ኢትዮ-ኤርትራ፡ ተቐልቂላ ዝጠፍአት ኮኸብ ሰላም

ሓድሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን 2011 ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝናፈቕዎ ትስፉው ወረ ሰላም ሒዘን ዝመጽኣ በዓላት ነበራ።

ኣብታ ናይ ዕርቂ ዕለት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን፡ ንዶክተር ደብረጽየን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ሓዊሶም ኣብቲ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ዝተዳመዩሉን ንዓመታት ዝተፋጠጠሉን ኣብ መንጎ ዛላምበሳን ሰርሓን ተረኺቦም፡ መንደቕ ጽልኢ ዘፍረስሉ ህሞት ኣብ ልቢ እቶም ተሳተፍቲ ኣህዛብን ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝነብር ፈታውን ፈጺሙ ዘይርሳዕ ባህታ ፈጢሩ ነበረ።

''ፍቕሪ ስዒሩ''

እቲ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ስልጣን ዝተረከበ ቀዳማይ ምኒስተር ሃይለ ማርያም ደሳለኝ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ናዕቢ ክፈትሖ ስለዘይከኣለ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ምስገደፈ፡ ኣብ ሚያዝያ 2018 ዝተከኦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ብዝገበሮ ፈላሚ ናይ "ፍቕርን ሕድገትን" መደረ ኣብ ልቢ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፍሉይ ቦታ ሓዘ።

'ንድሕነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዝፈታተን ዓሌታዊ ጎንጽን ናዕብን ዘህድእ ብፈጣሪ ዝተላእከ ቅቡእ መራሒ መጺኡና' ብማለት ኣብ ትግራይ ከይተረፈ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ለውጢ ክተበስር እያ ዝብል ተስፋ ሓደረ።

መብጻዓታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ተሓጺሮም ዝተርፉ ኣይነበሩን፡፡ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝሰዓበ ወጥሪ ኣይ-ኩናት ኣይ-ሰላም ኣብቂዑ ርክብ ክልቲን ሃገራት ናብ ንቡር ንክምለስ ናብ ፕረዚደንት ኤርትራ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ቁሩብ ግዜ እውን እንተበልዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ናይ ዕርቂ ጻውዒት ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ሃበ፡ ዓለም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ክልቲኦም ህዝቢታት ብፍቕሪ ክተሓዋወሱ ብሃንቀውታ ተጸበየት።

እቶም መራሕቲ ሃገራት ንሓድሕዶም ክበጻጽሑ፤ መራኸቢታት ስልክን በረራን ተኸፊቱ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ጉዕዞ ጀሚራ፡ ንዓመታት ዝተፈላለዩ ስድራቤታት ክራኸቡ ጀሚሮም። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንክፋእ ኲናትን፣ ጾር ምፍልላይን ዘዘንትው ሓያሎ ልቢ ዝትንክፉ ዛንታታት ተሰሚዖም።

እቲ ናይ ሰላም ወረን ባህግን ነቶም ብኽልቲኡ ዶባት ዝነብሩን ብባህልን ደምን ከይተረፈ ዝተኣሳሰሩን አሕዋት ህዝቢታት ፍሉይ ትርጉም ነይሩዎ፡፡ ዶብ ተኸፊቱ ምስ ኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ዝረኣኣዩሉ መዓልቲ ክቖጽሩ ወርሓት ክረምቲ ሓለፉ፡፡

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ኣሸንዳ፡ ኤርትራዊ ድምጻዊ ኤርትራዊ ካሕሳይ በርሀን ትግራዋይ ድምጻዊ ሰሎሞን ባይረን (ወዲ ባይረ) ዘቕረብዋ፡ 'ፍቕሪ ስዒሩ' ዘርእስታ ደርፊ፡ ህርመት ልቢ ክልቲኡ ህዝቢ ብዝያዳ ከምዝወቅዕ ዝገበረት እያ፡፡

