እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍሪቃ-ኤርትራ፡ "ቀንዲ ማሕለኻ መንእሰያት ኣፍሪቃ፡ ነጻነት'ዩ"
ብ 'መንእሰያት ሓንቲ ዓለም ' ዝፍለጥ ዓመታዊ ዋዕላ መንእሰያት፡ ካብ ዝሓለፈ ሮቡዕ 17-21 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኔዘርላንድስ ተቓኒዑ'ዩ።
እዚ፡ ብማሕበራዊ፤ ፖሊቲካውን ሰብኣዊ መሰላትን ንጡፍ ኣበርክቶ ዘለዎም መንእሰያት ካብ ሙሉእ ዓለም ኣናሓጸየ ዘሳትፍ ዋዕላ፡ ኣብ 2001 ብኬትን ደቪድን ዝተጀመረ'ዩ።
መንእሰያት፡ ተሞክሮ ሕድ ሕድ ክለዋወጡ፤ ማሕለኻታቶም ናብ ዝምልከቶም ብምቕራብ ክመያየጡን መፍትሒ ከናድዩን፤ ከምኡ'ውን ተራ መሪሕነት ክጻወቱን ዝዛተዩሉ መድረኽ ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊት መንእሰይ ቬሮኒካ ኣልመዶም፡ ሓንቲ ካብቶም ተሳተፍቲ እዚ ስቡሕ ተሞክሮ ዘቕስም ዋዕላ መናእሰይ'ያ።
ንሳ፡ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ብፍላይ ክኣ ኤርትራውያን፡ ዘይሰገርናዮም መሰረታዊ ጸገማት ብዙሓት'ዮም እያ ትብል።
"መሳቱና ዜጋታት ኣብ ካልኦት ዓለማት ብዛዕባ ዕቤት ቴክኖሎጅን ምህዞታትን ክዛረቡ እንከለው፡ ንሕና ግን ብዛዕባ ናጽነት፡ ምርጫ፡ ሰብኣዊ መሰላትን፤ ምኽፋት ዩኒቨርስትን ክንዘረብ እንከለና፡ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕምም" ትብል።
እቲ ዓለማዊ መድረኽ፡ ህሉው እዋናዊ ኩነታት መንእሰያት ሃገራ ክተቃልሕ ዕድል ከም ዝፈጠረላ'ያ ትዛረብ።
ቀንዲ ማሕለኻ መንእሰያት ኣፍሪቃ
"እቲ ዓቢ ማሕለኻ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝደልይዎ ነጻነትን መሰላትን ዘይምርካብ፣ ብዓብይኡ ድማ ትምህርቲ ኢዩ። ትምህርቲ ክንብል እንከሎና፡ ብዝያዳ ሕጽረት መሳለጥያ፡ ጽፈት ካሪክለምን ዓቐምን የጠቓልል" እያ ትብል ቬሮኒካ ኣልመዶም።
'ደረት ኣልቦ ረብሓ ትምህርቲ' ክብል፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ኣፍሪቃ ተወከልቲ ካብ ዘቕረቦ ትሕዝቶ ተበጊሳ፡ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ብሓፈሻ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ፡ ማዕረ ክንደይ ኣብ ዕድሚኦም ከም ዝኸሰሩ ክትሓስቦ ከም ዘሕዝና እያ ትገልጽ።
ስለዚ መንእሰያት ክዓብዩ፡ ዓለምና ዝሓሸት ብፍጡራታ ክትስለምን ክትምዕብልን እንተኮይና፤ ኩሎም ምሁራት ኢና ዝብሉን ብፍላይ ድማ ፖሎቲከኛታትን መራሕትን ንኩነታት መንእሰያት ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ ክስርሑሉ ይግባእ'ውን ትብል።
ኤርትራውያን መንእሰያት'ከ?
ተቐማጢት ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝኮነት ኤርትራዊት መንእሰይ ቬሮኒካ ኣልመዶም፡ ብኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ሕጉስቲ ዘይምኳና'ያ ትዛረብ።
"ኣብ ልዕሊ እቶም ዝጠቐስናዮ መስገደላት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ግን ውሕስነት ሂወት'ውን ብዘይ ምርካቦም፤ ኣዒንቶም እናረኣየ ኣእዛኖም እናሰምዕ ናብ ሓዊ ክጥበሱን ብሩህ መጻኢኦም ደቢኑ መፍቶ ጓኖት ክኾኑ ምርኣይ ኣበየናይ መስርዕ ዓለም ኢና ዘሎና ኢልካ ንነብስኻ ክትሓትት ይገብረካ"ትብል እታ መንእሰይ።
እዚ ጸገም፡ ንዓና መልሲ ዘይብሉ ሕቶ'ዩ እትብል ቬሮኒካ፡ 'ፍትሓዊ ዘይኮነ ሰብኣዊ መሰላት ዝጭፍልቐ መንግስቲ ኣብ ዘለወሉን፡ ሕገ መንግስቲ ኾነ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ትምህርቲ ኣብ ዘይተሳሲ ኤርትራ ዝፈረና መንእሰያት ብምዃንና፡ ኣብ ዓለም እንጾሮ ሸክሚ ልዕሊ ዓቐን ክኸውን ገይሩዎ'ዩ በሃሊት'ያ።
መጻኢ መደባት
እዚ ብድሕሪ ሞት ኮፊ ኣናን ንመጀመርታ እዋን ዝተኻየደ መድረኽ መንእሰያት፡ እቶም ዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታን መዓልቦ ክረኽቡን መፍትሒ ማሕለኻታት ካብ መንእሰያት ንመንእሰያት ክውፈን'ውን ተላብዩ'ዩ።
ስለዝኾነ ነዚ ኣንጸላልዩ ዘሎ ማሕለኻ መንእሰያት ኩሉ ሻማ ሻማ ይበል እዩ ዳግም ለበዋ ቬሮኒካ።
"ዝደበነ መጻኢ ሒዝና፡ ጸገማትና ካልኦት ክፈትሕዎ ኣይንጽበን። እቲ መፍትሒ ባዕልና ከነናድዮ ኣሎና። ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚታት መድረኽ ሰላምን ፍትሕን እናጨራሕና ኣእዛን ሰማዕቲ ከንኩሕኩሕ፡ ጸማም እዝኒ ንዝሃበና ድማ ክሳብ ዝስቆሮ ክንነግር ኢና'' ትብል።
እናረኣና ከም ዘይረኣና ካብ ምዃን ግን ኢደይ ኢድካ ኢልና ነታ ትመጽእ ዓለም ብርህትን ድምቕትን ንግበራ ብምባል ዘረብኣ ትዓጹ።