ስነ ልቦና፡ ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ዘለዎም ሰባት ስለምንታይ ንርእሶም ይጸልኡ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ኣብዛ እንነብረላ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብዛዕባ ነብሱ ብዙሕ ዘይዛረብ፣ ንኻልኦት ሰባት ክብሪ ዝህብ ውልቀሰብ: 'ኣንታ እዚሲ ክንደየናይ ምቑሉል/ ትሕትና ዘለዎ/ዋ ሰብ'ዩ' ተባሂሉ ክምጎስ ንሰምዕ።
እዚ ንርእሱ ኣካታዒ እንተኾነ'ውን፡ ካብዚ ብዝተፈለየ ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ወይ ኣነነት ዘለዎም ሰባት ክኣ ኣለው።
እዚኦም ብዛዕባ ርእሶም ኣመና ዝጅሃሩ፣ ትኹረት ንምስሓብ ኣብ ዘረባታቶም ሽም ፍሉጣት ሰባት ምጽዋዕ ዘዘውትሩ፣ ንዝኾነት ዝሰርሑዋ ነገር ምስጋና ዝደልዩ ሰባት እዮም።
ሓሓሊፉ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከጋጥሙና እንከለው፡ ኣብ ክንድኦም ተሰኪፍና ኣዒንትና የማነ ጸጋም ሸኾርተት ዘበልናሎም ኣጋጣሚታት ክህልው ይኽእሉ'ዮም።
ነዚኦም ክትድንግጸሎም ወይ ልብኻ ክርህርሃሎም ዝኽእለሎም ኣጋጣሚታት'ውን ኣለው።
ኣብ ገለ ዕላላትኩም ነዚ ኣርእሰቲ ኣልዒልኩም ተውግዑ እንተነይርኩም፡ 'እንተኣነ'ሞ ንርእሱ ሕሉፍ ፍቕሪ ወይ ፍትወት ንዘለዎ ሰብ ርህራሀ ክህልወኒ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፤ ክድንግጸሉ'ውን የጸግመኒ'ዩ' ዝበልኹሞም ሰባት ነይሮም ይኾኑ።
ሊቃውንቲ ኣብዚ ጉዳይ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ግን፡ ገለ ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ወይ ኣነነት [ናርሲስት] ዘለዎም ሰባት ምስ ርእሶም ሰላም ወይ ፍቕሪ የብሎምን ይብል።
እዚ፡ ካብቲ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዝተላበሱ ውልቀሰባት ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሰባት መሲሎም ዝቐርብሉ ወይ ዝርኣዩሉ ፍጹም ዝረሓቐ'ዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣነነት ንርእስኻ ካብ ዘለካ ፍቕሪ ኣይኮነን ዝነቅል፤ እኳ ድኣ ንርእስኻ ካብ ዘለካ ጽልኣት'ዩ። ሓደሽቲ መጽናዕታት ነዚ'ዮም ዘራጉዱ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝስትውዓል ዘሎ ባህሪ ክቱር ርእሰ ፍትወት ወይ ኣነነት፡ ካብ ዘለካ ትሑት ርእሰ ተኣማንነትን ቐጻሊ ብዛዕባኻ መረጋገጺ ክወሃበካ ካብ ምድላይን ዝነቅል ከም ዝኾነ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና ይገልጹ።
ገለ ክቱር ዓርሰ ፍትወት ዘለዎም ሰባት ንርእሶም'ውን ዝጸልኡ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።
ስለዚ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ድኣ ብኸመይ ኢና ክንረዳዳእ ንኽእል? ዝብል ወሳኒ ሕቶ'ዩ።
"ክቱር ዓርሰ ፍትወት ዘለዎም ሰባት ሰሓብትን ሕውሳትን ኮይኖም ክርኣዩ ይደልዩ፤ ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ተምሳጥ'ውን ይፈጥሩልካ። ይኹን'ምበር ብዝተወሰነ መልክዑ ምስ ሰባት ዘይረዳድኡ፣ ርህራሀ ዘይብሎምን መታለልትን'ዮም " ትብል ፕሮፌሰር ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ሮቢን ኢዴልስቲን።
እዞም ሰባት፡ ንኣብነት ኣብ ቦታ ስራሕ ካልኦት ብዝሰርሑዎ ብሉጽ ስራሕ ናእዳ ዝወስዱ፣ ንዝፍጠር ጌጋ ከኣ ንመሳርሕቶም ዝነቕፉ፣ ንዓርሶም ንምርባሕ ዝጓየዩ ተበለጽቲ፣ ርኢይቶ ክህቡ ከለው ከኣ ጽልኢ ወይ መረረት ዘብዝሑ ዓይነት ሰባት'ዮም ክትብል ትገልጾም።
እዚ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ'ውን ክርኣይ ዝኽእል ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ዝስትውዓል'ዩ።
እዚ ማለት ገለ ሰባት ካልኦት ብዝሰርሑዎ ወይ ብዝተወፈዩዎ ኣብ ሞንጎ ኣትዮም ትኹረት እቲ ካልኦት ዝውፈይሉ ዘለው ብምውሳድ ክበልጹ ዝጽዕሩ ሰባት ኮይኖም እትረኽቦም'ዮም።
ገለ ሰባት፡ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ንርእስኻ ካብ ዘለካ ፍቕሪ፣ ንባዕልኻ ካብ ዘለካ ኣጠማምታን ምልከታን ዝምንጪ'ዩ ዝብል ግጉይ ርድኢት ኣለዎም።
እንታይ ድኣ፡ ምንጪ እዚ ጸገም ናይዚ ተጻራሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
"ክቱር ዓርሰ ፍትወት ዘለዎም ሰባት ውሕስነት ብምስኣንን ብሕንከትን ዝተኸበቡን ሙሉእ ህይወቶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ክፈጥሩዎ ብዛዕባ ዝደልዩ ምስሊ ዝግናሕን'ዩ" ትብል ክሊኒካል ሳይኮሎጂስትን ፕሮፌሰርን ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ራማኒ ዱርቫሱላ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ክልተ ዓይነት ኣነነት ዝስዕሮም ሰባት ኣለው ብምባል ተረድእ።
እቶም ሓደ ትሑት ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎምን ናይ ሰባት መረጋግጺ ዝደልዩን ኮይኖም "ንሓደጋ ዝተቓልዑ" ተባሂሎም ይስርዑ።
እቶም ካልኣይ ዓቐን ዝሓለፎ ስምዒት ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም "ትኹረት ሰሓብቲ" ዝብሃሉ'ዮም።
ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ እዞም ብኻልኣይ ደረጃ ዝጽውዑ ክቱር ርእሰ ፍትወት ዘለዎም ሰባት፡ ሙሉእ ንሙሉእ 'ናርሲስት' ክብሃሉ ኣይክእሉን ይብል።
ናይዚ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ እቲ ባህሪኦም ምስ ሰባት ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣር ወይ ንኻልኦት ምፍታው ዘይምኽኣል ወይ'ውን ካብ ውድቀትካ ናይ ምምሃር ጸገም ዝግለጸሉ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ [psychopathy] ምስ ዘለዎም ዝመሳሰል ስለ ዝኾነ እዩ ኢሉ።
እዚ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ እዞም ሰባት ዝኾነ ዓይነት ርህራሀ ዘየርእዩ'ዮም ዝኾኑ።
እቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዝበልናዮም ግን ትኽክለኛ ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ዘለዎም ሰባት'ዮም።
እዚኦም ስልጣንን ዓብላልነትን ዝደልዩ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፈጥሩዎ ዝደልዩ ምስልን ደረጃን ንምጽዳቕ ዘገድሶም ናይ ሰባት ጽቡቕ ኣለኻ ምባልን [ኣፕሩቫል] ትኹረትን እዮም።
እዞም ሰባት "ብዛዕባ ባዕሎም ጽቡቕ ኣይስምዖምን" ዝብል ክሊኒካል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክን ጸሓፊ እቲ መጽናዕትን ፓስካል ዋሊስች እዩ።
ኣብዚ መጽናዕቲ 300 ተመሃሮ ቀዳማይ ዲግሪ ዩኒቨርሲቲ ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ነቶም ዝቐረቡሎም ሕቶታት 'ውሕስነት ኣይስምዐንን፣ ኣይሓዝንን ማለት "ጣዕሳ ይውሕደኒ" ወይ ድማ "ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ፍጻሜታት ዝርአ ምዃነይ'ዩ ዘገድሰኒ" ብምባል መልሲ ሂቦም።
እዞም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣነነት ዘብዝሑ ሰባት ድማ፡ ምስቶም ሓለፋ ርእሰ ተኣማንነት ዝርኣዮም ሰባት ብምንጽጻር ውሕስነት ምስኣንን ካልኦት ተዛመድቲ ስግኣታትን ዝወረሮም ኮይኖም ተረኺቦም።
ስለዚ ኣብ ስራሕ ቦታ ሽም ይፈልጦ እየ ዝብሉዎ ፍሉጥ ሰብ ዘልዕሉ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ስእሎም እናለጠፉ ዝውዕሉ ወይ'ውን ብዝወሃቦም ርኢይቶ ሕማቕ ስምዒት ዝስምዖም ሰባት ኣብቲ ተኣፋፊ ክቱር ዓርሰ ፍትወት ዝምደቡ ኮይኖም ትኽክለኛ ኣነ ኣነ በሃልቲ'ውን እዮም።
ብቐጻሊ ትኹረት ካልኦት ሰባት ደለይቲ ምዃኖምን ካብ ዓሚቕ ናይ ድሕነት ምስኣን ብዝብገስ ብዛዕባ ርእሶም ክደጋግሙን ምውዓሎም ከኣ ነዚ ጸገሞም ንምሽፋን ዝጥቀምሉ ሜላ እዩ።
ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ጽቡቕ ምልዕዓል ንክረክብ እወንታዊ ርኢይቶ ካልኦት ሰባት ይደሊ'ዩ፤ እዚ ግን ክቱር ዓርሰ ፍትወት ኣለካ ኣየብልን።
"ንርእስኻ ክተዕቢ ምድላይ ዝተለመደ ባህሪ ወይ ስብእና'ዩ። ነዚ ከኣ ርእሰ ተኣማንነትና ሓፍ ዘብሉ ተሞክሮታት ንደሊ ኢና" ትብል ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ክሊኒካል ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ ካሊፎርኒያ ኒኮል ኬይን።
ይኹን'ምበር ኣብ ሞንጎ ካብ ሰባት መረጋገጺ ናይ ምድላይ ባህሪ ክዓቢ ስለ ዝኽእል፡ እቲ ጉዳይ ብሰለስተ ደረጃታት ዝግለጽ ዓርስኻ ናይ ምጥፋእ ዑደት [ትኽክለኛ መንነት ምስኣን] ከምርሕ ከም ዝኽእል ተረድእ።
ተቓላዒ ዝኾነ ክቱር ዓርሰ ፍትወት ዘለዎም ሰባት እንተርኢና፡ ካልኦት ኣይቕበሉንን ዘለው ዝብል ስምዒት ክፍጠር እንከሎ እቲ ስግኣት ንምውጋእ ዓርሶም ኣዕብዮም ከቕርቡ ይጅምሩ።
ብኣንጻሩ በዚ ባህሪ ዘይተገደሱ ሰባት፡ ነዚ መገዲ ንዝሓዘ ሰብ ካብቲ ቅድም ክብል ዝነበሮም ዝተሓተ ምልከታ ክትሕዙ ይገብሮም።
ስለዚ እቶም ኣነነት ዘብዝሑ ሰባት እቲ ባህሪ ተዋሂቡዎም ዘይኮነ ንባዕሎም ዝስምዖም ፍርሕን ቓንዛን ንምውጋድ ብጌጋ ዘማዕብሉዎ ባህሪ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ትብል።
