ኣብ እዋን ረመዳን ጽልዋ ኮሮና ከይሕይል ዝጽዕሩ እስላም መናእሰይ

ሰልሓዲን ስዒድ ይብሃል። ብንግዲ ዝመሓደር ነባሪ ከተማ ድሬዳዋ'ዩ። ሰልሓዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣካቢ ማሕበር መናእሰይ ጅማ'ዩ ነይሩ።
ብ2012፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ተራእየ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ጾመ ረመዳን ስለ ዝኣተወ እቲ ማሕበር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ብዝተኣወጀ መምርሒ ህጹጽ ግዜ፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር መብዛሕትአን ትካላት ሃይማኖት ተዓጽየን ነይረን።
ሰልሓድን ንድሕሪት ሓደ ዓመት ተመሊሱ ክዝክሮ እንከሎ፡ "መስጊድ ምስተዓጽወ ዘይሓዘነ መን ኣሎ?" ይብል።
"ናብ መስጊድ ምኻድ ንሓደ እስላማይ መዓልታዊ ተግባሩ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ እዋን ረመዳን ተዓጽዩ ክትርእዮ ግን ዳግም ዝኽፈት'ውን ኣይመስለካን"።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንድሬዳዋ ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ዓለም ዘስግእ ለበዳ'ዩ ተባሂሉ ምስ ተኣወጀ ኣብ ሳልሳይ ወርሒ ንተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዓብዪ ቦታ ዘለዎ ጾመ ረመዳን ዝኣተወ።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2012 ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቫይረስ ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ምእታው ጸብጻብ በጺሑኒ'ዩ ብምባል፡ ዓለማዊ ለበዳ ክብል ኣዊጁ።
እዚ ለበዳ 1.8 ቢሊየን እስላም ዓለም፡ ጾመ ረመዳን ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ ኩነታት ከሕልፉዎ ኣገዲዱዎም'ዩ።
ብመሰረት ኣቆጻጽራ ሒጅራ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ ዝውዕል ረመዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ እስልምና ቅዱስቲ ከተማ ዝኾነት መካ'ውን ከምቲ ሕሉፍ ሰዓብቲ እቲ እምነት ተኣኪቦም እናሰገዱ ኣየሕለፉዎን፤ ስዑዲ ዓረብ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ተጉዓዝቲ ከይኣትውዋ ኸልኪላ'ያ።
ኣብዚ ዓመት፡ ዓለም ነዚ መትሓዝን መጨበጥን ስኢናትሉ ዝነበረት ቫይረስ ተላሚዳ፡ ክታበት ምሃብ ጀሚራ ኣላ። ጾመ ረመዳን'ውን ኣትዩ።
ድሬዳዋ
ሸምሰዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ድሬዳዋ ጥራሕ ትሸዓተ ሚሊየን ብር ተዋጺኡ ኣብታ ከተማ ንዘለው ጽጉማት ክሕገዙ ከም ዝተገብረ ይዛረብ።
"ኣብ ድሬዳዋ፡ ካብ ሓደ ገዛ ክልተ ወይ ሰለስተ ውላድ ኣብ ደገ ዘይብሉ ስድራ የለን። ንሕና ከኣ ካብቶም ኣብ ወጻእ ዘለውን ኣብዚ ዘለውን ሰባት ገንዘብ ኣተኣኻኺብና ሓገዝ ገይርና ነይርና"ብምባል እቲ ዝሓለፈ ዓመት ይዝክሮ።
ወሲኹ ኣብታ ከተማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ስንባደ ስለ ዝነበረ፤ እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብ ንግዲ ንዝተዋፈሩ ሰባት ዓብዪ ጸቕጢ ከም ዘሕደረ ይዛረብ።
ይኹን'ምበር ኣብቲ ግዜ መሳጊድ ተዓጽዮም እቲ ዝነበረ ጥንቃቐ ድማ ስጡም ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ዓመት ዘሎ ልዑል መጠን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ግምት ብምእታው ሕጂ ጎዲሉ ዘሎ ጥንቃቐ ከም ዘስግኦ ይገልጽ።
ኣብ መሳጊድ፡ "ሰብ ንርእሱ ክብል ጥንቃቐ ንክገብር ትምህርቲ ይወሃቦ'ዩ፤ ግን ዕሽሽ ምባሉ የስግኣኒ'ዩ። ኣብዚ ዓመት ከኣ ረድኤት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ዳርጋ የለውን" ይብል።
እንተኾነ፡ እቶም መናእሰይ ይዘራረቡ ከም ዘለውን ንጽጉማት ዝግበሩ ሓገዛት ንምጥንኻርን ናብ መስጊድ ዝመጽኡ ሰባት ብምትሕብባር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንከይውስኽ ጻዕሪ ንምግባር ምንቅስቓስ ከም ዝጀመሩ ሓቢሩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ልዑል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዝርኣያ ዝነበረት ድሬዳዋ፡ ሕጂ ኣብ መላእ ሃገር ብዝለዓለ ቑጽሪ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ኣዲስ ኣበባ
