ን25 ዓመታት፡ 'ኣብ ከብሒ ዝተቘለፈ' ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ግንቦት 1991 ንሰራዊት ደርግ ስዒሩ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብ99.8% ድምጺ ህዝቢ ናጻነቱ ኣዊጁ፣ ብወግዒ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ።

ንሰለስተ ዓመታት ብዝተኻየደ ተዛማዲ ሰፊሕ ህዝባዊ ሱታፌ ኸኣ ሃገራዊ ቅዋም ኣርቂቑ፡ ብ23 ግንቦት 1997 ብወግዒ ኣጽዲቕዎ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ቅዋም ርብዒ ዘበን ገይሩ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ክትግበር ኣይከኣለን።

"ኣብ ከብሑ ተቘሊፉ ተሪፉ፡" ብምባል ብዙሓት ክቱር ባህጊ ዝነበሮም ዜጋታት ብነድሪ ክዛረቡ ይስምዑ።

ከም ሳዕቤኑ፡ ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ዘይሕሰበላ፡ ልዕልናን ግዝኣተን ሕግን ዘይብላ፣ ፍትሒን ርትዕን ዘይሰፈና፣ ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት ዘይብላ፣ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መሰላት ዘይክበረላ፣ ዜጋታታ ብናጻ ክንቀሳቐሱ ዘይፍቀደላ. . . ሃገር ተባሂላ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራትን ኤርትራ ብቐጻሊ ክትውቀስ ትስማዕ ኣላ ኣላ።

ስለምንታይ እዩ እቲ ብግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ዝተነድፈ፡ ብተዛማዲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎ ገዚፍ ማልን ሓንጐልን ዜጋታት ዝፈሰሶ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ዘይተተግበረ?

ሳዕቤኑን ኤርትራ እትርከቦ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኵነታትን ንምድህሳስ፣ ቢቢሲ ንኣቦ መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ነበር፡ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ፡ ምስ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ነበር ዳሕራይ ኣብ ኣፍሪቃ - ሓላፊ ኮይኑ ዝዓየየ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ፡ ከምኡ'ውን ኣባል ኮሚሽን ቅዋም ነበር በላይነሽ ኣርኣያ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ብቑለሓሳብ ምርቃቕ ሃገራዊ ቅዋም

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ቅዋማዊት ፍትሓዊት ደሞክራሲያት ሃገር ምምስራት ስለዝነበረ፡ ሃገራዊ ጽንብል ረፈረንዱም ምስተኻየደ፡ ኣድህቦ መላእ ሃገር ብዛዕባ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም ኮነ።

ይጽናሕ ዘይበሃል መሰረታዊ ዕማም ስለዝነበረ ኸኣ፡ 'ንኮሚሽን ቅዋም መን ይምርሓዮ?' ተባህለ።

ርእይቶ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ወጻኢ ኰይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ዝዋሳእ ዝነበረ፡ ኣብ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዘገልገለ ናይ ሕጊ ምሁርን መምህር ዩኒቨርሲትን ዶክተር በረኸት ሃብተስላሰ ክኸውን ነበረ።

ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ 1994 ከኣ፡ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ነበር፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት ኪሻ (ሕጂ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ) ናብ ዶ/ር በረኸት ስልኪ ደዊሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብጉዳይ ምርቃቕ ሃገራዊ ቅዋም ከዘራርቦ ይደሊ ከም ዘሎ ሓበሮ።

ዶክተር በረኸት ግን፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቃልሲ ንደቀይን በዓልቲ ቤተይን ስለ ዝወጻዕክዎም፡ እንቋዕ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ነጻነት ህያው ኮነ እምበር፡ ኣነስ እንተዕረፍኩ'ዩ ዝሓይሽ" ክብል ምላሽ ሃበ።

እንተዀነ ብዙሓት ብጾቱን መቓልስቱን፡ "እዛ ነገር ካባኻ ኣይትሓልፍን እያ" ስለ ዝበልዎ፡ ብስራሕ ንኣዲስ ኣበባ ምስ ገሸ ብኡ ኣቢሉ ንኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተመያይጡ፡ ንኮሚሽን ቅዋም ንምምራሕ ሕልናዊ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ንስራሕ ዘበግስ ሰነዳት ከምዘዳለወ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኸኣ ንፋይናንስ ብዝምልከት ዝከኣሎ ደገፍ ከምዝገበረሉ ይዛረብ።

