ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ትግራይ- ኩሉ ነናብ ገዛኡ ምስኣተወ ገዛ ዘይብለን'ከ እንታይ ይኹና?

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ፋይቶት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓደ ማእከል ክኣትዋ ተገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ ኰይኑ ናብዛ ዓለም ፅዒሩ እዩ ዝነብር። ግን ንገሊኡ ይምሰለሉ፡ ገሊኡ ከኣ ነዛ ድራር እለቱ ክኽእል ፈፈው ክብል ይነብር።

ብፍላይ ገሊኡ፡ 'ሓሳረ መከራ ጽሕፍቶይ እዩ' ኢሉ ክሳብ ዝኣምን ድከቱ ይበልዕ። ዝረኸበ ክስእን፡ ዝሰኣነ ክረክብ ንቡር እዩ ዝበለ ድማ ርእሱ ከቕንዕ፡ ሓመዱ ነጊፉ ካብ ዝወደቖ ይትንስእ።

ብፋይቶትነት ምንባር ከም ስራሕ እንተተቘፂሩ፡ ብእኡ ዝነብራ ደቀንስትዮ ኣለዋ።

ቁጽረን ክበዝሕ ክውሕድ ይኽእል እምበር ኣብ ሕድሕድ ከተማታት ትግራይ ብፋይቶትነት ዝናበራ መንእሰያት ደቀንስትዮ ኣለዋ።

እቲ ህይወት ኣብ ጥቓ ፈርኔሎ ዳርጋ ምትኻስ ምዃኑ እናተረደአን 'እንጀራ ጀላዕ ኣይበላዕ' ኢለን እናማረራ እውን ግን ኣማራፂ ስለዘይብለን ይነብራሉ።

እቲ ዘሕዝን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተስምዐን ህዝባዊ ምውስዋስ ተገቲኡ ዕፅዋ ምስ ተኣወጀን፡ ዓማዊል ስኢነን ነዛ ንኸብደንን መኽፈሊ ክራይ ገዛን ስኢነን ኣብ ጸገም ዝኣተዋ ሓያሎ እየን።

እምበኣር ኣብቲ ድነን ፀልማትን ዝተመልኦ ግዜ፡ ዋግዋጎን ብራቕን ዘብርህ ምትሕግጋዝ ተወሊዑ። ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝወርድ ፆታዊ መዓት ከብቅዕ ዝሰርሕ፡ "ይኾኖ" ብዝብል መጸውዒ ምንቅስቓስ ዝጀመራ ደቀንስትዮ ፍታሕ ሒዘን ቀረባ።

እቲ ለበዳ ካብ ዝለዓል ኣትሒዙ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ብምጥቃም፡ ኣያ ንዘይብለን ብኸመይ ንደግፈን? ዝብል ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ፤ ሜላታትን ምኽርን ተዋህሊሉ፤ ኩለ መዳይ ሓገዝ እውን ተኣኪቡ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መንቀራቕሮ ዝኣተዋ ደቀንስትዮ ብዙሓት እኳ እንተዀና፡ ምንቅስቓስ "ይዀኖ!" ምስ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ምድረገነት መሐብሐቢ ኣረጋውያንን ትካል ማሕበራዊ ኣገልግሎትን (ኦሳድ ትግራይ) ብምዃን ን12 ደቀንስትዮ ምስ 8 ደቀን ኣብቲ ኣብ ኣይኣናለም ዝርከብ ብዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝውነን ቤት ትምህርቲ ማሕበረሰብ ክሕብሕባ ጀሚረን።

ሓንቲ ካብ መሪሕነት ምንቅስቓስ "ይኾኖ!" ፅዴና "ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጀመርታ ተጠቃዕቲ ክዀና ዝኽእላ፡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከባ ደቀንስትዮ እየን ኢልና ሓሲብና።

ፅዴና
መግለጺ ስእሊ, ፅዴና፡ ኣባል ምንቅስቓስ 'ይዀኖ'

ስራሕ እውን ንምስራሕ ዝፅገማ ንሳተን እየን፤ ብፍላይ እተን [ብፋይቶትነት ዝመሓደራ] ብኸመይ ኢና ክንሕግዘን ኢልና ኢና እዚ ቦታ ተዋሂቡና" ብምባል እቲ ዕማም ንምንታይ ከምዝተጀረ ትገልፅ።

