"ደቅና ባህሊ ኣሜሪካ ንኸይስዕሮም ክንቃለስ ኣሎና" ልያ ብርሃነ

ማሕበር "ደቀንስትዮ ንሰብኣውነት''

"ምግባረ ሰናይ ካብ ቤት እዩ ዝጅምር" ዝብል ጽኑዕ ርድኢት ዘላዋ ነባሪት በይ ኤርያ ካሊፎርንያ ልያ ብርሃነ፡ ንሳን እተፍቅሮም ብጾታን ብድሩት ዓቕሞም፡ ንዝተጸገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናእሽቱ ፈተነታት፡ ካብ ስድራ-ቤት፡ ካብ ዓድን መሰረትን ኣበዋት ከምዝመንጩ ትዛረብ።

ወዲ ሰብ ብባህሪኡ፡ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ። ስለዝኾነ፡ ሓቢሩ ክነብር፡ ሓቢሩ ክሰርሕ፡ ሓቢሩ ጸገማቱ ክፈትሕ፡ ይግደድ። ደቂ ሰባት ነቲ በብውልቅን ብኣብያተ እምነታት ዝጀመረ ማሕበራዊ ምትሕግጋዝ፡ ካብ 18 ክፍለ ዘበን ንደሓር ፈቐድኡ ተዘርጊሑ።

ኩሎም መጻሕፍቲ እምነታት፡ ንጽጉማት ሓግዙን ደግፉን፡ ንዝሓመመ ሓክሙን ብጽሑን፡ ንዝጠመየ ዓንግሉ፡ ንዝጸምአ ኣጥልሉ፡ ስለዝብል፡ እቲ ምግባረ ሰናይ ሰፊሑ።

ምስ ግዜ ብኵናት፡ ብሕማም፡ ብባህሪያውን ሰብ ኣምጽኦን ሓደጋ ንዘጋጠመ ጸገማት ንምግጣም ውሁድ ንጥፈታት ግብረ ሰናይ ከካይዱ ጀሚሮም። ካብኡ ንደሓር ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ዓበይትን ናእሽቱን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዓምቢበን በብዓቕመን ንህዝቢ ኣገለግሎት ክህባ ጀሚረን።

ኣብ መስርሕ፡ ከኣ ምግባረ ሰናይ ባህላዊ ክብርታትን መወከስን ሕብረተሰባት ኮይኑ ከምዝማዕበለ ሰነዳት ታሪኽ ይገልጹ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ሓያሎ ናይ ቖልዑ ጋንታታት ኩዕሶ ካብ ደቂ ሸሞንተ ክሳብ 16 ዓመት በብዕድሚኦ ንጡፍ ግጥማት ዘካይዳ ጋንታታት ነይረን። ብዙሓት ስድራ-ቤታት ከኣ ነንደቀን ሒዘን ናብቲ ቦታ ስለዝመጽኣ ንሓድሕደንት ክላለያ ዕድል ነበረን።

ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ሓደ መዓልቲ ሊያ ደቃ ሒዛ ናብቲ ጸወታ ምስከደት፡ ሓንቲ ንበይና ደቃ እተዕቢ ኣደ ሰለስተ ቖልዑ ኣደ፡ (ሲንግል ማዘር) ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ናይ ሓንጎል መንሽሮ ኣጋጣሙዋ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ ምህላዋ ሰሚዓ።

ብድሕሪኡ ንቐረባ መሓዙታ ወዳዲባን ዓዲማን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዶላር ገንዘብ ኣዋጺኦም ንሆስፒታል ከይዶም በጺሖምዋ። ሽዑ እታ ኣደ ብሓቂ ተሓጒሳን ተስፋ ገይራን ስለዝረኣዩዋ ምስቶም ሓቢሮም ዝበጽሑ ብጾታ፡ ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱን ብድሕሪኡ፡ "ደቀንስትዮ ንሰብኣውነት" ዝብል ማሕበር ብምቛም ምስ ብጾታ ክትነጥፍ ከምዝጀመረት ትሕብር ሊያ።

"ደቀንስትዮ ንሰብኣውነት"

ምስተን ሓቢራተን ዝኸደት ሊሊን ሳባን መሓዙታ ኣዝየን ከምዝተሓጎሳ ትዝክር። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እታ ኣደ ድሕሪ ቑሩብ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ። ምስ ዓረፈት እውን ኣብ ቀብራን ሓዘናን ብዓቕመን ተዋሲኣን። ብድሕሪኡ ገለ ሰባት ካብቶም መሳርሕቶም እውን ምስ ደቃ ተፋሊጦም ንደቃ ደሃዮም ይገብሩን ይከታተሉዎምን ከምዘለዎ ትሕብር።

