መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኒው-ዮርክ ቅድሚ 20 ዓመት-ዝኽሪ ኣቶ ዛይድ ተስፋማርያም

ትዊን ታወርስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰሉስ 11 መስከረም 2001 ህዝቢ ኣመሪካ ዕለታዊ ዋኒኑ ከካይድ ነናብ ስርሑ እናገስገሰ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኒው ዮርክ ምድሪ ዘንቀጥቀጠ ብርቱዕ ነትጕን ዒግታ ትክን ተራእዩ።

"እንታይ ተረኽበ" ኢሉ ዝሰምበደ ነባሪ እታ ከተማ ከኣ ከካብ ቤቱን ስርሑን ንግዳም ወጺኡ ናብቲ እናተዓዃለለ ንሰማይ ዝዓርግ ዝነበረ ዒግታ ትኪ ኣቋመተ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንእለቱ "ሰበር ዜና" ብምባል፡ ሓንቲ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ምስ ሓንቲ ካብተን መለለይ ከተማ ኒውዮርክ ዝኾነት ህንጻ ዓለማዊ ንግድ ተጋጭያ ከምዝደወቐት ክሕብራ እንከለዋ፡ ኣቶ ዛይድ ተስፋማርያም፡ እቲ ሽዑ ንግሆ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናት ዘብጽሖ "ውላድካ ሓሚሙ ኣሎ እሞ መጺእካ ውሰዶ" ስለዝተባህለ ብታክሲ ናብቲ ቤት ትምህርቲ እናተጓዕዘ ብሬድዮ ናይታ ታክሲ እዩ ነቲ ዜና ሰሚዑዎ።

ሻቕሎት ውላዱ እኳ እንተነበሮ፡ ምስቲ መራሕ ታክሲ በቶም ሓደጋ ዘጋጠሞም ግዳያት ተደናጊጾም "መሳኪን" ተበሃሂሎም።

ግን ደሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ እቲ ሰበር ዜና ዝነገረ ጋዜጠኛ፡ "እንደገና ካልኣይቲ ገያሾ ዝጸዓነት ነፋሪት ምስታ ካልአይቲ ህንጻ ተጋጭያ ወዲቓ።

እዚ ተግባር ከኣ " ግብረ ሽበራዊ'ዩ ዝመስል" ክብል ምስ ሓበረ ምስቲ መራሕ ታክሲ "ሳልሰይቲ ነፋሪት'ከ ምስ ኣየናይ ህንጻ እያ ክትገጮ" ብምባል ብሻቕሎት ተዘራረቡ።

ሽዑ ንግሆ ኣቶ ዛይድ ከም ወትሩ ምስ ስድርኡ ኣንጊሁ ተንሲኡ ቁርሶም ቆራሪሶም፡ "ብሩኽ መዓልቲ!" ተበሃሂሎም፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት እትሰርሕ በዓልቲ ቤቱ ናብ ስርሓ፡ ዓባይ ጓሎም ናብ ትምህርታ፡ ንሱ ከኣ ንወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወዱ ናብ ትምህርቲ ኣብጺሑ'ዩ ንስርሑ ከይዱ።

እንተኾነ ንወዱ ኣብጺሑ ስራሕ ክበጽሕን "ወድኻ ሓሚሙ ኣሎ ናዓ ውሰዶ" ክበሃልን ግዜ ኣይወሰደን። ኣብ ከምቲ ኩነታት እዩ እምበኣር ማእከል ከተማ ኒው ዮርክ ብሃልሃልታ ትክን ባርዕን ብደሮናን ድምጺ መጥፋእቲ ሓውን ኣምቡላንስ ክትናወጽ ዝጀመረት።

ዛይድ ተስፋማርያም

ምንጪ ስእሊ, ዛይድ

መግለጺ ስእሊ, ዛይድ ተስፋማርያም

ዝኽሪ ኣቶ ዛይድ ተስፋማርያም ክሳብ እዚ እዋን ህያው እዩ። ብዛዕባ እታ ዕለትን ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜን ብደቂቕ እዩ ዝዝክሮ።

