እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሕጂ'ኸ ቀጻሊ ጉዕዞ ህዝቢ ሲዳማ ናበይ ገጹ?
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ነበር ክልል [ባይቶ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ]፡ ናይ ስልጣን ርኽክብ ብምግባር፡ ከበስሮ እንከሎ፡ ዓብዪ ናይ ታሕጓስ መድረኽ ብምድላው ሓጎስ ክገልጽ ኣምስዩ።
ህዝቢ ሲዳማ፡ ብደረጃ ዞባ ን30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ እቲ ክልል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ከልዕል እዩ ጸኒሑ።
እዚ ሕቶ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ብዘድመጸሉ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ክውሰን ብምግባር፡ መዕለቢ ክረክብ ብምግባሩ፡ 10ይ ክልል እታ ሃገር ኮይኑ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ክጽምበር እዩ።
ድሕሪ ሕጂ፡ ሲዳማ ርእሱ ክኢሉ ንክመሓደር ዘኽእሎ መሰል ከም ዝረኸበ ዝገልጽ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሲዳማ ኣቶ ሰለሞን ላለ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌድሪ ዓንቀጽ 47 ንኡስ ዓንቀጽ ሰለስተ 'መ' ን 'ሰ' ን፡ ስልጣኑ ተረኪቡ ኣሎ ኢሉ።
[ዓንቀጽ 47 ንኡስ ዓንቀጽ 3 'መ'፡ ቤት ምኽሪ ሓደ፡ ነቲ ስልጣን ዝሓተተ ብሄረሰብ ወይ ህዝቢ ከረክብ እንከሎ፣ 'ሰ' ድማ፡ ብህዝበ ውሳነ ዝፍጠር ሓድሽ ክልል ሕቶ ምቕራብ ከየድለዮ፡ ብቀጥታ ኣባል ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ይኸውን] ይብል።
ድሕሪ ሕጂ፡ ካብቲ ስልጣኑ ዘረከበ ክልላዊ መንግስቲ ዝተዋህቦም ሰነድ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ከም ዘእቱ ዝገልጽ ኣቶ ሰለሞን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ዞባ ሲዳማ ዝነበረ ቤተ ምኽሪ ሓላፍነት እቲ ሓድሽ ክልል ከም ዝወሰደ ገሊጹ።
"ድሕሪ ሕጂ፡ ሲዳማ ዞባ ዘይኮነ ክልል ተባሂሉ እዩ ክጽዋዕ። በዚ መሰረት ቐጺሉ ኣወዳድባ መንግስቲ እቲ ክልል ናይ ምጥያስ ስራሓት'ዮም ክስርሑ። እዚ ማለት፡ ካብ ክልል ክሳብ ታሕቲ ዘሎ፡ ናይ ምምሕዳር ደረጃታትን ፈጻሚ ኣካል፣ ሕጊ መውጽእን ተርጓሚን ኣካላት ክጣየሱ እዮም" ኢሉ።
ድሕሪ'ዚ፡ ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ፕረዚደንት ብምምራጽ፡ እቲ ፕረዚደንት ዘቕርቦም ኣባላት ካቢኔ ክሽየሙ'ዮም።
"ብተወሳኺ፡ እቲ ተርጓሚ ሕጊ ዘቕርቦ፡ ናይ ዳይነት ኣካላት ዘጣይስ ኣዋጅ ብምጽዳቕ፡ ዳያኑ፣ ፕረዚደንትን ምኽትሉን ይሽየሙ። እቲ ክልል ዝመሓደረሉ ሕገ መንግስቲ'ውን ክጸድቕ'ዩ፤ እዚ ኹሉ ኣወዳድባ ምስ ጸደቐ፡ እቲ ናይ ክልል ምስረታ ተወዲኡ ይብሃል" ብማለት ኣቶ ሰለሞን የብርህ።
ኣብ ባህሊ ሲዳማ፡ ናይ መንግስቲ ኣካላት ፖለቲካዊ ውሳነታት ቅድሚ ምውሳኖም፡ ዓበይቲ ዓዲ'ዮም ተዘራሪቦም ዝውስኑ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ናይዚ ሓድሽ ክልል ስሩዕ መንግስታዊ ምስረታ መዓስ ይካየድ ኣብ ዝብል ዘትዮም ዝበጽሑዎ ውሳነ፡ ናብቶም ኣመራርሓን ህዝብን የቕርቡ።
