ቅልውላው ትግራይ፡ ፍሉይ ልኡኽ ባይደን ናብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡትን ኢመራትን ክበጽሕ'ዩ

ቅድሚ ኣዋርሕ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ዝሸሞ ጄፍሪ ፌልትማን ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለያ ሃገር ክበጽሕ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ከምኡ'ውን ናብ ወሽመጥ ዓረብ ምኻድ ድማ ኣብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ምብጻሕ ክገብር እዩ አሉ።

ፌልትማን ካብ ሰንበት 15 ነሓሰ 2021 ጀሚሩ ንዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝገብሮ ምብጻሕ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ክዘራረብ እዩ ተባሂሉ።

ኣማኻሪ ድሕነት ፕሬዝደንት ባይደን ዝኾነ ካጁ ሱሉቫም ዑደት ፌልትማን ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ ፕሬዝደንት ባይደን ፌልትማን "ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን" ናብ ኢትዮጵያ ንክጉዓዝ ሓቲቱዎ ክብል ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ።

ወሲኹ "ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ኣብዛ ዓባይ ሃገር ተወሳኺ ጎንጺ ከልዕል ዝኽእል ከቢድ ስቓይን ምክፍፋልን ኣስዒቡ'ዩ" ብምባል ክልቲኦም ወገናት ብቕልጡፍ ክዛተዩ ሓቲቱ።

ቀንዲ ዕላማ ጉዕዞ ፌልትማን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝለሓኾ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን ጉዕዞ ፌልትማን፡ "ኣመሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ከምኡ'ውን ብልጽግና ንክመጽእ ንምድጋፍ ዘለው ዕድላት ዝምልከት" ዘተ ከም ዝካየድ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ መጀመርታ ካብ 28 ሚያዚያ ክሳብ 5 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናትን ብምኽንያት ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን ብዘተ ንምፍታሕ ናብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ግብጽን ሱዳንን ተጓዒዙ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ዘትዩ።

ካብ 23 ክሳብ 29 ግንቦት 2013 ዓ.ም ንኻልኣይ ግዜ ምብጻሕ ከካይድ እንከሎ ድማ ናብ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ኬንያን ብምኻድ ምስ ሰብ መዚ ተዘራሪቡ።

ኣመሪካ፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ልኡኻታ ናብ ኢትዮጵያ ብምስዳድ ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ክትዘራረብ ጸኒሓ'ያ፤ ቅድም ኢሉ ሴናተር ክሪስ ኩንስ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ ሳማንታ ፓወር ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምኻድ ምስ ገለ ሰብ መዚ እኳ እንተተራኸበት ንቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ግን ክትረኽቦ ኣይክኣለትን።

ኣመሪካ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ከም ዘተሓሳሰባን ኩሎም ወገናት ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም እቲ ጸገም ብዘተ ንክፈትሑዎ ክትሓትት ጸኒሓ እያ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ጻዕሪ ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ኣብ ግምት ዘየእተወን ንሓደ ወገን ዘሻረወን'ዩ ብምባል ግቡእ ዘይኮነ ጸቕጢ ይበጽሐኒ ኣሎ ብምባል ቅርታኡ ክገልጽ ጸኒሑ።

ጄፍሪ ፌልትማን መን እዩ?

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብላዕለዋይ ሓላፍነት ዝሰርሐ፡ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘለዎ ምኩር ዲፕሎማት ምዃኑ ይዝረብ።

ከምኡ’ውን ፌልትማን፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘካተተ ዲፕሊኦማሲ ኣብ ምእላይን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኻየዱ ልዝባት ዕርቅን ስትራተጂ ኣመሪካ ኣብ ምፍጻምን ዓብዪ ተሞክሮ ከምዘለዎ፡ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ወዲ 62 ዓመት ፌልትማን፡ ኣብ መጽናዕቲታት ትካላት ዓለምለኸ ፖለቲካ ርኡይ ግደ ዝነበሮ ምዃኑ’ውን ይዝረብ።

ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን ፖሊሲ ወጻእን ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ባንኪ ሙንን፡ ሕዚ ዘሎ ኣንቶንዮ ጉቱሬዝን ዘማኸረ ኾይኑ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ብተደጋጋሚ መብርሂ ብምሃብ ውን ይፍለጥ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሚኒስተር ወጻኢ ን26 ዓመታት ዘገልገለ ፌልትማን፡ ኣብ ሃገራት ሊባኖስ፣ ዒራቅ፣ እስራኤል፣ ቱኒዝያን፣ ሃንጋሪን ሃይቲን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኮይኑ ሰሪሑ።