ኣቃውማ ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ 22 ደቀንስትዮን ዝርከባኦ፡ ንብዙሕነትን ኣቃውማን ህዝቢ ኤርትራ ዝውክሉ 50 ዝኣባላቱ ኮሚሽን ቅዋም መዚዙ: ብኣዋጅ 37/1993፡ ከምኡ'ውን ንኣቃውማኡን ዕማማቱን ዘነጽር ኣዋጅ 55/1994 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣስፈረ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ ሚያዝያ 1994 ኣብ ኣስመራ፡ ብዙሓት ምሁራት፡ ሞያውያንን ክኢላታት ወጻእተኛታትን ከምኡ'ውን ወከልቲ ናይተን ክሳብ ሽዑ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲታተን ዝኸፈታ ሃገራትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተሳተፍዎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ቅዋም ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበሉ ሃገራዊ ሲምፖዝዩም ብምክያድ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወግዓዊ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ከምእተጀመረ ኣበሰረ።

ነቲ ሃገራዊ ቅዋም፡ መታን ህዝቢ ከም ዋልታኡ ክቐበሎን ክከላኸለሉን፡ ብሰፊሕ ህዝባዊ ሱታፌ ክህነጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለዝተኣምነሉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነጥፋ ዝተፈላለያ ሽማገለታት (ኮሚተታት) ቈይመን፡ ንሕጊታት እንዳባን ሸሪዓን ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ቅዋምን፡ ዓይነታት መንግስትን ተመኵሮ ሃገራትን ሰፊሕ ሰሚናር ብምክያድ ንህዝቢ ኣረዲአን።

እቲ ቅዋም ምስ ረቐቐ ከኣ፡ ናብ ህዝቢ ተመሊሰን ሰፊሕ ክትዓት ብምክያድ እቲ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ንድፊ ተኻቲቱ ድሕሪ ዓሚቚ ክትዕ፡ ብ23 ግንቦት 1997 ብሃገራዊ ቅዋማዊ ባይቶ ከምዝጸደቐ ኣባል ኮሚሽን ቅዋም ነበር በላይነሽ ኣርኣያ ትሕብር።

ን25 ዓመታት ኣብ ከብሒ ፕረዚደንት ዝተሓየረ ቅዋም

ቅዋም ኤርትራ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ኣብ ዓመቱ ክትግበር ትጽቢት እናተገብረ፡ ኣብ ሰነ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ብዶባት ዝተሳበበ ኲናት ተወሊዑ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ሃዋሁ ናጽነት፡ ዳግም ሞትን ዕንወትን ናብ ዘኸትል ደማዊ ኲናት ኣትዩ።

ሓደ ሓደ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ እቲ ግጭት ኣብ ክንዲ ብዂናት፡ ነቲ ብሩዋንዳን ኣመሪካን ዝቐረበ እማመ ሰላም ተቐቢልካ ብዘተን ልዝብን ይፈታሕ ዝብል ሓሳብ'ኳ እንተቕረቡ፡ ፕረዘደንት ኢሳይያስ ኣይተሰማምዐን፣ እቲ ኲናት ከኣ ከምዝቐጸለ ኣባል ኮሚሽን ቅዋም ነበር ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ይገልጽ።

እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ሰፊሕ ምምዝባል ህዝብን ክሳራን ስለዘስዓበ፡ ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምብርዓን ይዅን ንምሕደራ 'ቲ ኲናት ብግቡእ ኣይሓዞን ዝብል ቅሬታ ስለዘሕደሩ፡ ኣብ መንጐኦምን ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ደገፍቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ምስሕሓብ ተኸሲቱ።

እቲ ኲናት ብስምምዕ ኣልጀርስ "ይግባይ ብዘይበሃሎ ኣህጉራዊ ብይን" ብሽምግልና ክፍጸም ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ፣ ኣብቲ ዘሰሓሕብ መሬት ዓቃቢ ሰላም ምስ ሰፈረ፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከብዎም፡ "ጕጅለ-15" ዝተጸውዑ ሓያሎ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቅዋም ክትግበር ጸዊዖም።

ፕረዚደንትን ሰዓብቱን ግን፡ ሕጂ እዋኑ ኣይኰነን ስለዝበሉ፡ እቶም ን30 ዓመታት ብሓባር ዝተጓዕዙ መቓልስቲ ብርእይቶን ሓሳብን ተፈላልዮም።