ልክዕ ከም ሰልሓዲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረድኤት ዘተኣኻኽቡ መናእሰይ ነይሮም፤ ኣዱኛ ሙጩ ሓደ'ዩ።
ዝሓለፈ ዓመት 10 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ንሓደ ወርሒ ዝኾኖም ቐለብ ብምትእኽኻብ ካብ ሞንጎ ዘከፋፈሉ መናእሰይ ዝኾነ ኣዱኛ፡ ኣብዚ ዓመት ምዝሕሓል እንተሃለወ'ውን እቲ ሓገዝ ግን ኣይተረፈን ይብል።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ክልል ዓፋር ብምኻድ ሓገዝ ገይሮም ከም ዝመጽኡ ዝዛረብ እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ብሓደጋ ውሑጅ ንዝተጎድኡ ሰባት ይሕግዙ ምንባሮም የዘኻኽር።
ጾመ ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ከኣ 150 ኣርባሕቲ እንስሳ ዳግም እግሪ ንምትካል ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣጣል ለጊሶምሎም ከም ዝተመለሱ የረድእ።
"ኩል ግዜ ሓሩጭ ሒዝና ካብ እንኸይድ፤ ዳግም እግሪ ንክተኽሉ ኢና ኣጣል ሂብናዮም። ኣብ ሓደ ዓመት ሓሙሽተ ጤል 15 ኣጣል ይኾና'የን ተባሂሉ ይግመት። እዚ ኸኣ ብዘላቕነት እግሪ ንክተኽሉ ይሕግዞም'ዩ" ይብል።
ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ዓመት ተመሳሳሊ ሓገዝ ንምግባር ንምትሕብባር ብፍላይ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝሓዞም ኣጀንዳታት ትኹረት ክረክብ ኣይክኣልኩን ኢሉ።
"ዝሓለፈ ዓመት መስጊድ ተዓጽዩ ርእዮም ዝበኸዩ ብዙሓት ኣለው። ረመዳን ዓብዪ ናይ ሰደቓ እዋን ስለ ዝኾነ ብዙሓት ኣብ ኣፍ ደገ መስጊድ ኮፍ ኢሎም ሓገዝ ዝረኽብሉ'ዩ። እዚኦም ናይ ዓመት ቀለቦም'ውን ዝረኽብሉ ወርሒ'ዩ" ይብል።
ኣብዚ ዓመት ግን መሳጊድ ተኸፊቶም ጾም'ውን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንኣዱኛው ጽቡቕ ዜና እዩ።
እንተኾነ "እቲ ዘሎ ሸለልትነት" የተሓሳስበኒ'ዩ ዝብል እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገብሩ ፖሊስ ንከይቐጽዖም ጥራሕ'ዩ ዝመስል ብምባል፡ ብኻልእ ወገን ማስክ ዝገበረ ሰብ ኮሮና ዘለዎ ዝመስሎም'ውን ከም ዘለው ይዛረብ።
ኣብ መስጊድ ንዘሎ ኩነታት ክገልጽ እንከሎ ድማ "መዓልታዊ ሰለስተ፣ ኣርባዕተ ሰብ ኮሮና'ዩ እናተባህለ ብጥንቃቐ ክቕበር ይርኢ'የ" ብምባል ኣብ እዋን ረመዳን ዝግበሩ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ግቡእ ጥንቃቐ እንተዘይተገይሩ "ዓብዪ ጥፍኣት ከየምጽኡ ይሰግእ'የ" ኢሉ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሓጅን ዑምራን፡ ኣብ 2013 ዓ.ም ወርሒ ረመዳን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰደን ካብቲ ሕማም ዝሓወየን ጥራሕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መካ ናብ ዝርከብ ዓብዪ መስጊድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መሳጊድ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ትካላት እምነት ተዓጽየን'የን ዘለዋ፤ ኣዝየን ውሑዳት ድማ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ተግባራዊ ብምግባር ኣገልግሎት ይህባ ኣለዋ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ትካላት ሃይማኖት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ናብ ዝነበረ ኣገልግሎት ካብ ዝምለሳ ነዊሕ ገይረን። ብዙሓት ከም ኣካላዊ ርሕቀትካ ምሕላው ዝብሉ መምርሒታት ተዘንጊዖም'ዮም።
ጎኒ ጎኒ ጾመ ረመዳን ዝካየዱ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኣድላዪ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ እንተዘይተፈጺሞም ብዙሓት ክጉድኡ ከም ዝኽእሉ እዞም መናእሰይ ይዛረቡ።
"ንሕና መናእሰይ ተስፋ ከይቖረጽና እጃምና ከነበርክት ኢና። ህይወት ሓደ ሰብ ምድሓን ዓለም ምድሓን'ዩ፤ ሓንቲ ህይወት ምጥፋእ ዓለም ምጥፋእ'ዩ ብምባል ቑርዓን ብምጥቃስ እቲ ናይ ምግባረ ሰናይ ስራሕቲ ከም ዝቕጽሉዎ ኣዱኛው ይዛረብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







