ኮሮናቫይረስ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኤርትራ ክታበት ብዘይምጅማራ ሻቕሎቱ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ፡ ክሳዕ ሕጂ ንህዝባ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ብዘይምጅማራ ከም ዝተሻቐለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መርመራን ዝርግሐ እቲ ቫይረስን ንምቍጽጻር ዝውሰዱ ስጕምታትንን ብምንካዮም ቍጽሪ መልከፍቲ ከም ብሓድሽ ይውስኽ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
በዚ ኸኣ፡ እቲ ቫይረስ ኣበይ ምህላውን ዘርእዮ ዘሎ ምቅይያራትን ምፍላጥ ከም ዘይተኻእለ ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ ሰሜን ኮርያ ፈላሚ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከም ዘመዝገበት ገሊጻ ነይራ። ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰባት ተለኺፎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ጥርጣረታት ኣሎ።
ህዝቢ እታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይወሰደ ብምዃኑን፡ ብዙሓት ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባት ብምህላዎምን፡ ንዝኸፍአ ሕማምን ሞትን ከይቃልዑ ከም ዝሰግእ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
"ብተወሳኺ፡ ኵነታት ናይታ ንህዝባ ክታበት ምሃብ ዘይጀመረት ሃገር ኤርትራ'ውን የሻቕለና'ዩ፡" ክብል ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ኤርትራ ንህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና፡ ሓበሬታ ማእከል ምቍጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ [ሲዲሲ] የመልክት።
ዜጋታት እታ ሃገር፡ ንስራሕ፡ ንትምህርቲ፡ ንንግዲ፡ ንሕክምና፡ ንምብጻሕ ይዅን ካልእ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንኽገሹ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ እዋን፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ብምኻድ ክታበት ከም ዝወስዱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጪታት ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ለካቲት እዚ ዓመት [2022]፡ ሓካይም፡ ክኢላታት ባዮሜዲክስ (ስነ ህይወት)፡ ተመራመርቲ፡ ነርሳትን ዝርከብዎም ኣብ ስደት ዝነብሩ 62 ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ካብቲ ናይ ኮቫክስ (COVAX) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ንኤርትራ ብህጹጽ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ክምድብ ክታሞም ብምንባር ናብቲ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም እዮም።
እንተዀነ፡ ኤርትራ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኮቫክስ ዘይተጸንበረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና፡ ንህዝባ ዕድል ክታበት ከም ዝነፈገት እቶም ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ኣረዲኦም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







