እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻቕሎት ምኽባር ዋጋ መሰረታውያን ሃለኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ
እዚ ነባርነቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ውልቀሰብ ማእከላይ እቶት ኣብ ዘለዎም ሰባት እዩ ዝምደብ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት እናኾነ ካብ ዝመጽኣሉ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲታት ብምውሳኹ፡ ኣብ ህይወት ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘሕደረ ይዛረብ።
"ኣብ ከም ሽጉርቲ፣ ጣፍ፣ ኮሚደረ ዝበሉ ጠለባት ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ እዩ ዘሎ። ካብ ደገ ኣብ ዝኣትው ከም ክዳንን መመላኺዒታትን ዝበሉ'ውን ብኡ ልክዕ ዓብዪ ወሰኽ ኣሎ" ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ብዘጋጠመ ምዝሕሓል ንግዲ ሕጽረት ቀረብ ኣጋጢሙ ይኸውን ኢሉ ከም ዝሓስብ ተዛሪቡ።
"ንሓደ ኪሎ ሽጉርቲ ዳርጋ ብኣርብዓ ብር ኢና ንገዝኦ፤ ሰለስተ ዕጽፊ'ዩ ወሲኹ። ኮሚደረ'ውን ናብ ከባቢ 29 ብር ኢና ንገዝኦ ዘለና" ዝበለ እዚ ውልቀሰብ በዚ ምኽንያት ብማሕበራዊ ናብራ ዝፈልጦም መብዛሕትኦም ሰባት ኣጠቓቕምኦም ክቕይሩ ከም ዝተገደዱ ሓቢሩ።
ነባሪት ከተማ ፊቼ ዝኾነት ዘውዲቱ ኣሰፋ ብወገና በብግዝኡ ናብራ እናኸበረ ከም ዝመጽአ ብምግላጽ፡ "ንአብነት ሽጉርቲ ካብ 45 - 50 ብር እዩ ዝሽየጥ ዘሎ። ኩሉ ነገር ወሲኹ'ዩ፤ ዋጋ ጣፍ ልዕሊ 4300 እዩ ኮይኑ፤ እቲ ቕድምስ መንግስቲ ዘይቲ የቕርብ ነበረ" ብምባል ትሑት መሃያ ዝረክብ ስድራቤት ይጽገም ከም ዘሎ ገሊጻ።
ካብዚ ብዝብገስ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ዝተፈላለዩ ለውጢታት ይመጽኡ ዘለው ኮይኖም፡ " . . . ኣብ እነብስሎ መግቢ ኮሚደረ እንጥቀም ሰባት እንተነይርና፡ ሕጂ ንሱ ንገድፎ ኣለና" ብምባል ናብራ መብዛሕትኡ ሕብረሰተብ ኣብ ጸገም ከም ዝርከብ እቲ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ነባሪ ላሊበላ'ውን፡ መዓልታዊ እቶቱ ናብቲ ከባቢ ላሊበላ ብዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ብዘይምህላው በቲ ዘሎ ኩነታት ዕዳጋ ናብርኡ ምምራሕ ከም ዝኸበዶ ገሊጹ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዝቕባበ ዋጋን
ክኢላ ስነ ቑጠባ ዶክተር ጉቱ ቲሶ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ ብርክት ዝበሉ ሃለኽቲታት ከም ዝወሰኸ ይዛረብ።
እዚ ድሕሪ እቲ ለበዳ ብዝሰዓበ እገዳታት ምንቅስቓስ ዘጋጠመ ምትእጉጓል ቀረባት ክኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።
ዶክተር ጉቱ ብፍላይ ድማ ቀንዲ ኣቕራቢት መሰረታዊ ሃለኽቲታት ዝኾነት ዓለም ቻይና ብምኽንያት እቲ ለበዳ ምህርታታ ክተኣጓጎሉ ምኽንያት ከም ዝኾነን ካብዚ ብዝብገስ ዝቕባበ ዋጋ ከም ዘጋጠመን እዩ ዝገልጽ።
"ቀረብ እንትጎድል ዋጋ ይውስኽ" ዝብል እቲ ሙሁር እዚ ኣብ ዕዳጋ ናይ ጠለባት ሻማ ሻማ ከም ዝፈጥር የብርህ።
ብኻልእ ወገን ካብ ካልኦት ሃገራት ምህርቲ ዓዲግኻ ንምምጻእ ሸርፊ ወጻኢ ከም ዘድሊ ብምዝኽኻር እኹል ሸርፊ ወጻኢ ዘይምህላዩ ኣብ ምኽባር ዋጋታት ተራ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ብምኽንያት እዚ ለበዳ ኣፍረይቲ ቐረብ እታወታት ክሓጽሮም ስለ ዝኽእል ዝቕባበ ዋጋ ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ዶክተር ጉቱ፡ ናይ ምፍራይ ወጻኢኦም ክውስኽ እንከሎ ዋጋ እቲ ምህርቲ'ውን ይውስኽ ኢሉ።
"ዝርግሐ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ድሕሪ ዝተወስዱ ስጉምታት እገዳታት ምንቅስቓስ፡ መጓዓዝያ ጠጠው ስለ ዝበለ ሕጽረት ቀረብ እታወታት ከጋጥም ግድን እዩ። እታወት ነክዩ ማለት ድማ ዋጋ ወሲኹ ማለት'ዩ" ብምባል ናይ እታወታት ዋጋ ክውስኽ ከሎ ናይቲ ምህርቲ ዋጋ ከም ዝውስኽ ተዛሪቡ።
