ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኖርዌይን ካናዳን ይጣየሱ

ኣብ ፈላማይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ፡ ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ሶርያውያንን ዝርከቡዎም 114 ስደተኛታት፡ ኣብ ኖርወይን ካናዳን ክጣየሱ ብሰለስተ በረራታት ካብ ሊቢያ ክወጽኡ ከም ዝተገበረ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ።

እቶም ናብ ኖርዌይ ዝጣየሱ ስደተኛታት ካብ ሊቢያ ናብ ሮማኒያ ዝተወሰዱ እንትኾን፡ ጸኒሖም ናብ ኖርዌይ ክቕጽሉ እዮም ተባሂሉ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ሎሚ ልዕሊ 150 ሃገራት ኣብ ምሕደራ ስደት ዘተኮረ ዓለምለኻዊ ስምምዕ፡ ከቲመን።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ስምምዕ ዘይቀያዲ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራካሽ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ክዝርዕም ተገይሩ ኣሎ።

እንተኾነ፤ እዚ ልዕሊ 150 ሃገራት ዝተስማማዓሉ ሓሳብ፡ ብኣውስትራልያ፣ ኣሜሪካን 6 ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተቐባልነት ስኢኑ ኣሎ።

እዚ ኣኼባ፤ ውሁድ ምሕደራ ዶባትን፡ ስደተኛታት መሰረታዊ ጠለባት ንክረኽቡን ንምጥጣሕ ዝዓለመ እዩ።

ነቐፍቲ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘበራትዕ'ዩ ኢሎም ክነቕፍዎ እንከለዉ፡ ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቱንዮ ጉተረዝ ግን፡ እዚ ስምምዕ ኣብ ምትሕብባርን ምቁጽጻር ስደታኛታትን ዝተመስረተ እዩ ኢልዎ።

ካብ 2000 ዓመተ ፈረንጂ ንነጆ፤ ኣስታት 60,000 ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ከምዝሞቱ ዘገለጸ ኣንቱንዮ ጉተረዝ፡ እዚ መርኣያ ሓባራዊ ውድቀትና እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ብዘይካ ኣሜሪካ፡ 193 ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ምክታም ዝበጽሐ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ሓምለ መደምደምታ ኣንቢረናሉ እየን።