ንዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰዳናውያን 'ንዅላትና ክቐትሉና ኣይክእሉን እዮም' ይብሉ

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ሓርጎጽጎጽ መገዲ ደሞክራሲ ዓጽዩ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ምስገበረ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ጐደናታት፡ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ብተቓውሞ ህዝብን ግዝያዊ ሓጹርን አዕለቕሊቑ ይርከብ።

ሕጂ ግን እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብዘተ ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት ስለዝተፈጥረ፡ እቲ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ዝተነብረ ሓጹርን ዝተክክኽ ጎማታት ተኣልዩ ተሽከርከርቲ ንኺሓልፋ ተፈቒዱ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ዝኾነ መጥቃዕቲ እንተፈጺሙ እቲ ዕግታ መገዲ ክቕጽልን ተቓውሞ ክባራዕ ከም ዝኽእል ሰፊሕ እምነት ኣሎ ።

ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕነት ኣንስትን ቈልዑን ክትከላኸል ዕማም ዝተዋህባ ሱሊማ ኤልኻሊፋ "ብዘይካ ዘተ ካልእ መገዲ የለን" ክትብል ተዛሪባ።

"ኣብዚ እዋን ሰባት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ቘሪጾም ተላዒሎም ኣለዉ ። ፖለቲካዊ ንቕሓት እውን ይዓቢ'ሎ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት እንደገና ብምልኪ ኣይንግዛእን ኢና። መንእሰይ ሱዳን ንልዕሊ 50% ህዝቢ እዛ ሃገር ይውክል እዩ። ነዚ መንግስቲ'ዚ ከምዘይንደልዮ ንጹር እዩ። ንዅላትና ክቐትሉና ከኣ ኣይክእሉን እዮም። ነዚ ሕልሚ እዚ ክቐትልዎ ኣይክእሉን እዮም " ኢላ።

'ሰራዊት ከም እንስሳ እዩ'

እቲ ብዕልዋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ ኣብ ቤት ተሓይሩ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዝነበሮ'ዩ ዝመስል።

ሚስ ኤልኻሊፋ፡ "ሓምዶክ ኣብ ቃሉ ዝጽንዕ ሰብኣይ እዩ፣ ስለዚ ከኣ እዮም ሰባት [ቊጠባዊ ጸገማት እውን እናሃለዎም] ንሓምዶክ ዝኣምኑሉ" ትብልሞ ብምቕጻል ከኣ "ግብጽን ስዑድያን እቶም ካልኦት ንዕልዋ ዝድግፉ ሰባት ሓሳቦም ክቕይሩ ተስፋ ንገብር" ኢላ።

ኣብ ካርቱም ናይ ግሊ ሮያል ኬር ሆስፒታል ዝሕከሙ ዘለው ግዳያት ደገፍቲ ዕልዋ ወተሃደራዊ ልዑል ቈራጽነት ነይርዎም ።

ሙሃየድ ፈይሰል ዝስሙ ወዲ 18 ዓመት ተመሃራይ፡ ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ኣእጋሩ ብክልተ ጥይት ተሃሪሙ።

"ምስ ትሽዓተ ሰባት እየ ተወጊአ። ንመጠንቀቕታ እኳ [ንላዕሊ ኣይተኮሱን] ብቐጥታ ተዅሲ ጀሚሮም። ወተሃደራት፡ ከም እንስሳ እዮም። ምናልባት እውን እንስሳታት ይሕሹ ይዀኑ "

ሕጂ ኣብ የማናይ እግሩ ሰለስተ መጥባሕቲ ተገይርሉ። "ሕቶና ኣይተቐየረን - ሰራዊት ኣይገዝኣናን እዩ" እናበለ፡ ሓደ ሓኪም ድሕሪ መጥባሕቲ ናብ ውንኡ ተመሊሱ እንተኾይኑ ምስተንከፎ ከምዝተበራበረ ይገልጽ።

ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረት ዓራት፡ ወዲ 54 ዓመት ሰፋይ ክዳን ያሲር መሓመድ ዓሊ ዓብዱላ በዝማዱ ተኸቢቡ ነበረ። ዕልዋ መንግስቲ ምስተፈጸመ፡ ካብ ድኳኑ ወጺኡ ናብቲ ተቓውሞ ክጽንበር እንከሎ ኣብ ጥቓ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ሓንቲ መኪና ደይ መደይ ኢላ ረጊጻቶ ከይዳ።

"ብድሕሪኡ፡ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሰባት መጺኦም ኣብ ዝባነይን ኣብ ኣፍልበይን ብበትሪ ቀጥቂጦምኒ። ናብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓርነት ሰላምን ፍትሕን ክሓትት እየ ዝኸይድ ነይረ። እቶም ሰራዊት መሰልና ከረጋግጹ ዘይክእሉ እንተኾይኖም፡ ዩኒፎርምታቶም ኣውጺኦም፡ ነቶም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ ኪሓድግሎም ኣለዎም" ኢሉ።