ውላዱ ሒዙ ብቐጥታ ናብ ስርሑ እዩ ከይዱ። ኣብቲ ዝሰርሓሉ ካብ ማእከል ከተማ ብባቡር ናይ 45 ደቒቕ ርሕቀት ዝርከብ ዓቢ ሕክምና ኒው ዮርክ፡ መዘናግዐዒ ቖልዑ ስለዘሎ ምስኡ ከውዕሎ እዩ፡ ንውላዱ ንስርሑ ሒዙዎ ከይዱ።

እንተኾነ እቲ ኣብታ ከተማ ዝወረደ ብርቱዕ ነጎድጓድ ድምጽን ትክን ሃልሃልታን ንማንም ሰብ ስርሑ ክቕጽል ኣይሓገዞን።

ኩሉ ሰብ ንግዳም ወጺኡ፡ ገሊኡ ናብ ዝበረኸ ቴራሶ ናይቲ ዝሰርሓሉን ዝነብረሉን ቴራሶታት እናወጽአ ናብቲ ንሰማይ ዝዓርግ ዝነበረ ትኪ የቋምት ነበረ።

ኣብተን ሓደጋ ዘጋጠመን ህንጻታትን ኣብ ጥቕኡን ብዝሰርሑ ቀረባ ቤተ-ሰብ፡ ብሰብኣያ ወይ ብሰበይቱ ብሓው ወይ ሓፍቱ፡ ዓርኩን ጎረቤቱን ዝተሻቐለ ሰብ ኩሉ፡ ደሃይ ደሕነት ከጣልል ብሞባይል እናደወለ ዕግርግር ክብል ጀመረ።

ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሻቕሎት

ኣቶ ዛይድ'ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብእትሰርሕ በዓልቲ ቤቱ ተሻቐለ። ኣብቲ ህንጻ ዝሰርሕ ቀዳማይ ግዳይ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሕ ወይ ዓዲ ክበጽሕ ክዛወር ዝመጽአ ገያሻይ፡ ካብን ናብን ዝመላለሱ መራሕቲ ታክሲ ኩሉ ኣብ ሊስታ ሓደጋ እዮም ተሰሪዖም።

ሚድያታት ኣመሪካ ነቲ ፍጻሜ ንመላእ ዓለም ብቐጥታ ከመሓላልፈኦ ምስ ጀመራ ኣቶ ዛይድን መሳርሕቱን ኣብቲ ኒውዮርክን ካልእ ክፋል ኣመሪካ ኣብ ፔንታጎን ዝተፈተነ መጥቃዕትን ብጽሞና ይከታተሉ ነበሩ።

ኩሉ ሰብ ንምዕባለ እቲ ዜና ክከታተል ምሳሕ እውን ኣይዘከረን። ቅድሚ ቀረባ እዋን ኣብቲ ዓለማዊ ንግድ ህንጻ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ናብ ካልእ ትካል ዝኸደት ቀረባ መሳርሕቱ ስለዝነበረት ብዛዕብኣ እውን ሓሰበ።

ሰይቲ ሓለቕኡ ኣብቲ ህንጻ ስለእትሰርሕ በዓል ቤታ ኦሮማይ ብማለት ብሻቕሎት ክሕቆን ጸኒሑ፡ ሰዓት ሰለስተ ኣቢሉ ምስ ኮነ ሞባይሉ ደወለት።

በዓልቲ ቤቱ እያ ነይራ። ድምጻ ምስ ሰምዐ ግን ኣየዘራረባን። ብኽቱር ስምባደን ታሕጓስን "ካብቲ ሓደጋ እትስ ናይ ብሓቂ ሰብ ድሒኑ" ብምባል ነታ ስልኪ ካብ ኢዱ ደርብዩ ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሖ ሰብ ከከይዱ ክሓቚፎም ጀመረ።

ካልእ ሰብ ነታ ዝተደርበየት ሞባይል ኣልዒሉ ነታ ደዋሊት ኣዘራሪቡዋ። "ረሲዑዎ እምበር ናይ ስኒ ቆጸራ ስለዝነበረኒ ስራሕ ከይኣተኹ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ" ክትብል ሓበረቶ።