ኣባላት ምንቅስቓስ "ጕጅለ-15" ብዓውታ ቅዋም ክትግበር ብምጽዋዕ፡ ፕረዚደንት፡ ልዕልና ሕጊ ብቓልዕ ከምዝገሃሰ፡ ስሩዕ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ ህገደፍን ሃገራዊ ባይቶን ከይገብር ከም ዝሓንገደ፡ ንህዝብን ሰራዊትን ብክፉት ደብዳበ ኣፍሊጦም፤ ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ'ውን ክነቕፍዎ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ነገር ተባሊሑ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ኣብ ፍጹም ህልኽ ከምዝኣተው፡ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ የረድእ።

"እቲ ብዙሕ ተስፋ ዝገበርናሉ ተጋዳላይ ኢሳይያስ፡ ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ ንነገራት ስኽን ኢሉ ክርእዮን፡ ልቢ ከዕብን ብዘይምኽኣሉ፡ ንዝነበሮ ክብርን ተፈታውነትን ደምሲሱ ንህዝብን ሃገርን ኣብዚ ንርእዮ ዘሎና ከቢድ ሕሰምን ኣደራዕን ኣውዲቑ ይርከብ፡" ክብል እቲ ዝነበረ ትጽቢትን ክውንነትን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ከምዝኾኖ ይሕብር።

ኣባል እቲ ኮሚሽን ነበር ተጋዳሊት በላይነሽ ኣርኣያ፡ እቶም 'ሃገራዊ ቅዋም ይተግበር፡ ንህዝብና ዝኣተናሉ መብጽዓ ንሓሉ' ዝበሉ ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ እቶም ንርእይቶን ሓሳባትን ኣብ ዓምድታቶም ዘስፈሩ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ኣብ መስከረም 2001 ብቓጻ ተኣሲሮም ምስተሰወሩ፡ ንዓኣን ብዙሕ ህዝብን ከቢድ ጓሂ ከምዝተሰምዖም ትገልጽ።

"እቲ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋ ህዝቢ ዝፈሰሶ፡ ውጽኢት ነዊሕ ቃልሲ ዝዀነ ብዙሕ ዝተደኽመሉ ሃገራዊ ቅዋም ተተግቢሩ እንተዝነብር፡ ሎሚ ብዝወሓደ ኣርባዕተ ሳዕ ሃገራዊ ምርጫ ተኻይዱስ፡ ምስ ጐረባብትና ሰላምን ምርግጋእን ፈጢርና፡ መንእሰያትና ካብ ስደትን ፍልሰትን ዓቂብና፡ ኤርትራ ኣብ ጐደና ምዕባለ ክትስጕም ምረአናያ። ከምኡ ዘይምዃኑ ከኣ ኣዝየ እሓዝን፡" ትብል እቲ ዝተኸስረ ዕድላት ኣብ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከቢድ ሃስያ ከምዘስዓበ ብምጥቃስ።

መንግስቲ ኤርትራ'ኸ ብዛዕባ ትግባረ ቅዋም እንታይ ይብል?

ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ግን፡ ብመንፈስን መትከልን ቅዋም ከም ዝምርሑ እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ 2013 ኣብ ኣሜሪካ ኣትላንታ ኣብ ዝተገብረ ፈስቲቫል ንኣብነት፡ 'መዓስ እዩ ቅዋም ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ዝትርጐምን' ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ "ኤርትራ ብመንፈስ ሃገራዊ ቅዋምን መትከላቱን እያ ትምራሕ ዘላ። እቲ ንምርጫ ዝምልከት መዳይ ከኣ ኵነታትና ምስተረጋግአ ክንትግብሮ ኢና፡" ክብል ኣብ ክፉት ህዝባዊ መጋባእያ ተዛሪቡ።

ንመግለጺ የማነ ገብረኣብን ካልኦት ተመሳሳሊ ርእይቶ ዝህቡ ዝነበሩ ካድራት መንግስቲ ኤርትራን ዝሰምዐ ህዝቢ ሓደ መዓልቲ ቅዋም ክትግበር'ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዝነበሮ፡ እንተዀነ፡ ግዜ ምስ ነውሐን ኵነታት ምስተሓላለኸን፡ ብ 21 ጥሪ 2013 ዝነቶገ፡ ብስም 'ስርሒት ፎርቶ' ዝግለጽ፡ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ኵሎም እሱራት ሕልናን ፖለቲካን ክፍትሑን ዝጽውዕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ተኻይዱ።

ነቲ ስርሒት ዝመርሐ ኮሎኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ፡ ብወተሃደራት ምስተኸበበ ርእሰ ቅትለት'ኳ እንተፈጸመ፡ እቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ቅዋም ክትግበርን እሱራት ክፍትሑን ዝጽውዕ፡ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ንምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ 'ደለይቲ ፍትሒ' ዘቕርብዎ ጻውዒት ገና ከምዘየቋረጸ ኣቶ ጳውሎስ ይዛረብ።

ሓደ ግዜ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ካሃን፡ "መዓስ እዩ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ" ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ምናልባት ድሕሪ 30-40 ዓመታት ክኸውን ይኽአል እዩ፣ ምናልባት እውን ልዕሊኡ ክኸውን ይኽእል እዩ- መን ይፈልጥ" ክብል ንሱ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ቅዋም ክትግበር ከምዘይኮነ ዝእምት መልሲ ከምዝሃበ ኣቶ ጳውሎስ ይጠቅስ።

"ኢሳይያስ፡ ብሰንኪ ድኽመታቱ፡ ብዙሕ ብገበን ዘሕትቶ ጌጋታት ስለዝፈጸመ፡ ንሱ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፡ ብሕጊ ክግዛእ እየ ኢሉ ቅዋም ክትግበር ኣይከፍቅድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕጊ ቅድም ቀዳድም ንዕኡ እዩ ክሰሃሎ፡" ብምባል ድሕሪ ለውጢ ደኣ እምበር ኢሳይያስ እናሃለወ ቅዋም ክትግበር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ የረድእ።

ዶክተር በረኸት ብወገኑ፡ ገለ ወገናት ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ክንደፍ እንከሎ ርእይቶና ስለዘይሓወስና፡ እዚ ቕዋም ኣይውክለናን እዩ፤ ኣብ ርእሲኡ'ውን ንፕረዚደንት ብዙሕ ስልጣን ስለዝህብ፡ ጉዳይ መሬትን ሃገራዊ ቋንቋን ዝኣመሰለ ጉዳያት እውን ሕጂ ክኽለስ ይግብኦ'ዩ ዝብል ርእይቶ ከምዘለዎም ይዛረብ።

"እቶም ቅዋም ኣብ ዝተነድፈሉ እዋን ኣይተሳተፍናን፡ ድምጽና ኣይሓወስናን ዝብሉ ኣሕዋት ቅሬታኦም ቅቡል ኮይኑ፡ ከም ህዝቢ ዝጐደለ እናመላእና ዝተረሰዐ እናዘከርና፡ ዝዕረ እናዐረና ከም ቀደምና ብፍቕርን ሓልዮትን ተኸባቢርና ክንከይድ ታሪኻዊ ግዴታን ሕድርን ኣሎና።" ብምባል፡ ብዙሕነትና ከም ጸጋን ሓይልን ዋልታን ሰንደቕን ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብል ኣዘኻኺሩ።

እቲ ዋም ብዘይ ምትግባሩ እንታይ ስዒቡ?

እቲ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋ ዝፈሰሶ፡ ንኤርትራ ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓተ ምሕደራ ከሰጋግር ትጽቢት ዝተገብረሉ ቅዋም፡ ን25 ዓመታት ዘይምትግባሩ ኣብ ኤርትራ ምልኪ ከምዝሳዕረረ ኣቶ ጳውሎስ በዓታይ ይገልጽ።

"ኣብ ሓደ ሃገር ብድምጺ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝመጽእን ብድምጺ ህዝቢ ዝእለን መንግስቲ እንተዘይሃልዩ፡ ምልኪ እዩ ዝገዝእ ዘሎ ማለት እዩ። መለኽቲ ከኣ ብሕጊ ስለዘይቅየዱ፡ ንነብሶም ከም ልዕሊ ሕጊ ስለዝርእዩ ብዙሕ ጌጋታት ይፍጽሙ። ከይሕተቱ ስለዝፈርሑ ኸኣ ንዅሉ ጸጥታዊ መሓውር ኣትሪሮም ንህዝቢ ዓቕሉ የጽብቡሉ። ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኰይኑ ኣብ መወዳእታ ብዘሕዝን ኣገባብ እዮም ካብ ስልጣን ዝእለዩ፡" ይብል።

ዶክተር በረኸት 'ውን፡ ብቀውዒ ዓረብ ዝፍለጥ ኣብ 2011 ኣብ ቱኒዝያ ሰሜን ኣፍሪቃ ተላዒሉ፡ ንግብጽን ሊብያን ከምኡ'ውን የመንን ሶርያን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ልሒሙ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝጸንሑ ምልካውያን መራሕቲ ዝዓለወ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሓደ ኣብነት እምቢታ ህዝቢ ንምልካዊ ምሕደራ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ኤርትራ'ውን "ህዝቢ ይኣኽለኒ!" ምስ በለ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውም ሓይሊ ከም ዘየሎ ይምጉት።