ፍቕሪ. . . ፍቕሪ…

ፍቕሪ ስዒሩ . . . ፍቕሪ

ጸግዕኻ ሓዘልና ጽልኢ

ፍቕሪ. . . ፍቕሪ…

ፍቕሪ ስዒሩ . . . ፍቕሪ

እንታይ ይሰኣኖ ፈጣሪ

ሰላምና የብዘሓዮ ንዘልኣለም

ኣብነት ኮይንና ንዓለም

ፍቕሪ እንተሃልዩ ዘይርሳዕ የለን፡፡

እታ ደርፊ ኣብ እንዳ ሙዚቃ፣ ባራት፣ ሆቴላትን መራኸቢ ብዙሃንን ኣዝያ እናተደጋገመት ትስማዕ ነይራ፡፡ ምስ ስድራ ቤቶምን መቕርቦምን ዝተፈላለዩ ሰባት ብሰላምን ራህዋን ክራኸቡ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ርክብ ዝምነ ህዝቢ ካብ ልቡ ጉርብትንኡን ሕውነቱን ከደልድል ከምቲ ''ክንደይ ዓመትያ ዝዓወረስ. . .'' ዝበሃል መዓልቲ ነዊሕዎ ይርበጽ ነበረ፡፡ እታ መዓልቲ ግን ኣብ መዓልታ መጺኣ. . . ቅዱስ ዮሃንስ. . .ባሕቲ መስከረም 2011 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡፡

ሓድሽ ዓመት. . . ሓድሽ ተስፋ

ዶብ ዛላምበሳ ሰርሓ ዝተኸፈተሉ መዓልቲ ዝነበረ ኩነታት ብዙሕ ሰብ ክሓስቦ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ እዩ፡፡ ኣብቲ ሰብ ከም ማዕበል ዝፈሰሰሉ ህሞት ንዕስራ ዓመታት ዝተፈላለዩ ስድራ ቤታት ክተሓቛቖፋ፣ ኣደ ንውላዳ ክትደሊ፣ ብዓጽመ ስጋ ዘይዛመዱ ግን ድማ ዝተናፋፈቑ ሰባት ክሰዓዓሙ ይተረፍ ነቲ በዓል ዋና ደላይ ሰላም ህዝብስ፡ ነቲ ብመራኸቢ ሓፋሽ ዝሰምዕን ዝዕዘብን ዝነበረ ማሕበረሰብ ዓለም እኳ ዘደንቕ ነበረ፡፡

ዶባት ምስተኸፍተ ህዝቢ ብማሕበራውን ቁጠባውን ሰንሰለት ክተኣሳሰር ግዜ ኣይወሰደሉን።

ካብን ናብን ኤርትራን ትግራይን ዝግበሩ ጉዕዞታት ተጀሚሮም፡፡ ብፍላይ እተን ኣብ ጻዕዳን ሰማያውን መደብ ኢኣር ዝብል ታርጋ ዘለወን ናይ ኤርትራ መካይን ፈለማ ናብ ትግራይ ምስኣተዋ ብዙሓት ሰባት ፎቶ እናተስኣሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይልጥፉን ታሕጓሶም ይገልጹን ነበሩ፡፡

ድሕሪ መዓልታት ድማ መብዛሕተኦም መናእሰያት ትግራይ ኣብ ዕድሚኦም ዘይፈልጥወንን ኣዝየን ዝጸንሓን ዓይነታት መካይን ናብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ምስኣተዋ ሰብ ብኣርምሞ ክርእየን ደው ይብል ነይሩ፡፡ መብዛሕተአን እተን ንብረት ሒዘን ዝመላለሳ ዝነበራ መካይን ነቲ ንዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ገመድ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ትንፋስ ዝህብ ምልክት ትንሳኤ ነበራ።

ካብ ነዳዲ ጀሚሩ ክሳብ እኽሊ፣ ብሎኬትን ስሚንቶን ኩሉ ተጻዒኑ ናብ ኤርትራ ይኸይድ፡፡ ብኣንጻሩ ክዳውንቲ፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን ካልእን ድማ ናብ ትግራይ ይኣቱ፡፡

ናይ 'ኤርትራ ኣባጊዕ' እናተብሃላ ቁሩብ ክብር ብዝበለ ዋጋ ዝሽየጣ ሕልሕለን ነዊሕን ቀጢንን ኣባጊዕ እውን ሓደ ቕነ ኣዘራረብቲ ኮይነን ነይረን፡፡

እተን ናእሽቱ ከተማታት ትግራይ ከይተረፋ ካብ ናይ መዋእል ድቃስ ክበራበራ ጀሚረን፡፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ህይወት ዘሪኡ፡፡ ብፍላይ ኣብ ከም መቐለን ዓዲ ግራትን ዝኣመሰላ ከተማታት ጎደናታት ብሸየጥትን ዓደግትን መሊአን። ካፌታት፣ ሆቴላትን ባራትን ካብ ወትሩ ዓሚሮም፡፡ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ኤርትራውያን እውን ኣብ ገለ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ክረኣዩ ግዜ ኣይወሰደን፡፡

ኣዝዩ ዝቐልጠፈ. . . ደስ ዘብል. . . ግን ድማ ሕልሚ ዝመስል ክስተት፡፡

''እዘን ስእልታት እንዶ ኣሕጺብካ ስደደለይ! ''

