ኤርትራ: መንግስቲ ምህጋርን ምዕጻውን ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ይቕጽሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2018 ንብረትን ትካላትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝወሰዶ ናይ ምህጋርን ምዕጻውን ስጉምቲ ሕጂ እውን ይቕጽሎ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ናብ ምኒስተር ምኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ኣረጋጊጹ።

እቲ ብ26 ግንቦት 2021 ዝተጻሕፈ ናይ ኣቤቱታ ደብዳበ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ብእየሱስ ክርስቶስ ካብ እትትከል ኣትሒዛ ንደቂ ሰባት ንምግልጋል ከምእትሰርሕ፤ ኣብ ኤርትራ ከኣ፡ ኣብ ግዜ ጸበባ ኮነ ራህዋ፡ ካብ ህዝቢ ከይተፈልየት፡ መንፈሳውን ስጋውን ኣገልግሎት ብምቕራብ፡ ንህዝቢ ብዘይ ሌላን ጉሌላን፡ ቋንቋን ዓሌትን፡ ሃይማኖትን እምነትን፡ ከምእተገልግል ብምዝኽኻር መንግስቲ ኤርትራ እናሓደረ ንብረታን ትካላታን ክወርስ ግቡእን ፍትሓውን ከምዘይኮነ ይጠቅስ።

ሕጂ እውን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኤጳርቃና ሰገነይቲ፡ ኣስመራን ከረንን ዝመሓደራ፡ ኣብ ዓሰብ፣ ዓዲፊኒዕ፣ ዓላ ላዕላይ፣ ማይሓራሳት፣ ተከላቢ፣ ጊንዳዕ፣ እምባትካላን ኣፍዓበትን ንዝርከባ ኣርባዕተ መውዓል ሕጻናት፡ ኣርባዕተ መባእታን ሐንቲ ማእከይ ደረጃ ብድምር ትሽዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓጸወ እቲ ደብዳበ የመልክት።

እቲ ደብዳበ ወሲኸዑ'ውን ፡ ኣብ ኤጳርቃና ባረንቱ ሓንቲ፡ ኣብ ኤጳርቃና ከረን 16፡ ኣብ ርእሰ ኤጳርቃና ኣስመራ ከኣ ክልተ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ክውሰዳ ምዃነን ብወግዒ ከምዝተሓበረ የረድእ።

እቲ "ንመሰል ካቶሊካዊ ቤተክርስትያ ዘየኽብር፡ ፍትሒ ዝገደሎ ስጉምቲ" ክብል ተቓውሞኡ ዝገልጽ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ብምቕጻል፡ እቲ ውሳነ ከም ሃይማኖትን ከምዜጋታትን ንመላእ ህዝቢ ኩሉ መዳያዊ ኣገልግሎት ከይንህብ ስለዝኽልክል፡ ስድራ ቤታት ደቀን ናብ ዝመረጽአን ኣብያተ ትምህርቲ ንከይሰዳ ዕድል ስለዝነፍግ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘተን ልዝብን ዘይተኸተለ፡ ብሓይልን ብጐነጽን ዝተገብረ ብምዃኑ ነቲ ተግባር ከምቃወሞን ዳግመ ግምት ክግበረሉን የዘኻኽር።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኣዋጅ ቑጸሪ 73/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘሎኹ ይብል። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሃይማኖትን መንግስትን ዝተፈላለዩላ (ሴኩላር) ሃገር ስለዝኾነት፡ ሓለፋ ዝወሃቦ ሃይማኖት ኮነ ምእመን የለን ክብል ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ንትካላት ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮነ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝተሃንጻን ንህዝቢ ብማዕረ ዝነኣድ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ትካላት ጥዕና እታ ቤተ ክርስቲያን ብምዕጻውን ምህጋርን ህዝቢ ንዝረኽቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ምድራት ፍትሓዊ ከምዘይኮነ እቲ ደብዳበ የረድእ።