ዋጋ ምፍራይ ክውስኽ እንከሎ ብተዘዋዋሪ እቲ ኣፍራዪ እቲ ዋጋ ናብ ሸማቶ ከም ዘዛውሮ ዝገልጽ ዶክተር ጉቱ፡ እዚ ኣብቲ ምህርቲ ወሰኽ ንክርኣይ ከም ዝገብር ሓቢሩ።
"ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ቦታ ዝፈረየ ምህርቲ በቲ ዝድለ ኣገባብ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ክባጻሕ እንተዘይክኢሉ ሕጽረት ስለ ዘጋጥም ተወሳኺ ወጸኢ እዩ ዝሓተካ። እዚ'ውን ኣብቲ ምህርቲ ናይ ዋጋ ወሰኽ ክፍጠር ይገብር"።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ፈተና ከም ዝወደቐ ብምዝኽኻር፡ እዚ ኣብ ምዝርጋሕ ቀረብ እታወታት፣ ዝርግሐ ምህርትን ምንቅስቓስን ምትእጉጓላት ከም ዝፈጠረ ይዛረብ።
ሰኣን ሰላምን ምርግጋእን፡ ፋብሪካታት ምህርቶም ከም ዝነከየ፣ ምህርታት ኣብ ምዝርጋሕ ዝተዋፈሩ'ውን ኣብ መንገዲ ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ተኣጓጒሎም ምትራፎም ንተወሳኺ ወጻእን ክሳራን ስለ ዝተቓልዑ፡ ብተዘዋዋሪ ኣብ ተጠቀምቲ ወሰኽ ዋጋ ከም ዝገብሩ የረድእ።
ምኽንያት ኣብ መሰረታዊ ሃልኪታት ኣጋጢሙ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ከረድእ እንከሎ ድማ፡ እቶም ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ምህርታት [ከም ጥራምረ ዝበሉ] ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረዩ ከም ዝኾኑ ይጠቅስ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ናዕብን ብምጥቃስ፡ እቲ ወቕቲ ምህርቲ ንምፍራይ፣ ንምእካብን ንምዝርጋሕን ኣጸጋሚ ነይሩ ኢሉ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ መፍረያይነት ነክዩ ኣብዚ ዓመት ዝቕባበ ዋጋ ከም ዝተፈጥረ እዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ቀረባ እዋን እንተኾነ'ውን፡ ብፍላይ ድሕሪ ቕትለት ኣርቲስት ሃጨዓሉ ሁንዴሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣትው ምህርታት ከቢድ ምትእጉጓል ከም ዘጋጠመ ኣብሪሁ።
ብተወሳኺ ነጋዶ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዓደጉዎ ምህርቲ ሒዞም ምስ ሸማቲ እንተተራኸቡ'ውን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ዋጋ ወሲኾም ከም ዝሸጡን ተጠቀምቲ'ውን ብጅምላ ከም ዝዕድጉን፤ እዚ ንወሰኽ ዋጋ ምህርታት ምኽንያት ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።
"ኣብ ዓለምና መንግታት ን24 ሰዓታት ትኹረት ገይሮም ዝከታተሉዎ መዐቀኒ ቁጠባዊ ዕብየት ዝኾነ ሓደ ዝቕባበ ዋጋ እዩ። እዚ ንቑጠባዊ ዕብየት ሓንቲ ሃገር ኣዕናዊ'ዩ፤ እታ ሃገር ዘለዋ ዕዳ ንከይትኸፍል ብምዕንቃፍ ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ" ብምባል ልጓም ዘይብሉ ዝቕባበ ዋጋ ሓደገኛ ምዃኑ የረድእ።
እዚ ንምፍታሕ፡ መጀመርታ እቲ ጸጘም ካበይ ዝብገስ'ዩ ዝብል ምጽናዕ ከም ዘድሊ ዶክተር ጉቱ ይገልጽ።
ሓሓሊፉ ግን መበገሲ ዝቕባበ ዋጋ ማሕበራዊ ወይ'ውን ፖለቲካዊ ጉዳያት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይጠቅስ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዘጋጠመ ዝቕባበ ዋጋ ብቕልጡፍ ዝርግሐ እቲ ሕማም ብምቁጽጻር እቲ ሕብረሰተብ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ሰሪሑ ክኣቱ ዘኽእሎ ባይታ ክመቻችአሉ ይግባእ ይብል።
ካልእ በብዓመቱ ዝርአይ ዘሎ ዘይምርጋእ ምኽንያቱ ተጸኒዑ ኣሳታፍን ግልጽን ሃገራዊ ዘተ ተገይሩ ማሕበራውን ፖለቲካውን መልሲ ክወሃቦ ከም ዝግባእ ይምዕድ።
ካብዚ ወጻእ ግን፡ ብመንጽር ቑጠባዊ ዓቕሚ እታ ሃገር እቲ ዝርኣይ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ በቲ ዝርኣይ ዘሎ ፍጥነት እናወሰኸ እንተኸይዱ፡ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክወስዳ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።