ኣቶ ዛይድ'ውን ድሕሪ ቁሩብ ደሃይ በዓልቲ ቤቱ ሰሚዑ'ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ መጸበይ ሕሙማትን ክፍልታትን ዝተተኽላ ቴሌቪዥናት ክሳብ እቲ እዋን ዘዝረኸበኦ ሓበሬታ የርእያ ነበራ።

ኩሉ ምንቅስቓስ እታ ማእከል ንግድ ዓለም ከተማ ኒው-ዮርክ ንእለቱ እዩ ደስኪሉ። ብዘይካ መካይን መጥፋእቲ ሓውን ኣምቡላስንስ ዳርጋ ዝንቀሳቐስ የሎን።

ኩለን ባቡራት ኣገልግሎት ኣቋሪጸን እየን። ተገልገልቲ እተመላልስ ባቡር የላን። ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠሞ ከባቢ ዝጸንሐ ሰብ ዋላ እውን እንተዘይተሃርመ ብደሮና እቲ ንሰማይ ዝተበተነ ሓመድ ፍርስራስ ህንጻ ኣብ እንዳ ጠሓኒት ዝወዓለ እዩ ዝመስል።

ድሕሪ ገለ መዓልታት በቲ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 6000 ከምዝቖሰሉን ወግዓዊ ኮይኑ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር እዩ ከኣ ተባህለ። ኣብቲ ሓደጋ ወሃብቲ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣባላት መጥፋእቲ ሓውን ፖሊስ ብድምር ልዕሊ 400 ሰባት ሞይቶም።

ካብቶም ዝሞቱ እቶም 2,605 ዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኾኑ እንከለው 372 ዜጋታት 90 ሃገራት ነይሮም።

ደቂ ህንዲ፡ ግሪኽ፡ ደቂ ሪፓብሊክ ዶመኒካ፡ ደቡብ ኮርያ ካናዳ፡ ጃፓን፡ ኮሎምቢያ፡ ፊሊፒንስ፡ ሜክሲኮ፡ ኣውስትራልያ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ባንግላዴሽ፡ ኣየርላንድ፡ ብዙሓት ካልኦትን፡ ክልተ እውን ኢትዮጵያውያን ነይሮም።

ኣቶ ዛይድ ንምሸቱ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ገዛ ምስተኣኻኸቡ፡ ደሃይ ውዕለቶም ተለዋዊጦም ካብቲ ዝወረደ መዓት ንዘድሓኖም ፈጣሪ ኣመስጊኖም መመዳቕሰኦም ሓዙ።

ግን እቲ ብቴሌቪዥን ብኣካልን ክርእዩዎ ዝወዓሉ ልዋም ኣይሃቦምን። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዓብን ማንም ዘይተጸበዮን ስለዝነበረ እቲ ዜና ንዳርጋ ወርሒ መመላእታ እዩ ቀጺሉ።

መዓልታዊ ነናብ ስርሖም እናክኸዱ ከኣ ካልእ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከየጋጥም ስክፍታን ሻቕሎትን ነበሮም። ኣብቲ ብኦሳማ ቢንላደን ዝምራሕ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ከምዝተፈጸመ ንዓለም ዝተነግረ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈ ዛይድ ዝስሙ ሰብ ነበረ - ይዝክር ኣቶ ዛይድ።

ዘጋጠሞ ጸገማት

ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ ሓደ ንነዊሕ እዋን ሓቢሩዎ ዝሰርሐ ወዲ ጋያና፡ " ኣቶ ዛይድ ወዲ ኣበይ ሃገር ኢኻ" ክብል ከም ዋዛ ሓተቶ። ኣቶ ዛይድ ስለምንታይ ከምዝሓተቶ ስለዝተረደኦ "እስከ ገምት ካበየነይቲ ሃገር ናይዛ ዓለም ይመስለካ" በሎ'ሞ፡ ብስዕዲ ዓረብ ጀሚሩ፡ ንሶርያ፡ ጆርዳን፡ ዒራቕ፡ ክውየት፡ የመን፡ ኣልጀርያ፡ በብሓደ ሰመየን።