በዚ መሰረት፡ ድሮ እቶም ዓበይቲ ዓዲ እዚ ምስረታ መዓስ ይካየድ ኣብ ዝብል ተኣኪቦም ዝዘተዩ ኮይኖም፡ ኣብ ቀጻሊ ሰሙን ወይ'ውን 27 ሰነ 2012 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ክካየድ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ሂቦም ኣለው።
ነዚ ውሳነ ሒዝካ፡ እቲ ምስረታ ከም ዝካየድ ዝገልጽ ኣቶ ሰሎምን፡ እቲ ክልል ዝመሓደረሉ ክልላዊ ሕገ መንግስቲ፣ ኣዋጃትን ካልኦት ሕጋዊ መስርሓትን ንምጽዳቕ ከም ዝስራሕ ሓቢሩ።
ክልተ መንግስቲ ኣብ ሓንቲ ከተማ
ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማ፡ ሃዋሳ ማለት ሰፊሕ ነገር ማለት እዩ ይብሉ።
እታ ከተማ ብሰፋሕቲ ቀላያት ዝተኸበበት ኮይና፡ እቲ ህዝቢ ብምርባሕ እንስሳን ሕርሻን እዩ ዝናበር።
እዛ ከተማ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ግዝኣት ሲዳማ ዝነበሩ ራእሲ ልኡል መንገሻ፡ ንከተማ ሃዋሳ ቅድሚ 59 ዓመት መስሪቶምዋ።
ሰፊሕ ቃላይን ሃብቲ ዓሳን ዘለዋ ከተማ ስለ ዝኾነት ድማ፡ ጽቡቓት ናይ ሕርሻ ስራሓት ዝስርሐላ ማእከል ንክትኸውን'ዮም ሓርዮምዋ ነይሮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ማሕበረ ቑጠባዊ ምንቅስቓሳት ዝሳለጠላ ከተማ ኮይና፡ ከም በዓል ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሱሴ ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ውልቀሰባትን ሰብሃፍትን፡ ዓበይቲ ህንጻታት፣ ሆቴላትን ካልኦት መሰረቲ ልምዓትን ዝሰርሑላ እያ።
እዛ ከተማ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ማእከል መንግስትነት እቲ ነባር ክልል ህዝብታት ደቡብ ኮይና እኳ እንተጸንሐት፡ ሲዳማ ዓርሱ ዝኸኣለት ክልል ኮይኑ ድሕሪ ምምስራት ግን፡ ሕቶ በዓል ዋንነት ክለዓላ እዩ።
ህዝቢ ሲዳማ ቅድሚ ናብ ሪፈረንደም ምኻዱ፡ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል [ማለት ህዝብታት ደቡብ] ኣቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ዝምልከት ሕጊ ኮይኑ ዘገልግል ናይ ውሳነ ሓሳብ ከም ዘዳለወ፡ ኣቶ ሰለሞን ላለ ይገልጽ።
"ብሱሩ ግን፡ ሃዋሳ ብጂኦግራፊኣዊ ኣቀማምጥኡ ናይ ሲዳማ ስለ ዝኾነ፡ ብቐንዱ ብምምሕዳር ክልል ሲዳማ እዩ ክመሓደር። ካልኦት ቤት ጽሕፈታት እቲ ነባር ክልል ግን ኣብዛ ከተማ ኮይኖም፡ ንክልተ ናይ መረጻ ዘመናት ንክቕጽሉ ኣቐዲሙ ብቤት ምኽሪ ተወሲኑ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ኮይኖም ካልኦት ዞባታቶም ከመሓድሩ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል፡ ኣወዳድባ ተወሲኑ። እቲ ናይ ንበረት ጉዳይ ድማ፡ ብመሰረት ምምሕዳር ንበረት ሃገርና ከም ዝፍጸም ብኣዋጅ ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ትማሊ'ውን ኣብቲ ጉባኤ ስለ ዝተላዕለ፡ ካብ ክልቲኦም ክልላት ዝተወጻጽአ ኮሚቴ ተጣይሱ ርኽክብ ክፍጸም እዩ ተባሂሉ ኣሎ" ኢሉ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፡ ከተማ ሃዋሳ ማእከል ክልተ መንግስታት ክልላት ሲዳማን ህዝብታት ደቡብን ኮይና ከተገልግል እያ።
ድሕሪኡ ግን፡ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ፡ ናብ ኣርባምንጭ፣ ወላይታ ወይ ሃዲያ ክኸይድ ከም ዝኽእል ይግመት።
