ኣብ ካናዳ ዝተረኸበ ጃምላዊ መቓብር 215 ህጻናት ከቢድ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣዕጽምቲ 215 ህጻናት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ኣብ ካናዳ ከም ዝተረኸበ ይዝከር።

በዚ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ማሕበራት ደቀባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣለሻ ጃምላዊ መቓብር ክጅመር ብምሕታት ቁጥዐኦም ይገልጹ ኣለው።

ብመሰረት ደቂባት እታ ሃገር፡ እቲ ዓዕጽምቲ እቶም ህጻናት ኣብ ሓደ ናይ ቀደም ሓዳሪት ቤት ትምህርቲ ከምዝተረኸበን፡ እቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ጸዓዱ ባህሊ ንምልምማድ ብዝብል ዕላማ ከም ዝተኸፈተን ይሕብሩ።

ጃምላዊ መቓብር እቶም ህጻናት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ክርከብ እንከሎ፡ ገሊኦም ደቂ ሰለስተ ዓመት ቖልዑት ከም ዝነበሩ ተገሊጹ።

እቲ መቓብር ምስ ተረኸበ ቁጥዐ ከልዕል እንከሎ ብዙሓት ብግዝያውነት ኣብ ዝተሰርሐ ናይ ዝኽሪ ቦታ ናኣሽቱ ጫማታት ብምቕማጥ ይዝክሩዎም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ድማ ብቐጻሊ ሓገዝ ከም ዝገብር'ኳ እንተተዛረበ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

"ከም ወላዲ ደቀይ ብኣስገዳድ ካባይ ክውሰዱ ከለው ምሕሳብ ይኸብደኒ'ዩ። ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ህጻናት ደቀባት ካብቲ ማሕበረሰብ ብምስራቕ ዝተፈጸመ ባህሊ ናይ ምልምማድ ፖሊሲ ክንደየናይ ዘሕፍር ምዃኑ ክገልጹ ይፈቱ" ኢሉ።

መንግስትኻ እንታይ ክገብር'ዩ? ዝብል ሕቶ ካብ ጋዜጠኛታት ምስ ቐረበሉ 'ሓያል ስጉምቲ ክወስድ'የ' ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

መራሒ ጉባኤ ናይቶም ደቀባት ፔሪ ቤልግሬድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስድራ ቤታት እቲ ሓቂ ክፈልጡዎ ከም ዝግባእን ንክጸናንዑ ግዜ ከም ዘድልዮምን ሓቢሩ።

"ኣብ ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ መርመራ እንተተኻይዱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበጽሑ ብርክት ዝበሉ ጃምላዊ ቅትለታት ክንፈልጦም ኢና" ኢሉ።

እቲ መቓብር ጃምላ ምስ ተረኸበ ቻርሎቴ ታውን ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ዝነበረ ሓወልቲ ፈላማይ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጆን ዱን ማክዶናልድ ፈሪሱ።

ማክዶናልድ፡ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ብዝነበሮ ልዑል እጃም እዮም እቶም ተቓወምቲ ነቲ ሓወልቲ ኣፍሪሶምዎ።

ኣብቲ እዋን ካምሉፕስ ኢንዲያን ዝተባህለ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ናይ ጸዓዱ ባህሊ ንምልምማድ ካብ ሞንጎ ዝተኸፍቱ እቲ ዝዓበየ ቤት ትምህርቲ እዩ።

እዚ ብምምሕዳር ሮማን ካቶሊክ ብ1890 ተኸፊቱ። ኣብ 1950ታት 500 ተመሃሮ የተኣናግድ ምንባሩ'ውን ይግለጽ።

እቲ ኣዕጽምቲ ኣብዚ ካምሉፕስ ኣብ ዝተባህለ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ክርከብ እንከሎ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ብ1978 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ተዓጽዩ።

ካብ 1863 ክሳብ 1998 150 ሽሕ ዝኾኑ ህጻናት ብኣስገዳድ ካብ ስድራቤቶም ተወሲዶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ነይሮም።

ብቋንቁኦም ክዛረቡ ኮነ ባህሎም ከንጸባርቑ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ፤ ብርክት ዝበሉ ጥቕዓታት ከም ዝበጽሖም ክኣ ይዝረብ።