ብሪጣንያ ብዘይ ፍቓድ ናብ ሃገራ ንዝኣተው ስደተኛታት ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክትኣስር ምዃና ኣፍሊጣ

ሓላፊት ውሽጣዊ ጉዳይ (ሆም ኢፊስ) ዓባይ ብሪጣንያ ፕሪት ፓተል፡ ነቶም ብወሽመጥ ቻነል ኢንግላንድ ብጀላቡ ዝኣትው ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ፈረንሳ ናይ 54.2 ሚልዮን ፓውንድ ውዕል ከም ዝገበረት ተዛሪባ።

ኣብዚ ዓመት ቍጽሪ እቶም ብቻነል ኢንግሊዝ ዝሰገሩ ዘለው ስደተኛታት ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ስለ ዝበዝሑን ሻቕሎት ስለ ዝፈጠረን እቲ ትካል ብኹሉ ዝኽእሎ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ብፈረንሳ መጺኦም ብቻነል ኢንግሊዝ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ንምግታእ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ዝያዳ ፖሊስን ሓለዋን ንኸዋፍር ዝሕግዝ ናይ 28.2 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢ እኳ እንተገበረት እቲ ዋሕዚ ግን ኣይነከየን።

ኣባል ባይቶ እታ ንዓዲ ኢንግሊዝ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡላ ከተማ ካሌይ ዝኾነ ፒየር-ሀንሪ ዱሞንት ገማገም ባሕሪ ፈረንሳ ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ ብምዃኑ ንሓለዋ ከም ዘጸግም ተዛሪቡ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሚስ ፓተል ብወገና ንኮሚቴ ዘቤታዊ ጕዳያት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ዋሕዚ ስደተኛታት ይውስኽ ከም ዘሎ ኣረዲኣ።

ትማሊ ሰኑይ ጥራይ ኣስታት 430 ስደተኛታት ብፈረንሳ ናብ ኢንግሊዝ ኣትዮም።

ዓሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ 416 ሰባት ንብሪጣንያ ኣትዮም ነይሮም።

እቲ ቑጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ክነጻጸር እንከሎ ገና ኣብ መፋርቕ ናይዛ ዓመት ጥራሕ ካብ ናይ ዓሚ ዝበዝሑ ኣስታት ትሽዓተ ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝኣተው ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰሉስ መንግስታት ለንደንን ፓሪስን ሓለዋ ገማገም ባሕሪ ክውስኽ ተሰማሚዖም።

በዚ ከኣ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገረ ፈረንሳ ነቲ ስደተኛታት ዝሰግርሉ ገማገም ንምሕላውን ዝያዳ ፖሊስ ብምውፋር ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታው ከም ዝተሓባበራ ተሰማሚዐን።

ገሊኦም ግና እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ጽኑዕ ምቁጽጻርን ሓለዋን ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዙሕ ጽልዋ ዘለዎ ኣይመስሎምን ዘሎ።

ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ ቲም ሊተርተን፡ "ንፈረንሳውያን ዕዮ ገዛና ንክሰርሑልና ዝያዳ ገንዘብ ምሃብ፡ ነቲ ጸገም ኣይክፈትሖን እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ጸሓፊት ሆም ኦፊስ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ ነቶም ካብ ካሌይ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምግታእ ዝከኣላ ትገብር ኣላ ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ባሕራ ብኣናእሽቱ ጀላቡ ንዝግበር ምንቅስቓስ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ትከታተሎ ከም ዘላ ግን ከኣ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ እዋን ኣጸቢቑ ከም ዝወሰኸ ሓቢራ።

ዋና ዳይሬክተር ሓለዋ ዶባት ፖል ሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንሳ ልዕሊ 2,100 ዝዀና ጃላቡ ከም ዝሓዘት ብምግላጽ ሎም ዘበን ግን ልዕሊ 6,000 ጀላቡ ከም ዝተቖጻጸረት ብምሕባር ርኡይ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘሎ ኣጕሊሑ።

ኣባል ፓርላማ ካሌይ ሚስተር ዱሞንት ኩሉ ዝከኣል እውን እንተተገብረ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ኣዝዩ ገፊሕ ብምዃኑ፡ እቲ ፈነተ ብዙሕ ጽልዋ ከም ዘይህልዎ ኣረዲኡ ።

