እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ፋኖን ዘጋጠመ ጎንፂ ብዕርቂ ከምዝተፈትሐ ተገሊፁ
ትማሊ ሰንበት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ፣ ኣብ ከተማ ወልድያን ከባቢኡን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ዝተኸሰተ ጎንፂ፡ ብዕርቂ ተፈቲሑ ተባሂሉ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ሃብተማርያም ኣሰፋ፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ወልድያን ብዝተኸሰተ ጎንፂ ሂወት ሓደ ሰላማዊ ሰብን ሓደ ዕጡቕን ከምዝጠፍአ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሓላፊ ፀጥታ እቲ ዞባ ኮለኔል ሃይለማርያም እምባየ ብወገኑ፡ እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን " ኣብ ኬላ ተፈተሹ፤ ኣይንፍተሽን" ብዝብል ውጥጥ ከምዝነቐለ ኣረዲኡ።
ስሙ ክግለፅ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ ድማ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ከባቢ ሰዓት 1፡00 [07፡00] ናይ ምሸት ተኵሲ ከቢድ ብረት ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈን ሎሚመዓልቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ከምዝተፈፀመን ተዛሪቡ።
ሓላፊ ፀጥታ እቲ ዞባ ኮለኔል ሃይለማርያም፡ ኣብቲ እዋን ልውውጥ ተኲሲ ከምዝነበረ ብምርግጋፅ፡ "መበገሲኡ ብፌስቡክ ብዝላባዕ 'ሓደ ኣመራርሓ ተኣሲሩና' ብዝብል ሓበሬታ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ ዕጡቓት ተኵሲ ብምኽፋቶም" ዝተፈጠረ ምዃኑ ገሊፁ።
እቲ ጎንፂ ብዙሕ ከይፀንሐ ምግታእ ከምዝተኽኣለ ዝተዛረበ እቲ ሓላፊ፡ በቲ ዝነበረ ተኵሲ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝነበሩ ኣረጋጊፁ። ብዛዕባ መጠን እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ግና ኣፃርዩ ከምዝዛረብ ተዛሪቡ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ሃብተማርያም ኣሰፋ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ጎብየን ሮቢትን ልውውጥ ተኲሱ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ "ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መራሒ ፋኖ ተኣሲሩ ብዝብል ኣብኡ ዝነበሩ ፋኖ ከምዝመፅኡን፡ ሰራዊት ምክልኻል ንምርግጋዕ ይፍትን ነይሩ" ኢሉ።
ሎሚመዓልቲ ከተማታት ወልድያ፣ ሮቢትን ጎብየን ሰላም ከምዝኾናን ኣብቲ ከባቢ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝነበረን ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ከተማ ሓቢሩ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ኣይተ ሃብተማርያም ድማ፡ "ፋኖ ደጀን ሰራዊት ምክልኻል'ዩ። ሰራዊት ምክልኻል'ውን ንፋኖ ብምግብን ካልኦትን ብምቕራብ ሓገዝ ዝገብር'ዩ። እቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ'ውን ብልዝብ ተፈቲሑ'ዩ" ኢሉ።