6ይ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክካየድ ከም ዘይኽእል ብምግላጽ፡ ስልጣን እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንግስቲ ዘናውሕ ውሳነ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ከም ዝተመሓላለፈ ይዝከር።
ሓድሽ ክልል ሲዳማ፡ ብሃገራዊ ሰልፊ ብልጽግና ከም ዝምራሕ ኣቶ ሰለሞን ላለ ኣዘኻኺሩ።
ቐጸልቲ ብድሆታት
ኣብ ክልል ደቡብ፡ ልዕሊ 50 ብሄር ብሄረሰባት ከምዘለውን፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ሓድሽ ክልል ሲዳማ'ውን፡ 36 ወረዳታትን ካልኦት ምምሕዳር ከተማታትን ከም ዝርከባ ይግለጽ።
ኣብ ዙርያ ሲዳማ ዝለዓሉ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ድልየታት ከም ዘለው ዝገልጽ ኣብ ዩኒቨርሰቲ ሃዋሳ መምህርን ተመራማርን ሕግን ምምሕዳርን ኣቶ ዮሃና ዮካሞ፡ ርእሱ ክኢሉ ክቐውም ክጅምር እንከሎ ክገጥሙዎ ዝኽእሉ ብዙሓት ብድሆታት ከም ዘለው ይጠቅስ።
እዚ ሓድሽ ክልል፡ ምስ ክልላት ኦሮሚያ ነባር ክልል ደቡብን ዝዋሰን ከባቢ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ከባቢታት ኣብ ዘለው መዋስንቲ ቦታታት ዘይተፈትሑ ዝጸንሑ ጎንጺታት ከም ዘለው ይጠቅስ።
ነዚኦም ዝጠምር መፍትሒ ከይተዋህበ ብምምጽኡ፡ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ጸጥታ ክፍጠርን ንመሪሕነትን ህዝብን እዚ ሓድሽ ክልል ዝፍትኑ ጸገማት ክፍጠሩ ከም ዝኽእሉን ይግምት።
"ሓያል መንግስቲ እንተዘይተመስሪቱ፡ ብዙሓት ጸገማት ክለዓሉ ይኽእሉ'ዮም። ብፍላይ ድማ፡ ቅድም ኢሉ'ውን ብሚዲያታት ንሲዳማ ዘይገልጹ ጸብጻባት'ውን ስለ ዝነበሩ፡ እዚኦም ባዕሎም ጸገም ክፈጥሩ ይኽእሉ'ዮም ኢለ ይሰግእ። ብመዳይ ቑጠባ፡ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ብልሽውናን ካልኦት ናይ ጸጥታ ጸገማትን ክህልው ስለ ዝኽእሉ፡ ነዚኦም ዝምክት ድልዱል መንግስቲ ክምስረት እንተዘይክኢሉ የስግእ እዩ" ይብል።
እዞም ብድሆታት ንምእላይ ድማ፡ "ናይ ሓደ ጉጅለ ድልየት ዘፈጽም ዘይኮነ"፡ ሓቛፊ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘአንፍት ገሊጹ።
ክልል ህዝብታት ደቡብ፡ ሓድሽ ኣወዳድባ ስርዓት ፌደራሊዝም ግብራዊ ምስ ኮነ፡ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ሓሙሽተ ክልላት ብምጥማር ዝተፈጥረ ልዕሊ 50 ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝርከብሉ ክልል እዩ።
ኣብቲ ክልል፡ ንዞባ ወላይታ ርእሰን ክኢለን ብደረጃ ክልል ክቖማ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕርባ ልዕሊ 10 ዞባታት ኣለዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብ9 ሰነ ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ምስ ኣመሓደርቲ ዞባን ክልልን ከምኡ'ውን ወረዳታት እቲ ክልል ተራኺቡ ዝዘተየ ኮይኑ፡ ሲዳማ ሓዊሱ ክልል ደቡብ ኣብ ኣርባዕተ ዝኸፍል ሓድሽ ኣወዳድባ ንቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ክሓልፍ ከም ዝተሰማምዑ ይግለጽ።