"ክቱር ዓርሰ ፍትወት ዘለዎም ሰባት መሲሎም ክርኣይሉ ዝደልዩዎ ነገር ኣሎ፤ በቲ ዝቐርብሉ ዘለው መገዲ ዘይተመዘኑ መሲሉ ክስምዖም እንከሎ ድማ ንርእሶም ናብ ዝኾነ ነገር ቀይሮም ይቐርቡ። ከይዶም ከይዶም እቲ ማሕበረሰብ ይነጽጎም፤ ግን ተዋሂዱዎም በዚ ይቕጽሉ" ትብል ክሊኒካል ሳይኮሎጂስትን ፕሮፌሰርን ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ራማኒ ዱርቫሱላ።
ዋሊሲች ብወገኑ፡ "እዚ ማለት ግን ብዛዕባ ርእሶም ጽቡቕ ይስምዖም ማለት ኣይኮነን፤ ኣብ ህይወቶም ገለ ነገር ይጎድሎም'ዩ" ክብል እንከሎ እቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ንርእሶም ዝጸልኡ'ዮም ኢሉ።
"እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ፤ ጽቡቓት ሰባት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢሎም'ዮም ዝሓስቡ። ቢሊየነር እንተኾይኖም'ውን እዚ ነቲ ዘለዎም ስነ ልቦናዊ ጸገማት ዝጽግን ኣይኸውንን" ብምባል የረድእ።
ብዝኾነ ሕጂ'ውን ብሓፈሻ ብዛዕባ ክቱር ዓርሰ ፍትወት ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገር ኣሎ።
ገለ ሰብ ሞያ ኣብ ሞንጎ ዓርሰ ፍትወትን ዓርስኻ ዘይምድላይን ዘሎ ኲናት'ዩ ብምባል ክገልጹዎ ከለው፡ ንርእሶም ሓፍ ሓፍ ኣቢሎም ወይ ኣጉሊሖም ምቕራቦም ከኣ እቲ ናይ ውሕስት ምስኣን ስምዒቶም ንምሕባእ ዝጥቀምሉ'ዩ ይብሉ።
ምንጪ እዚ ባህሪ እንታይ ምዃኑ ግልጺ ኣይኮነን፤ መብዛሕትኦም ኣነነት ዝርኣዮም ሰባት ንርእሶም ጸገም ከም ዝኾኑ ኣይግንዘቡን ትብል ፕሮፌሰር ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ሮቢን ኢዴልስቲን።
"እዞም ሰባት ንለውጢ ቅሩባት ኣይኮኑን፤ ገበር መብዛሕትኡ ጸገማቶም ኣብ ርእሶም ዘይኮነ ካብ ካልኦት'ዩ ዝምንጪ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ኣይልወጡን። ዝኾነ ሰብ ዝኾነ ዓይነት ናይ ስብእና ቅልውላው ንክምክት ዓርሰ ተበግሶ ክህልዎ ኣለዎ፤ ንሳቶም ግን ደረቓት'ዮም" ኢላ።
ጽዑቕ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ነዞም ሰባት ክሕገዙ ይገብር'ዩ እትብል ኬይን ብወገና፡ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዝሰርሑ ውልቀሰባት ክልውጡዎም፣ ከእምኑዎም ወይ ኣብ ዘረባታት ክረትዑዎም ከም ዘይክእሉ ተረዲኦም ናይ ባዕሎም ዕዮ ክዓሙ ኣለዎም ትብል።
"ኣብ ስራሕ ግልጽን መስመሩ ዝሓለወን መቐሎ ክህልዎም ኣለዎ እምበር ንርእሶም ኣብ ውድድር ክኣትው የብሎምን" ክትብል ትምዕድ።
ድሕረ ባይትኦም ምርዳእ ካልእ መገዲ ገይራ እተቐምጥ ኢዴልስቲን እቲ ባህሪያት ካብ ዓᎁቕ ውሕስነት ምስኣንን ናይ ባዕሎም ተቓላዕነት ንምንካይ ካብ ዝኸዱዎ ርሕቐት ዝብገስ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ጥንቃቐ ዝተመልኦ ማሕበራዊ ርክባት ምምስራት ወሳኒ ከም ዝኾነ ኣረዲኣ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







