ንጳጳስ ዝቐተለ ግብጻዊ ፈላሲ ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓደ ገዳም ግብጺ፡ ንፈላሲትን ጳጳስን ቐቲሉ ዝተባህለ ሓደ ፈላሲ ብማሕነቕቲ ተቐጺዑ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጳጳስ ኤፒፋፊኒየስ ቅዱስ ማካርየስ ኣብ ዝተባህለ ገዳም ተቐቲሎም።
እቶም ጳጳስ ተሃሪሞም ከም ዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ቅትለት እቶም ጳጳስ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ካልእ ፈላሲ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪድዎ።
ኣብቲ እዋን፡ ቕትለት እቶም ጳጳስ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ሓያል ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ።
ዋኤል ኤል ሳድ ታዋድሮስን ሬሞን ራስሚ ማንሱርን ዝተባህሉ ክልተ ፈለስቲ፡ ንኣበምኔትን ጳጳስን እቲ ገዳም ኣብ ሰሜን ምዕራብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዋዲ ኣል ናቱር ዝተባህለ ቦታ ከም ዝቐተሉዎም ይግለጽ።
ኣብ ሞንጎም ዝነበረ ኣፈላላይ ምኽንያት ሞት እቶም ጳጳስ ከም ዝኾነ'ኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ'ዩ ዝብል ግን ኣይተሓበረን።
ዓቃቢ ሕጊ ግብጺ ከም ዝብሎ፡ ዋኤል ኣል ሳድ ታዋድሮስ ነቶም ጳጳስ ብሓጺን ቀጥቂጡ ከም ዝቐተሎም ክናዘዝ እንከሎ፡ ፈላሲ ሬሞን ራስሚ ማንሱር ከኣ ሰብ ከይመጽእ ይሕሉ ነይሩ ተባሂሉ።
እቲ ፈላሲ ብሞት ዝቕጽዐሉ ፍርዲ ብሰንበት ተፈጺሙ ኣሎ።
ሬሞን ራስሚ ማንሱር፡ መጀመርታ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ፈላሲ ብመሰረት ዘቕረቦ ይግብኣኒ ግን ናብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተቐይርሉ።
እቶም ጳጳስ ምስ ተቐትሉ ቤተክርስቲያን ኮፕቲክ ንሓደ ዓመት ንሓደሽቲ ፈለስቲ መዓርግ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ጸኒሓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