እተን ደቀንስትዮ ኣብቲ ማእኸል ፅሩይ መፅለሊ ተዳልዩለን ኣብ ሓደ ገፊሕ ክፍሊ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰባት ይድቅሳ።

ምግብን ማይን ይቕረበለን። ፅሬተን ክሕልዋን ደቀን ክኣልያን ዘድሊ ዘበለ ቀረብ ተማሊኡለን።

ዳርጋ ኩለን፡ ጫት ዝወስዳ፣ ሽጋራ ዘትክኻ፣ ኣልኮላዊ መስተ ዘዘውትራን ብኻልኦት ወልፍታት ዝተፀመዳን እየን ነይረን።

ናብቲ መዕቘቢ ቦታ ምስኣተዋ ካብቲ ዝነበረኦ መፃወድያ ወልፊ ክሳብ ዝናገፋ ዓቐብ ኰይኑወን ዓፅዓፅ በዚሑ ከምዝነበረን ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ፅቡቕ ኩነት ከምዘለዋን ፅዴና ትምስክር።

"ካብዚ ክወፅኣ እንተለዋ፡ ካብቲ ዝነበረኦ ስራሕ ዝተፈለየ፡ እንተተኻኢሉ ንባዕለን ዝኽእላሉ ወይ ድማ ብቐሊሉ ክቑፀራሉ ዝኽእላሉ ሞያ ክነሰልጥን ኢና ንሓስብ።

ንባዕለንን ንደቀንን እውን መሰረታዊ ትምህርቲ ክንህብ ኢና ንሓስብ።

ምኽንያቱ ቤት ትምህርቲ ኣትየን ዘይፈልጣ ስለዘለዋ እንተወሓደ ምንባብን ምፅሓፍን ክኢለን እንተዝወፅኣስ ህይወተን ከመሓይሻ ክሕግዘን እዩ ኢልና እውን ንኣምን" ብምባል ብዛዕባ ንመፃኢ ተሓሲቡ ዘሎ ትልሚ ኣመልኪታ ትዛረብ።

መፀግዒ ንዘይብላ ጓልኣንስትየቲ እዩ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብፍላይ ድማ እቲ ለበዳ እናኸፈአ ምስከደ ህዝቢ ነናብ ገገዛኡ ክኣቱ እንከሎ፡ "ገዛ ዘይብለን'ከ እንታይ እየን ክዀና?" ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ናብ ዘተ ቀሪቡ ፍታሕ ከምዝተናደየሉ ፅዴና ተረድእ።

ነዚ ድማ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ መቐለ ኣብ ክፍላተ ከተማ ብዘለዉ መሓውራቱ ኣቢሉ፡ ነተን ምሒር ዝተፀገማ መምዩ ኣምፂኡዎን።

ምንቅስቓስ "ይኾኖ!" ኢድ መንግስቲ ብዘይምፅባይ ንህዝቢ ብምትሕብባር ብርክት ዝበለ ክዳውንቲን ኣቑሑት ገዛን ኣኪበን ኣለዋ።

ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝተፈላለዩ ዓይነትን ዓቐንን ዘለዎ ክዳንን ሳእንን ከምኡ'ውን ኣቑሑት ገዛ፣ሳሙና፣ፍርናሽ፣ኣንሶላን ኮቦርታን ይረአ።

እቲ ዛጊድ ተጀሚሩ ዘሎ ስልጠናታት እውን ብናፃ እዩ ዝወሃብ ዘሎ።

"ሕዚለ ዓቕሚ ስለዘለና፡ እቲ ቦታ እውን ክፉት እዩ፤ ዝዀነ ሰብ ሓቢሩ ከራኽበና ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ዝተፀገማ፣ስራሕ ዘቋረፃን ኣብ እንዳ ሰብ ተፀጊዐን ዝነብራ ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና። እተን ክሳብ ሕዚ ኣትየን ዘለዋ ክሰርሓ ስለዘይከኣላ ፀጊሙወን ዝብላዕ ዝሳኣና እሞ ድማ ነናብ ጣብያአን ከይደን ስለዝተናገራ እየን ክመፅኣ ክኢለን። ስለ'ዚስ ህዝቢ ሓበሬታ ብምሃብ ክተሓባበረና ይግባእ" ኢላ ፅዴና።