ከምኡ ምግማቱ ኣቶ ዛይድ ዓረባዊ መልክዕ ስለዝነበሮ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኤርትራዊ ምዃኑ ገለጸሉ'ሞ ክሳብ ሽዑ ሰሚዑዋ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ ሓንቲ ሃገር ከምዝፈለጠ ሓበሮ።

ግን ኣብኡ ኣይውደአን ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ ከኣ እንደገና እቲ ሓታታይ "ኣቶ ዛይድ ክርስትያን ዲኻ ኣስላማይ" ክብል ሕቶ ወሰኸሉ።

እቲ ምኽንያት ኣይጠፍኦን ኣቶ ዛይድ፡ ኣነ ክርስትያን እየ፡ እዚ ወሪዱ ዘሎ መዓት ግብረ ሽበራ ከኣ ንኹሉ ወገን ኣየናሕሰየን። ዓሌት ሃይማኖት ሕብሪ መበቆል ኣይፈለየን እሞ፡ ብመልክዕን ምስልን ስምን ዘይኮነ ከም ደቂ ሰባት ኬይንና ንሕሰብ ክብል መለሰሉ።

"እቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ እቲ ኣብ ሰባት ዘስዓቦ ኣካላዊ ሃስያን ሞትን ኣብ ቁጠባ ዘውረዶ ዕንወትን ድቀትን ኣብ አእምሮ ሰባት ዝገደፎ ናይ ምጥርጣርን ምፍልላይን በሰላ ይዛይድ" ይብል ኣቶ ዛይድ።

ክሳብ ሽዑ ብፍቕሪ ዝረኣኣዩ ዝነበሩ ጎረባብቲ ክጠራጠሩን ኣብ ዝኾነ መገዲ ኣብ ባቡር ኣብ መኪና ኣብ ኣውቶቡስ ብመልክዕን ሽምን ሰባት ክትጥርጥርን ቀባሕባሕ ምባልን ከምዝጀመረ ይዝክር።

ኣቶ ዛይድ ኣብ ኤርትራ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ፤ ኣብኡ ተማሂሩ፡ ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ብዝነበሮ ተሳትፎ ተጠርጢሩ ተኣሲሩ፡ ኣብ ማርያም ግንቢ ተኣሲሩን ተገሪፉን፡ ንኽልተ ዓመት ተኣሲሩ፡ ዕድል ገይሩ ተፈቲሑ፡ ነቲ ኣቐዲሙ እናተማህረ ዝዛዘሞ ናይ ኣካውንቲንግ ዲግሪ፡ ብኢኮኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ወዲኡ እዩ ናብ ኣመሪካ ብ1998 ተሰዲዱ።

ዕድል ገይሩ ከኣ ብሞይኡ ስራሕ ረኺቡ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ስዒቦሞ ንኣምላኹ እናመስገነ ጽቡቕ ይነብር ኣሎ። ንኹሉ ኤርትራዊ ሓው ሓፍቲ፡ እቲ ብስደት ካብ ዓዱ ዘርሕቕ ዘሎ ከምቲ ንሱ ዝነብሮ ዘሎን ልዕሊኡን ክነብር ይምነን ይጽልን።

"ክገብሮ እየ እንተይልካ ዘይግበር ነገር ስለዘየለ ኩሉ ሰብ በታ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ክመሃርን ነብሱ ከማዕብልን ይምሕጸን" ከኣ ይብል።

''እዚ ሎሚ 20 ዓመቱ ገይሩ ዘሎ ግብረ ሽበራን ኣብ ኒው ዮርክን ኣመሪካን ገዱፉዎ ዘሎ በሳላ ቀሊል ኣይኮነን ግን ኩሉ ሳዕ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ ዓለም ዘጋጥም ሽግርን ሓደጋን ናይ ገዛእ ርእሱ ትምህርትን መልእኽትን ስለዘለዎ፡ ንሕና እውን ክንመሃሮ እንኽእል ውሑድ'' ኣይኮነን ይብል ዛይድ።