ዶብ ዛላምበሳ ኣብ ዝተኸፈተላ ናይ መጀመርታ ሰሙን ኣብ ዝነበራ መዓልታት ኢና ምስ መሓዛይ ናብ ከተማ ዛላማበሳ ተጓዓዚና፡፡

ኣብ መገድና ኣንጻር ናብ ከተማ መቐለ ዝጎያ ብዙሓት ናእሽቱን ዓበይቲ ናይ ጽዕነትን መካይን ንረክብ ኔርና፡፡

ብዙሓት ካብኦም መኪነኦም ደው እናበሉ ሰላም ይብሉናን ከተማ መቐለ ክንደይ ኪሎሜተር ከምእትርሕቕን ይሓቱና፤ ንሕና ድማ ደሃይ ዓዲ ንሓቶምን ዝሓተቱና ንምልሰሎምን ነይርና፡፡

ካብ ከተማታት ስንቃጣን ዕዳጋ ሓሙስን ጀሚሩ ድሮ ፊኖን ብሎኬትን ዝሽምቱ ነጋዶ ኤርትራን ናይ ጽዕነት መካይንን ረኺብና፡፡ ኣብ ኣብ ዘዝዓረፍናለን ከተማታት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ሰሙን ዝተኸፈተ ዶብን ዳግም ዝተራኸበ ህዝብን ባህ ዘብል ናይ ፍቕሪ ዘረባ እዩ ዝስማዕ ነይሩ።

ብፍላይ ከተማ ዓዲ-ግራት ብሰብን ተሸከርከርትን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ተጨናኒቓ ነይራ። ብፍላይ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝነበረ ሪጋ መካይን ዳርጋ ካብታ ከተማ ወጺኡ ነይሩ፡፡ እተን መካይን ዳርጋ ኩለን ናይ ኤርትራ እየን፡፡ ኣብ ማእከል ጽርግያ ብርን ናቕፋን ብሕጊ ባንኪ ዘይኮነስ ብድልየት ውልቀ ሰባት ይሽየጥን ይልወጥን ነይሩ - ብሓጺሩ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብቕጽበት ጀሚሩን ዓሚሩን፡፡

ካብ ከተማ ዓዲ ግራት ናብ ዛላምበሳ ክንከይድ እንከለና ገያሾ ብዛዕባ ኣብቲ ሰሙን ዝረኣዩዎን ዝሰምዑዎን ብዙሕ ዛንታታት የዋግዑና ነይሮም፡፡ ካብቲ ብዙሕ ዝሰማዕኩዎ ዕላላት ኣብ ሓንጎለይ ተሳኢላ ዝተረፈት ፈጺመ ዘይርስዓ ሓንቲ ዕላል ኣላ።

ሓንቲ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኤትዮ-ኤርትራ ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ዝነበረት ጎርዞ፡ ቁሩብ ናይ ኣአምሮ ምህዋኽ ኣጋጢምዋ ኣብ ስግር ሰንዓፈ ናብ ዝርከቡ ኣዝማዳ መድሃኒት ክተምጽእ ገስጊሳ ከደት።

ስድራኣ ሕጂ መጸት ዳሕራይ እናበሉ ከቋምቱ ምድሪ መስዩ፡፡ 'ምስ ኣሕዋታ ትጻወት ትህሉ' ኢሎም ምስ ወግሐ ክርእዩዋ ተተስፍዮም ደቀሱ፡፡ እቲ ሽዑ ለይቲ ዝኾነ ነገር ግን ዝተጸበዩዎ ኣይነበረን፡፡

ኲናት ተወሊዑ ሓዲሩ፡፡ ብድሕሪኡ ኣይተራኸቡን፡፡ ክሳብ እቲ ዶብ ዝኽፈት ብዛዕባ ሃለዋታ ዝፈልጥዎ ኣይነበረን፡፡

ትማል 2018 ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ ዶባት ምስተኸፍተ ድሕሪ 20 ዓመታት ገጽ ንገጽ ተራኣእዮም፡፡ ሓጎሶም ወሰን ኣይነበሮን፡፡ እንተኾነ እታ ኣብቲ ቀሊል ሕማም ዝነበራ ጎርዞ፡ ሕማም ኣእምሮኣ ገዲዱ ስድራኣ እኳ ኣብዘይትዝክረሉ ኩነታት ረኺቦምዋ፡፡ ብዙሕ ነባሪ እቲ ከባቢ ልቢ ወለድ እምበር ሓቀኛ ዛንታ ዘይመስል ስምዒት ዝትንክፍ፣ ልቢ ዝሰብር፣ ንብዓት ዘውሕዝ ታሪኽ ኣለዎ. . .።

