እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገዱ ኣንደርጋቸው፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነበር ኣይተ ገዱ ኣንደርጋቸው፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣይተ ለማ መገርሳ ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ።
ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ኮይና ተሸይማ ዝነበረት ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ድማ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝተውሃበ ሽመት ሚኒስተር ከተማን ኮንስትራኽሽንን ኮይና ተሸይማ።
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 37 ስሩዕ ኣኼብኡ እዩ ነዚ ሽመት ኣጽዲቕዎ።
እዚ ሽመት ሰለስተ ሚኒስተራት፡ ሓደ ተቓውሞን፣ ሓሙሽተ ተዓቅቦ ድምጽን ጥራይ እዩ ካብቲ ባይቶ ገጢምዎ።
ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስትር ምክልኻል ኮይነን ንኣዋርሕ ጸኒሐን እየን።
ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ኮይነን ኣብ ዝተሸማሉ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ-መሕትት፡ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ተሸይመናሉ ዘይፈልጣ መዝነት ብምዃኑ ዘይተፀበይኦ ሽመት ከምዝነበረ ገሊጸን ነይረን።