እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምብራቕ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ከምዝተፈጸመ እዩ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ዘሎ።
ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ክልል ዓፋርን ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ከምዘይግባእ ምግላጹ ይዝከር።
ኲናት ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ተዓቚቦም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ብኣሻሓት ዝቑጽሩ ስደተኛታት ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን።
ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ግዱድ ዕስክርናን ዝሃደሙ ኤርትራውያን ንዓመታት ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ተቐሚጦም'ዮም።
ኮይኑ ግና ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፈሐ ጎንጺ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ኲናት ተቐርቂሮም።
እቶም ስደተኛታት ንመንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተሳተፉ ወታሃደራት ኤርትራ ከምኡ ድማ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ተገሊጹ እዩ።
ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ስደተኛታት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተጨወያን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
በቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ብዙሓት ሰባት ነቲ መዓስከር ገዲፎም ከምዝሃደሙን ሓያሎ ስድራቤታት ከምዝተጠፋፍኡን እውን እቲ ትካል ገሊጹ።
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ጎንጺ ከምዝነከየ'ኳ እንተተገለጸ፤ ኣብቲ ብሓይልታት ትግራይ ወራር ከምዝተፈጸሞ ዝገልጽ ክልል ዓፋር ግን ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ብመንግስቲ ኤርትራ ብዝድገፉ ሓይልታትን ሓይልታት ክልል ዓፋርን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞምን ነቶም ሓይልታት ንምብታን ናብ ዓፋር ዘሊቑ ምእታዉን ይገልጽ።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ እቲ ዝቐረቦ ክሲ ዝሃቦ መብርሂ የለን።