ነቲ ብ2019 ስልጣን ዝሓዘ ንወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኣልበሽር ዝቃወሙ ]ይልታት፡ ብዛዕባ ቅርጽን ዕድልን ናይ'ቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሳተፉ ዝተፈላለዩ ወገናት ወይ ውድባት ግምታዊ ግምታት ኣሎ።

እንተዀነ ግን፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ዲፕሎማስያውን ካልእ ምንጭታት ኣብቲ ብድርኺት ሓያል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ዝካየድ ዝርርብ ርእይቶኦም ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

መራሒ ዕልዋ መንግስቲ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ " ሰራዊት፡ ውግእ ሓድሕድ ንከይለዓል እዩ ጣልቃ ኣትዩ" ይብል።

ኣፈኛ ኣልቡርሃን ጡረተኛ ኣድሚራል ፈታሕ ኣል-ራሕማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ ከም ዘይነበረ "ግዜ" ከርእየና እዩ። ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ መሊስና ህዝባዊ ምርጫ ክንገብር ኢና። ሽዑ ሰራዊት ጠቕሊሉ ክወጽእ'ዩ" ኢሉ።

ብቢልዮናት ዝቝጸር ከሳራ ስዒቡ

ሓደ ካብቲ ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ ብወተሃደራት እተዓጽወ ትካል፡ እቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮሚተ እዩ ነይሩ። እቲ ትካል፡ ነቲ ኣብ ስርዓት ኣልበሽር ብሓያሎ ሰባት ተሰሪቑ እተባህለ ቊጠባዊ ሃብቲ ንምጽራይን ንምምላስን ዝተፈጥረ ኮሚተ እዩ ነይሩ።

ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ እቲ ዕልዋ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ኮሚተ ዝነበረ ዋጅዲ ሳልሕ፡ እቲ ክፍልን ናይ ወንጀለኛታት ዝበሎም ንመርትዖ ዝኸውን ፋይላትን ንቢቢሲ ኣርእዩ።

"እዞም ሰባት እዚኦም፡ ገለ ካብቲ ኣብዛ ምድሪ ዝግበር ዝዓበየ ናይ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዕድጊ ንጥፈታት ዘካይዱ ሰባት እዮም። ሕጂ ነቲ ዝጠፍአ ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ንሃድኖ ኣለና። እቲ ኣረጊት ስርዓት [ነቲ ሰውራ ንምትዕንቓፍ] ይጽዕር እኳ እንተሎ ግን ፈጺሙ ኣይክሰልጦን እዩ " ኢሉ ።

ንሱ ኣብዚ ዕልዋ'ዚ ተታሒዙ ምስ ብዙሓት ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝነበሩ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።

"ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብኣጻራይት ኮሚተ እተገብረ ምርምር፡ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ወርቅን ገንዘብን ጀሚርካ ዝተፈላለየ መሸጣን ኮሚሽንን ዝርከቦ ልዑል መጠን ብልሽውና ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ "ይብል ካብ ምጅማር እቲ ሰውራ ኣትሒዙ ኣብ ተለቪዥን ሱዳን ዝሰርሕ ዘሎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሞሃናድ ሓሺም።

ኣድሚራል ኣል-ራሕማን ብወገኑ፡ እቲ ኮሚተ "በቲ ሕጊ ተጠቒሙ ሓድሽ ዓይነት ብልሽውና ክፈጥር ጸኒሑ" ይብል።

"እቶም ዝሰረቑ ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም። ግን ከኣ ፍትሓዊ መስርሕ ክኸውን ኣለዎ " ይብል ።

ኣብ እዋን እቲ ዕልዋ ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ወደብ ሕጂ ተላዒሉ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ ኣካል እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ቁጠባዊ ጸቕጢ ንከጋጥሞ ክብል ነቲ ዕግታ ወደብ ከምዝፈጸሞ እዩ ዝጥርጠር።

ሕጂ ግን ኣብ ካርቱም ብዙሕ ቀረባት መግብን ምምሕያሽ ዋጋታትን ተራእዩ ኣሎ ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ዕልዋ መንግስቲ ዘካይዱ ሰባት፡ ነቲ ዕዮኦም ብገለ ክንክን ባይታ ዘጣጥሑሉ ዘለው እኳ እንተ መሰሉ፡ ነቲ ብቝጠባዊ ጸገማት እናተሸገረ ክነሱ፡ ነቲ ሰውራ ንምቕጻል ቈሪጹ ኣብ "ጐደናታት" ዝወጽአ ህዝቢ ብጌጋ ዝረኣይዎ እዮም ዝመስሉ።