ካብ ከባቢ ከተማ ፋጺ ጀሚሩ ኣብ እንዳ ተወልደ መድህን፣ ጸግዓ ጸግዒ ኣንበሰተ ገለባን ከተማ ዛላምበሳን ብውልቅን ብጉጅለን እናውግዑ ዝኸዱ ወታሃደራት ኤርትራ ምስረኣኹ እየ ብትኽክል እዘን ክልተ ሃገራት ሰላም ከምዘውረደን ኣሚነ፡፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ክዛውኑ ዝረአናዮም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መብዛሕተኦም ወታሃደራት ኤርትራ እዮም፡፡

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ነታ ኣብ መንጎ ዛላምበሳን ሰርሓን ንኽልቲአን ሃገራት ፈላልያተን ዝጸንሐትን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕቲ ዝፈረሰትን ናይ እምኒ ኳና ክርእያ ከይደ ነይረ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዶብ ምስ ዝሕልዉ ዝነበሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ እናኣዕለልና ሓደ ብወገን ዛላምበሳ ብእግሩ ዝመጽአ ኤርትራዊ ወታሃደር ተሓዊሱና፡፡

''ትግርኛ ትዛረብ ዲኻ'' ምስበለኒ ኣትኵረ ምስ ረአኹዎ ወተሃደር ኤርትራ እዩ። ክሳብ እቲ እዋን ንወታሃደር ኤርትራ ብቐረባ ክርኢ ንፈለማ እዩ ነይሩ።

''እወ ይዛረብ እየ'' ኢለ መሊሰሉ፡፡ ተሓቛቚፍና ሰላምታ ተላዋዊጥና፡፡ ዘይፋለጡ ሰባት ንመስል ኣይነበርናን፡፡

''ኣምሓርኛ ስለዘይክእል ስቕ ኢለ እየ ዝሓልፎም'' ኢሉኒ ናብቶም ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኢዱ ንሰላምታ እናዘርገሐ፡፡

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣልዒልና፡ ኣብ መንጎኦም ከምተርጓሚ ኮይነ ቁሩብ ኣዕሊልና፡፡ ንዓመታት ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ዝተሓላለዉ ናይ ክልተ ጸላእቲ ወታሃደራት ኣይመስሉን፡፡ ዝደኸመ ገጾም ነዊሕ ዕረፍትን ሩፍታን ዝደሊ ይመስል፡፡

ንወገን ሰርሓ ቅድሚ ምስጋርና ምስቶም ወታሃደራት ተሓቛቚፍና ስእሊ ተሳኢልና፡፡

እቲ ሽሙ ዘይዝክሮ ኤርትራዊ ወታሃደር፡ ናብቶም ናብ ኤርትራ ዝኣቱን ዝወጽእን ሰብ ዝምዝግቡ ዝነበሩ (ናብ ኢትዮጵያ ከምኡ ኣይነበረን) ወታሃደራት ብኢዱ እናመልከተ፡ '' ኣብዚኣ እየ ዝሕሉ ዘለኹ፡ ሓደራኻ ነዘን ስእልታት ኣሕጺብካ ስደደለይ፡፡ '' ኢሉ ተፈልዩና፡፡

ድሕሪ ሰዓታት ድማ ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዳዊት ሽላን ኣብ ትግራይ ምስ ዝነበሩ ወላዲኡ ኣቦይ ገብረ ሰንበት ድሕሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዶብ እተን ሃገራት ክራኸቡ ብዓይንና ርኢና፡፡ ኣዝዩ ልቢ ዝትንክፍ ህሞት ነይሩ፡፡

ዶብ ዛላምበሳ ምስተኸፈተ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ወሲኑ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት እንግዶት ተገይሩሉ፡፡ እቲ ኩነታት ንዝተዓዘበ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ብቐረባ ምዕባለታት ክርኢ ዕድል ዝረኸበ ሰብ ትንሳኤ እቲ ዞባ ኣብ ቀረባ እዩ ዘብል ነበረ፡፡

ተቐልቂላ ዝጠፍአት ኮኸብ ሰላም

እንተኾነ፡ በሪ ንግዳውን መጓዓዝያን ዝነበሩ፡ ዶባት ዛላምበሳ- ሰርሓን ራማ- ክሳድ ዒቃን ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዘ ዳግም ተዓጽዮም፡፡

ኣነን መሓዙተይን ብወረ እንፈልጦ ምድር ባሕርን ኤርትራ ንምብጻሕ ዝነበረና መደብ፡ ነቲ ስእሊ ኣሕጺበ ክወስደሉ ቃል ዝኣተኹሉ ወታሃደር ንምርካብ ዝነበረኒ ሓሳብ ተኾሊፉ።

