እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፕሊኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ዝነበረ ኣቶ ኢሳይያስ ዳኘው ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፕሊኬሽን ኢትዮ-ቴሌኮም ዝነበረ ኣቶ ኢሳይያስ ዳኘው፡ ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተፈትሐ፡ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣቶ ኢሳይያስ፡ ምስ ሓላፊ ኮርፖሬሽን ሓጺነ መጺንን ኢንጂነሪንግን (ሜቴክ) ዝነበረ ሓዉ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው፡ ብ3 ሕዳር 2011 [ግእዝ] ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዘዘኻኸረ ጠበቓኡ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሐ ኣነጺሩ።
ኣቶ ኢሳያስ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ብተደጋጋሚ ብዋሕስ ክወጽእ ተፈቒድዎ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳዕ ሕዚ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽንሑ ገሊጹ።
"ብተደጋጋሚ ማለት ሽዱሽተ ግዜ ዝኸውን ዋሕስ ተፈቒድሉ እዩ። እንተዀነ ገንዘብ ኣትሒዝና ክወጽእ ክብል፡ ስሩዕ ክሲ ስለ ዝመስረተሉ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ክንከራኸር ጸኒሕና" ኢሉ።
ኣቶ ኢሳይያስ ፈለማ ኣብ ክልል ሶማሌ ናይ ሞባይል ኔትዎርክ መስፋሕፍሒ ህንፀት ብዘይ ጨረታ ብሓው ንዝምራሕ ሜቴክ ብዘይ ውዕል፡ ስራሕ ሂቡ ብዝብል ክሲ ተጠርጢሩ ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ጠበቕኡ ኣይተ ሃብቶም ከሰተ ይዛረብ።
ጠበቕኡ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ "ሓዉ ንዝመርሖ ሜቴክ ዝተባህለ ኮርፖሬሽን ንምጥቃም፡ ብዘይውዕል ስራሕ ሂቡ፤ ብሓንሳብ ኰይኖም (ምስ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው) ሃገር ኣጥፊኦም፡ ብዝብል ተጠርጢሩ'ዩ ተታሒዙ" ይብል።
ኣቶ ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ብቤት ፍርዲ መሰል ዋሕስ ከም ዝተፈቐደሉን፣ እንተዀነ ብኻልኦት ክሲታትን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብስሩዕ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝተዓገተን ይገልጽ።
"ንኣቶ ኢሳይያስ ዋሕስ ተፈቒዱሉ ነይሩ። ብሓደ ፋይል ሎሚ ዋሐስ ይፍቀደሉ፣ ንጽባሒቱ ድማ ፖሊስ ብኻልእ 'ይጥርጥሮ እየ' ኢሉ የቕርቦ። ብኸምዚ ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝነበረ ቤት ፍርድን፡ ኣብ ይግባይ ሰማዒ ቤት ፍርድን ሸውዓተ ግዜ ተመላሊስና፣ ሸውዓተ ግዜ ዋሕስ ተፈቒድሉ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ገንዘብ ኣትሒዝና ከነወጽኦ፡ 13 ለካቲት 2011 ዓቃቢ ሕጊ ስሩዕ ክሲ መስሪቱሉ" ይብል።
ወሲኹ፡ "ንዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኔትወርክ ክህነጽ እንከሎ፡ ብዘይ ጨረታ ንዜድቲኢ ሂብካዮ ኢሎም ከሲሶምዎ፤ ካብኡ ድማ ኣብ ክልል ሶማል ንዝተሃነጸ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ሞባይል፡ ብዘይ ጨረታ ንሜቴክ ሂብካ ዝብል ናብ ክሲ ቀይሮም ካልኣይ መዝገብ ኣምጺኦምሉ ነይሮም" ኢሉ።
ይኹን'ምበር: "እቲ ፈለማ ምስ ሓዉ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ክተሓዝ እንከሎ ዝቐረበሉ ክሲ፡ ማለት እውን ኣብቲ እዋን ኣብ ክልል ሶማሌ ብሰንኪ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ኣካያዲ ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ዝተወሰነ ስለዝኾነ ቤት ፍርዲ ብዘይኣግባብ እዩ ተኸሲሱ ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ብነፃ ክሰናበት በይኑ" ይብል።
ሓው ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝዀነ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ቤት ፍርዲ በቲ ካልኣይ ክሲ (ንዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዘራኽብ ኔትወርክ ክህነጽ እንከሎ ብዘይ ጨረታ ንዜድቲኢ ዝተውሃበ) ንኽልተ ዓመት ክእሰር'ኳ እንተፈረዶ፡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እዩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ጸኒሑ።
በዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን ዝተሰየመ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ሳልሳይ መጋባእያ ብልሽውና፡ ልዕሊ'ቲ ዝተዋህቦ ፍርዲ ስለ ዝተኣሰረ ክፍታሕ ከም ዝወሰነን፡ ኣቶ ኢሳይያስ ትማሊ ከም ዝተፈትሐን ጠበቓኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
"15 ግንቦት 2014 ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርትን ሓደ ሽሕ ብር ቅጽዓትን ተወሲንዎ፤ ኰይኑ ግን ካብ ዝተፈረዶ ንላዕሊ ሰለስተ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ስለ ዝተኣሰረ፡ ቤት ፍርዲ ፈደራል፡ ሳልሳይ መጋባእያ ብልሽውና' ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ክትፈትሕዎ' ዝብል ትእዛዝ ሂቡ" ኢሉ።
ኣይተ ኢሳይያስ ዳኘው፡ ካብ 1999 ክሳብ 2001 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፕሊኬሽን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ካብ 2003 ክሳብ 2004 ኣቆፃፅራ ግእዝ ድማ ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት 'ኔክስት ጀነሬሽን' ኰይኑ ክሰርሕ እንከሎ፡ እቲ እዋን 'ኢትዮጵያ ቴሌኮምዩኒኬሽን ኮርፖሬሽን' ፈሪሱ፡ ናብ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝተሰጋገረሉን ፍራንስ ቴሌኮም ነቲ ትካል ዘመሓድረሉ ዝነበረን ግዘ እዩ።