"ቅድሚ ሕጂ ፈቲንናዮ፤ ዝያዳ ገንዘብ ኣፍሲስና ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ብምውፋር ዝያዳ ቁጽጽር ገይርና ኢና። ግን ነቶም ዕላማ ዘለዎም ሰባት ናብ ዝደለዩዎ ካብ ምስጋር ክንዓግቶም ኣይከኣልናን። ክንከታተሎን ክንሕልዎን ዘሎና ብዙሕ ኪሎ ሜትር ገምገም ኣለና " ቱደይ ፕሮግራም ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ወሲኹ "ፈረንሳውያን ፖሊስ ኣብ ባሕሪ ጣልቃ ክኣትዉ ትጽቢት ኣይግበረሎምን እዩ" ኢሉ።

ሓለቓ ምክትታል ዶባት ነበር ቶኒ ስሚዝ ግን፡ "ነቶም ሓለዋ ዘካይዱ ዝግባእ ጕንዖ ክወሃቦም" ኣለዎ ኢሉ።

ሚስተር ፓተልን ናይ ፈረንሳ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስተር ጀራል ዳርማኒንን ኣብቲ ስደተኛታት ዝሰግርሉ ቦታ "ውህደት ከበርትዑን ክተሓባበሩን" ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ንሳ ፈረንሳውያን ነቶም ብቻነል ኢንግሊዝ ገይሮም ዶባቶም ንክሕልው ብዛዕባ ዘለዎም ግዴታታት ከም ዝሓበረቶም ንባይቶ ሃገራ ኣረዲኣ።

ንሳቶም ንስደተኛታት ካብ ባሕሪ ከድሕኑ ሓላፍነት ከም ዘለዎምን ዝከኣሎም ይገብሩ ምህላዎምን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕጽፊ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሃገራ ተዋፍሮም ዝነበረት ፖሊስ ከም ዝወሰኸት ሓቢራ።

ቅልጡፍ ፍታሕ የሎን

ተንታኒ ቢቢሲ ኣብ ዶቨር ሳይመን ጆንስ ነቲ ኩነታት ከምዚ ክብል ይገልጾ።

ሎሚ ንግሆ ሓደ ጉጀለ ኣድሕን ሓለዋ ባሕሪ ብሪጣንያ ናብ ገማግም እቲ ውሩይ ጻዕዳ ኣጻድፍ ናይ ዶቨር፡ ንሓደ ጕጅለ ስደተኛታት ሒዞም መጺኦም።

እቲ ባሕሪ ኣዝዩ ህዱእ እዩ። ጸሓይ እውን በሪቓ ኣላ። ስለዚ ሎሚ እዞም ዝረኣናዮም ስደተኛታት ጥራይ ኣይኮኑን ናብዚ ገማግም ክኣትው።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣስታት 1,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ብጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ስለ ዝኣተው ንክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ጸቕጢ ፈጢሩሎም።

ስለ ዝኾነ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ነቲ ዋሕዚ ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ኮይኖም ንምግታእ ዝሕግዝ ተወሳኺ ገንዘብ ንመንግስቲ ኢንግሊዝ ትሓትት።

መንግስቲ ብሪጣንያ ጉዳይ ኣገባብ ዑቕባ ቅልጡፍን ቀሊልን ፍታሕ ከም ዘይብሉ ይርድኦ እዩ። እታ ምኒስተር ግን ምስ ፈረንሳ ብምትሕብባር ቅልጡፍ ለውጢ ከም ዝመጽእ ተስፋ ትገብር።

መንግስቲ ብሪጣንያ ናብ ሃገሩ ብዘይ ፍቓድ ንዝኣትው ስደተኛታት ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክኣስሮም ከም ዝኾነ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

እቲ ሓሳብ ብኣባላት ባይቶ ክውሰንን ንዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከጉድሎ ከም ዝኽእል ተስፋ ኣለዎም።

ይኹን እምበር ነዚ ውሳነ እዚ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት "ፍትሓዊ ኣይኮነን" ብምባል ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለው።