እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ፡ ብምኽንያት ዓሌታዊ ምጽናት 1994 ንሩዋንዳ ይቕሬታ ሓቲታ
ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብቲ ህይወት ኣስታት 800 ሽሕ ተወለድቲ ቱትሲ ዝበልዐ ዓሌታዊ ምጽናት 1994: ሃገሩ ንዝነበራ ግደ ሩዋንዳውያን ይቕሬታ ክገብሩላ ሓቲቱ።
ትማሊ ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት፡ ፈረንሳ ንዝመጽእ ህልቂት ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ከይተቐበለት ንነዊሕ ዓመታት "እቲ ሓቂ ንምጽራይ ስቕታ ኣርእያ'ያ" ክብል ተዛሪቡ።
እንተኾነ ፈረንሳ ተሓባባሪት እቲ ዝተፈጸመ ቕትለት ኣይነበረትን ኢሉ።
መራሕቲ ሩዋንዳ ንዘረባ ፕሬዝደንት ማክሮን ክንእዱ እንከለው፡ ፕሬዝደንት ፖል ካጋሜ "ዘረብኡ ካብ ይቕሬታ ንላዕሊ ኣገዳሲ ነይሩ፤ ሓቂ ነይሩ" ብምባል "ብሓቂ ሓቦ ዝሰነቐ ተግባር" ክብል ንኢዱዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኮሚሽን ክኢላታት ፈረንሳ ኣብ ዘካየዶ ምጽራይ፡ ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ፕሬዝደንት ፍራንኮይስ ሚተራንድ እናሃለወት ኣብቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ተሓባባሪት'ኳ እንተዘይነበረት "ከቢድን ኣዝዩ ብርቱዕን ሓላፍነት" ግን ትወስድ እያ ኢሉ ነይሩ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓሌታዊ ምጽናት ዝፈጸሙ ሰባት "ዓዊራ" ነይራ ይብል።
ፕሬዝደንት ማክሮን፡ "እቶም በታ ጸላም ዝሓለፉ ጥራሕ'ዮም ይቕሬታ ክገብሩ ዝኽእሉ፤ በዚ ከኣ ህያብ ይቕሬታ ይህቡ" ክብል ኣብቲ ንዝኽሪ ልዕሊ 250 ሽሕ ግዳያት ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ተዛሪቡ።
ዓሌታዊ ምጽናት ሩዋንዳ ክፍጸም እንከሎ፡ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝመጽአ ፖለቲከኛ ንሩዋንዳ ይመርሓ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ፈረንሳ ዝነበረ ሚተራንድ ከኣ ምስ ፕሬዝደንት ሩዋንዳ ጁቪናል ሃብየዓሪማና ጥቡቕ ዝምድና ነይሩዎ።
"ፈረንሳ ነቶም ጎቦታት፣ ቤተ እምነታት ዘፍረሱ ቀተልቲ ገጽ ሂባቶም ኣይትፈልጥን፤ ኣብዚ ጉዳይ ተሓባባሪት ኣይነበረትን" ዝበለ ማክሮን ኣብ 1994 ግን "ፈረንሳ እቲ ሓድሕዳዊ ግጭት ደው ንምባል ከይተረድአት፡ ብተዘዋዋሪ ኣብ ጎኒ ዓሌታዊ ምጽናት ዝፈጸመ ስርዓት ደው ኢላ እያ" ኢሉ።
ፈረንሳ፡ ምስቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝተሓሓዙ ወግዓዊ ሰነዳት ብሚስጢር ሒዛቶም ዝጸንሐት ኮይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፕሬዝደንት ማክሮን 15 ኣባላት ዝሓዘ ኮሚሽን ብምጥያስ ነቶም ፕሬዝደንታዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ወተሃደራውን ናይ ስለያን ሰነዳት ክምርምሩ ኣፍቂዱሎም።
ኣብቲ ግዜ ፕሬዝደንት ዝነበረ ፍራንኮይስ ሚተራንድ ሓደ ኮይኑ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ዓሌት ሑቱ ዝኾነ ፕሬዘደንት ጁቬናል ሃብያሪማና ኣብቲ መዛግብቲ ካብ ሞንጎ ዘለው ውልቀሰባት ሓደ'ዩ።
ኣብ 2015 ፕሬዝደንት ፈረንሳ ነበር ፍራንኮይስ ሆላንዴ ነቶም ሰነዳት ወግዓዊ ክገብሮም'የ ኢሉ'ኳ እንተነበረ ሕገ መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ፈረንሳ ግን ብሚስጥር ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል ኣድሚጹ።
ድምዳመ እቲ ኮሚሽን ምጽራይ ካብ ዝንቡዕ ድምዳመ ናጻ ንክኸውን ኣባላቱ ዜጋታት ሩዋንዳ ዘይኾኑ ክኾኑ ከም ዝተገብረ ይሕበር።
በዚ መሰረት ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጨፍጫፍ ኣርመኒያን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣይሁድን ዘጽንዑ ክኢላታት ዓለምለኸ ሕጊ ገበን ኮይኖም ብተመራማሪ ታሪኽ ቪንሰንት ዱክለርት ዝምርሑ'ዮም።
ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ 1994 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሕሉፋት ዓሌት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ሁቱን ጨፍጫፍ ፈጺሞም'ዮም።
ጃምላዊ ጨፍጫፍ ሩዋንዳ ብ6 ሚያዚያ 1994 ነቲ ፕሬዝደንትን ብሩንዳዊ መዘንኡ ሲፕሪን ንታርያሚራን (ንሱ'ውን ዓሌት ሑቱ'ዩ) ዝሓዘት ነፋሪት ብምህራም እዩ ጀሚሩ።
ብ22 ሰነ 1994፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ምዕራብ ሩዋንዳ ሓይልታት ፈረንሳ ክዋፈሩ ፍቓድ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።