ሓደ ሓደ ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብያተ ሕክምና ኮነ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ህዝቢ እምበር ናይ ቤተክርስትያን ንብረት ከምዘይኮነ ኣምሲሉ ዝገልጽ ንህዝቢ ከጋግን ከደናግርን ዝኽእል ሓቂ ዘይብሉ ዘረባ እውን ክእረም ከምዘለዎ ይሓትት።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝሃነጸቶን እተካይዶን ዝነበረት ብመንግስቲ ዝተወርሰ ኣብያተ ትምህርታ ኮነ ኣብያተ ሕክምናታታ ንህዝቢ ንምግልጋል ብገንዘባን ሓሳባን ከምዝሃነጸቶን ብሓይሊ ዝተወስደ ንብረታ ክምለሰላን፣ ተልእኾኣ ክትፍጽም ክፍቀደላን ካብ ምሕታት ዓዲ ከምዘይትውዕልን ይሕብር።

ስለዝኾነ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተሃገረን ዝተዓጽወን ትካላታ ኣዝዩ ከም ዘሕዘናን ነቲ ፍጻሜ ኣትሪራ ከምእትቃወሞን ብምግላጽ፡ "ነተን ዝነበራ ከነማዕብልን ካልኦት ክንውስኸን እናበልና መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ምውሳዱ፡ ኣብ ታሪኸ ኤርትራ ብኣሉታ ዝዝከር ከምዝኸውን ኣየጠራጥርን እዩ" ክብል እታ ቤተክርስትያን ዝተሰመዓ ዓᎁቕ ጓሂ ብምግላጽ፡ ሕጂ እውን እቲ እንኮ መገዲ፡ ከም ወትሩ፡ መንገዲ ልዝብን ሰላምን ምርድዳእን ምክብባርን ምዃኑ፡ ኣብቲ ደብዳበኣ ብኣጽንዖት ተዘኻኽር።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2018 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንዝመሓደራ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ድሕሪ ምዕጻው ኣብ ህዝቢ ልዑል ቁጠዐ ከምዝፈጠረ ኣብ እዋኑ ዝተገልጸ ሓያሎ ምእመናንን ካህናትን ርእይተኦም ሂቦሙሉ ነይሮም። እዚ ሓዲሽ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ምስተወስደ ከኣ ዝያዳ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ገለ ካብተን ዝተሃገራ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝተመስረታ ኮይነን፡ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት ሰማንያ ዓመት ብቑዕ ትምህርቲ ብምሃብ ኣብ ልዑል ደረጃ ዝበጽሑ ኣብነታውያን መንእሰያት ዘፍረያ እየን።

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ዝነበር ኣብርሃም መሓረና፡ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንኹሉ ህዝቢ ብማዕረ ዘገልግል ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተወስደ ውሳነ ዳግመ ግምት ክግበረሉን፡ ሕጽረታት እውን እንተጸኒሑ፡ ክማላእ ዝግባእ ነገራት እንተልዩ ተዓርዩን ተማአሊኡን፡ በቲ ዝውንኖን ዘመሓድሮን ትካል ዳግም ኣገልግሎቱ ክጅምር ትጽቢት እንዳተገብረ ሕጂ ብኣንጻሩ ነቲ ተሪፉ ዝጸንሐ ንብረት ምውራስ ፈጺሙ ርትዓዊ ኣይኮነን ክብል ይገልጽ።

መባእታ ትምህርቲ ብካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝተማህረ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ኪኢላ ስነ-አእምሮ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዮሃንስ ፈርዲንናድ በቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ናይ ምህጋር ስጉምቲ ኣዝዩ ከምዝጎሃየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ቅድም ዝተወርሰ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን እናጉሃዮ ሕጂ ከኣ መባእታዊ ፍልጠት ትምህርቲ ንዘቕስማ ትካላት ትምህርቲ ምህጋርን ምዕጻውን ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ቅቡል ከምዘይኮነ ይገልጽ። እቲ ፍጻሜ " ንህዝቢ ኣብ ርእሲ ኣላታስ ተወሰኸታ ኮይኑዎ ኣሎ" ከኣ ይብል።