ሰላም፡ ኣብ መቐለ ቀበሌ 14 ብፋይቶትነት ትመሓደር ነይራ። ምስኡ ድማ ሽጋራ ተትክኽ፣ ጫትን ኣልኮላዊ መስተን ትወስድ ነይራ።

ሰላም ወላ እውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይመፅእ'ሎ ተኣርነቡ እናተባህለ "ናብራይ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ስለ ዝዀነን ኣማራፂ ስለዘይብለይን" ስራሕ ኣየቋረኩን ነይረ ግን ትርጉም የብሉን" በለት።

"ናብዚ ስራሕ ካብ ዝኣቱ 10 ዓመታት ገይረ ኣለኹ። መጀመርታ ኣብ ጐደና ይሓድር ነይረ፤ ቀፂለ ናብ ሆቴላት ብምዝውዋር ስራሕ ጀሚረ። ብድሕሪኡ ናብ ቀበሌ 14 ብምእታው ቀፂለ። ኣይጠመኹን ኣይፀማእኹን ግን ነብሰይ ኣሕሲረ ዝረኽቦ ገንዘብ ዋጋ የብሉን። ደሓር ዘዝሰራሕኹዎ ናብ ጓለይ ስለ ዝልእኾ ደኣ ደስ ይብል እምበር ገንዘበይ ኣብ መዐገሲ ወልፈይ እየ ዘጥፍኦ። ሕዚ ግን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ስልጠና እንሄ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ሰልጢንኪ ካብዚ ስራሕ'ዚ ትወፅኢ ትልወጢ ኢለን መሓዙተይ ነጊረናኒ እየ መፂኤ። ገሌአን እንዳ ጨጉሪ ክሰርሓ ከምዝደልያ ገሊፀን ኣለዋ፤ ኣነ ድማ እንዳቡን ተዝሰርሕ እመርፅ" ብምባል ተተስፍዎ ዘላ ብሩህ መፃኢ ነጊራትኒ።

ካብተን ኣብቲ ማእከል መዕቘቢ ዘለዋ ክልተ ነብሰጹር ዝርከበአን 12 ክልተ ደቂ ሄዋን ሜሮን መሓመድ ትርከበን። ሜሮን ኣብ እንዳ መስተ መሳሰይት ኰይና ተቘፂራ ኣብኡ እንከላ ድማ ኣብ ነብስኻ ምሕሳር ወፊራ ምንባራ ትገልፅ።

"ኣነ ኣቦን እነን የብለይን። ካልእ ደጋፊ እውን የብለይን። ጓል 23 ዓመት እየን፤ ክልተ ቈልዑ ኣለዉኒ። ኣቦታት ደቀይ እውን የለውን። ደቀይ ባዕለይ ሰሪሐ እየ ዘዕብዮም። ተጨማሊቐ ካብ ዝነብር ናብዚ ህይወት'ዚ ብምውፅአይ ብጣዕሚ ደስ ኢሉ'ሎ። ቀለብና ይኹን ፅሬትና ፅቡቕ እዩ። ኣብ ወልፍ ሽጋራን መስተን እኳ ኣይነበርኩን ግን [ፋይቶትነት]'ሲ ነይረሉ እየ። ብሰንኪ እቲ ሕማም ስራሕ ጠጠው ስለ ዘበልና ከኣ ናብዚ ብምምፅአይ ሕጉስቲ እየ"

ሜሮን ካብቲ መዕቘቢ ሞያዊ ስልጠና ብምውሳድ ናይ ባዕለይ ትብሎ ስራሕ ብምክያድ፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይና ንደቃ ክተዕቢ ሰናይ ትምኒት ይረአያ'ሎ።

ኣብቲ ግዚያዊ መዕቘቢ ዝርከባ ደቀንስትዮ ብሓባር ኰይነን መረባ ገዛውተን ከፅርያ፤ ክስሕቓን ክተሓላለያን፣ደቀን ብሓባር ክፃወቱ ምርኣይ ኣፋፍኖት ሓድሽ ህይወት ሂቡወን ኣሎ።

ኮሮና
ኮሮና