ዘ ራፐር፡ ጆን ለጀንድን ቢግ ሴንን ገለ ካብቶም ሓዘኖም ዝገለጹ ብደረጃ ዓለም ስሙያት ስነ ጥበበኛታት እዮም።
መስርሕ ፍርዲ ኤሪክ ሆልደር ንከባቢ ኣርባዕተ ሰሙን ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኒፕሲ ሃስል እንታዋይ እዩ?
ቀንዲ ስም ኒፕሲ ሃሰል፡ ኤርሚያስ ኣስገዶም እዩ። ኣብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ እዩ ዓብዩ። ገና ኰተቴ እንከሎ ኣባል ጕጅለ ዓመጽቲ ጐደና ሮሊን-60 ነይሩ።
ኣብታ ቪክቶሪ ላፕ ዘርእስታ ንውድድር ግራሚ ዝተሓጽየት ኣልቡሙ ንከፍርን ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝናን ስምን ንከጥርን ኣስታት 10 ዓመት ወሲዱሉ።
ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ዝውለድ ኒፕሲ ኣብታ ብ2013 ዘውጽኣ ኣልቡም ንሓንቲ ብሕሳብ 100 ዶላር ኣስታት 1,000 ቅዳሓት ብምሻጥ ኣብ ስነ ጥበባዊ ስርሑ ዝድግፎ ገንዘባዊ ውሕስነት ረኺቡ።
ጸኒሑ ኣብ ኮሚዩኒቲ ኣወሃሃዲ ጉጅለ ኣርት ብምዃን ኣብ ፕሮጄክት ስነ ጥበብ ዴስቲን ክረንሻው (Destination Crenshaw) ተሳቲፉ።
ኣብ 2018 ምስ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣብ ባህሊ ዓዋሉ ከምዝዓብየ ተዛሪቡ።
'ማራቶን ክሎዚንግ' ዝሰመዮ ናይ ክዳውንቲ ድኳን ብምኽፋት ከኣ ኣብቲ ኮሚዩኒቲ ወፍሪ ገይሩ።
ብመሰረት ምስ ኮምፕሌክስ መጽሔት ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ከም ናቱ ኩነታት ንዝዓብዩ ዘለው ጸለምቲ መንእሰያት "ፍታሕን ምንቕቓሕን" ንምሃብ ከተኵር ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ነቲ ካብ ሙዚቃ ዝረኸቦ ገንዘብ ተጠቒሙ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ኮም ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ሓደ ምምሕያሻት ንምግባር ብምምዋል ምስ ተማሃሮ ግዜ የሕልፍን ብዛዕባ ኣብ ባህሊ ዓዋሉ ምዕባይ ዝህልዎ ጽልዋ የረድእን ነይሩ።
መንእሰያት ኣብ ስነ-ፍልጠት፡ ቴክኖሎጂ፡ ምህንድስናን ሕሳብን ብዙሕ ዝዓይነቱ ፍሉይ ክእለት ምእንቲ ክህልዎም ዝሕግዝ ማእከላት ኣብ ምኽፋት'ውን ነጢፉ።
ኒፕሲ ሃስል ቀቅድሚ ምማቱ፡ ምስ ሰበ ስልጣን ፖሊስ ደብባዊ ሎስ ኣንጀለስ ተራኺቡ፡ ሰባት ብዓዋሉ ንኸይዕመጹ እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣዘራሪቡዎም ነይሩ።
ኒፕሲ ሃስል በቲ ኣብ ጐረባብቲ ዝገበሮ ዕዮ ክንኣድ ምስ ጀመረ፡ ፖሊስ ንንብረት ኒፕሲ ሃስል ክምርምሩዎ ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይንገር።
ኤርምያስ ኣብ ሚያዝያ 2018 ንኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ምስ ኤርትራውያን ቤተሰቡን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ተራኺቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መልእኽቲ ስንብታ
ኣብ ናይ 2019 ናይ ስፖርት መን ሰዓረ ውድድር፡ ኒፕሲ ሃስል ብሓዘን ተዘኪሩ። ናይ ሂፕ ሆፕ ብሉጽ ኣርቲስትን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ተጣባቕን ዝብል ስም ከኣ ተዋሂቡዎ።
ጆን ለጀንድን ዲጄይ ኻልድን ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝጽምበል ናይ ጸለምቲ ባህሊ ዘንጸባርቕ ምርኢት ንኒፕሲ ሃስል ሙዚቃዊ ዝኽሪ ገይሮሙሉ።
ኣብ ቀብሩ ኣስታት 20,000 ሰባት ተኣኪቦም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ከኣ፡ "ክዝከር ዝግበኦ ውርሻ" ብማለት ንኒፕሲ ሃስል ዝዝከር ታሪኽ ብምግዳፉ ሞጒሱዎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