ብድሕረኡ እውን ንሓንቲ፡ ናይ ቀረባ ሰብ ዘይነበራ፡ ናይ ኩሊት ጸገም ዝነበራ፡ ሰብ ዘይነበራ ንእሽቶ ዲያሊሲስ እትገብር ኤርትራዊት ቖልዓ ዝሐዙ ሒዞም ኣብ ሆስፒታል ከይዶም ከምዝበጽሑዋን፡ እታ ሰብ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰትን ትነግር።

" እቲ ቀንዲ ነገር እቲ ኣጆኻ-ኣጆኺ ዝብል ቃልን ሞራልን እምበር እቲ ነገራዊ ትሕዝቶ ኣይኮነን" እትብል ሊያ ነቶም ሞራልን ሓይልን ኮይኖም ዝሕግዙዋ መሳርሕታ ብጾት ብልቢ እያ ተመስግኖም።

እቲ ዝገብሩዎ ዘለው ንእሽቶ ነገር እኳ እንተኾነ ብዘይክኦም ዋላ ሓደ ክስራሕ ከምዘይከኣል ትሕብር። እቶም ኣብቲ ጉጅለ ዘለው ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ አሕዋት፡ በብመገዶምን በብዝጥዕሞምን ብዙሕ ዘይነግሩሉን ዘይዛረቡሉን በብዓቕሞም ሓገዛት ከምዝገብሩ እያ ትፈልጥ።

እቲ ቀንዲ ተበግሶን ዕላማን ከኣ " እቲ ኣኣብ ቤትና ወለድናን ክገብሩዎ ዝረኣና ሰናይ ተግባር፡ ንሕና እውን ናብዞም ባህሊ ኣመሪካ ዝፈታተኖም ዘሎ ደቅና ከነመሓላልፎን፡ ነንሓድሕዶም ኣጆኻ ኣጂኺ እናተበሃሃሉ፡ በብዓቕሞምን ዝኽእልዎን ንክትተሓጋገዙ ኣርአያ ንምዃን እዩ ትብል።

"ደቅና ባህሊ ኣመሪካ ንኸይስዕሮም ክንቃለስ ኣሎና" ልያ ብርሃነ

ንሓደ ዝተጸገመ ሕሙም ኣብታ ሆስፒታል ኬድካ " ብሓባር'ዶ ክንጽሊ!" እንተይልካዮን እንተዘናጊዕካዮን እውን ሞራል ምዃኑ እያ ትዛረብ ልያ። ስለዝኾነ እዚ ክሳብ 25 ዝቑጽሩ ንጡፍ ጉጅለን ኣስታት 70 ዝኾኑ ብኢመይልን ስልክን ዝደጋገፉዎን ዝተሓባበሩን ገበርቲ ሰናይ አሕዋት ጽባሕ ንግሆ ናብ ኣማኢትን ኣሻሓትን ቁጽሪ ክዓብን ብመጥን ብዝሑን ውዳበኡን ከኣ ዝምስገን ስራሕ ክስራሕ ዘለዋ እምነትን ተስፋን ትገልጽ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ለበዳ ኮቪድ ንመላእ ዓለም ኣጨኒቑ ብዙሕ ህዝቢ ይጎድእ ብምህላው፡ እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንደቀንስትዮ ሕጂ (Women for Humanity Now) ዝስሙ ማሕበር፡ ብውሑዱ፡ ኣጆኹም ንምባል በቲ ምክልኻል ኮቪድ ዝጠልቦ ኣገባብ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ብማዕዶ ክነጣጠፍ ይፍትን እዩ። ''ነብሲ ወከፍ ሰብ ነንእሽቶ ነገር እንተገይሩ ተዋህሊሉ ዓቢ ነገር ክኸውን እዩ። እምነት ምስቲ ማሕበር ዝነጥፋ ግዱሳት ገበርቲ ሰናይ አሕዋት እዩ'' ትብል ሊያ ንመሳርሕታ እምብዛ እናመስገነት።

መግለጺ ቪድዮ, ካብ ቀዳሞት ኤርትራውያን መምህራን፡ ወ/ሮ መድህን ፈርዲናንድ