ዋላኳ ከም መጠን ክልተ ሃገራት ርክባት ንግዲ ንቡር መስርሕ ክኽተል ትጽቢት ዝግበረሉ እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቲ መስርሕ ሰላምን ምዕባለታቱን ዕላዊ መግለጺታት ይወሃቡ ስለዘይነበሩ ኣብ ህዝቢ ስግኣት ፈጢሩ፡፡

ግን ከኣ ህዝቢ ተስፋ ኣይቆረጸን። እቲ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝሰማማዓሉ ዘየሰሓሕብ ንቡር ሕጋዊ ቅጥዒ ሒዙ ክጅምር እዩ ብማለት ስሩዕ ንግዲ ክጅምር ክርኢ ንኣዋርሕ ብተስፋ ተጸብዩ።

እንተኾነ እቲ ንነዊሕ ዝሓለሙዎን ተስፋ ዝገበሩሉን ዘይኮነስ ካልእ ዝገደደ ንተስፋ ክልቲኡ አህዛብ ዘጽልመተ ደልሃመት ሰዓበ።

ኣብ መስርሕ ዘተ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ተገሊልና ዝብል ቅሬታ ዝነበሮም መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮም ርክብ እናሓርፈፈን እቲ ዝነበረ ወጥሪ እናተጋደደን ብምኻዱ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝነበረ ተስፋ እናማህመነ ከይዱ፡፡

እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ዝተቐበለ ዶክተር ኣቢይን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዶክተር ደብረጽየንን ናይ ቃለት ኵናት ጀሚሩን ጕሂሩን። ዶር ኣቢይ ኣብ መዓስከር ሳዋ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከኣ ኣብ ሓይሊ ኣየር ደብረ-ዘይቲ ምስ በጽሑ እቲ ወጥሪ ዓብዩ።

ህወሓት፡ እቲ "ወያነ ገይም ኦቨር" ብማለት ዕርቀ ሰላም ዝተቐበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ወጊኑ ክወግኣና'ዩ ብዝብል ሻቕሎት ሰራዊት ዓሊሙ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካየደ። ኩሉ ገር ኣብ ሓጺር ግዜ ኵናት ኵናት ሸተተ።

ገሊኡ ሰብ እዞም ብኵናት ዝሰክሑ ሓይልታት ንምፍርራሕ እንተዘይኮይኑ ሳዕቤን ኩናት ስለዝፈልጡስ ናብ ኵናት ኣይከፍቱን እዮም ክብል እንከሎ ገሊኡ ግን "የሕጽሮ እምበር ኵናትስ ዘይተርፍ እዩ" ይብል ነበረ።

ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም (4 ሕዳር 2020 ብግእዝ) ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ኲናት ምስ ተወለዐ እቲ ዝተፈርሐ ጋህዲ ኮነ።

ቅድሚ ሳልስቲ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ኤርትራን ክወግኡና ምቅርራብ ወዲኦም ኣለው ዝበለ መራሒ ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ሰሜን እዝ ምስተወቕዐ ኩሉ ትግራዋይ ንክብሩ ክከላኸል ክኸትት ጸውዐ።

ኣብቲ ኵናት እቶም ንዕስራ ዓመታት ኣብ ቅርሕንቲ ዝነበሩ ሰራዊት ኢትዮጵያን ( ኤርትራን (ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተጋሩ ድሮ ኣብ ኩናት ሰሜን እዝ ስለዝተፈልዩ) ሓበራዊ ግንባር ፈጢሮም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ጀሚሮም።

ዋላኳ እቶም ዝኽሰሱ ወገናት ኣሉታ እንተሃቡሉ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብቲ ኲናት ብሽርክነት ዝተሳተፉ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰታት ከምዝፈጸሙ ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም፡፡

እቲ ዘሕዝን ግን እዞም ክልተ አህዛብ፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ዶባት ዝርከቡ ስድራታት ድሕሪ ክልተ ነዋሕቲ ዓሰርተ ዓመታት ተቐልቂላ ዝበሉዋ ኮኸብ ሰላም፡ ዳግም ብደማዊ ኲናት ጠፊኣ፡፡

ደጊም ፈሪሱ'ዩ ተባሂሉ ዝተዓለለሉ መንደቕ ምፍልላይ ዳግም ብዝኸፍአ መልክዑ ብህልኽን ጠበንጃን ይንደቕ ኣሎ።

እታ ሓቀኛ ሰላምን ምርኻብን ግን መዓዝ ኮን ትኸውን? ንሱስ ፈጣሪ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ፡፡