እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ዓብዪ ተስፋ ዝተገበረሉ ኣትሌት ኣባዲ ሃዲስ ብሞት ተፈልዩ
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተሳተፈ ኣትሌት ኣባዲ ሃዲስ ኣብ 22 ዓመቱ በሞት ከምዝተፈለየ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ትግራይ እንዳመኾኒ ዝተወለደ ኣትሌት ኣባዲ፡ ኣባል ጋንታ ትራንስ ኢትዮጵያ ብምዃን ንጋንትኡ፣ ክልሉን ሃገሩን ዕዉት ስራሕ ከምዝሰርሐ እቲ ፌዴረሽን ገሊጹ።
ኣብ 2016 ዓምፈ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሸላሚ ወርቂ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር በረኻ-ኣቋራጭ 10 ኪሎሜትር ተሸላሚ ነሓስ፣ ኣብ 2019 ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ መላእ ጸወታታት ኣፍሪካ ብ 10 ሽሕ ሜትር ሻብዓይ ደረጃ፣ ኣብ 2017 ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሻብዓይ ደረጃ፡ ኣትሌት ኣባዲ ሃዲስ ካብ ዝረኸቦም ውጽኢታት ከምዝኾኑ እቲ ፌደሬሽን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣትሌት ኣባዲ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስታል መቐለ ሕክምና ክከታተል ምስጸንሑን፡ ጥሪ 26/2012 ዓም ብሞት ከምዝተፈለየን ስነ ስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ትውልዲ ከባቢኡ ከምዝፍጸምን ተገሊጹ።