እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወጥሪ ተጋዲዱ
ጽባሕ ቐዳም፡ ናብ ሃገረ ንዝምለሱ ኣመራርሓን ሰራዊትን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንምቕባል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምድላዉ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ግጭት ስለዘጋጠመ ኣብታ ከተማ ዉጥረት ዓሲሉ'ሎ።
ሪፖርተራት ቢቢሲ፡ ናብቶም ግጭት ዝተልዓሎም ከባቢታት ተዘዋዊሮም ኣብ ዝኣከቡዎ ሓበሬታ፡ ሎሚ ንጉሆ እታ ከተማ ምርግጋእ'ኳ እንተነበራ፡ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ግና፡ ዳግም ጎነጽ ተላዒሉ ስግኣት ከምዝወረሳ ገሊጾም።
ፒያሳ፣ ኣስኮ፣ ዊንጌት፣ መስቀል ኣደባባይ፣ ኣዲስ ገበያን ቡራዩን ተረቢሸን'የን ዉዒለን።
ብቡራዩ ኣቢሎም ናብታ ከተማ ክኣትዉ ዝፈተኑ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ፡ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትዉ ፖሊስ ብምኽልካሉ እቲ ዘይምርድዳእ ከምዘልዓሎ ሓቢሮም።
እቲ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝተርኣየሉ ከባቢ ዊንጌት ዝነበሩ ትካላት ንግድን ካልኦትን ክሳብ ሕዚ ዝተዓጸዉ እንትኾን፡ ኣብ ከባቢታት ዊንጌት፣ ጳዉሎስን መድሃኒኣለምን ዉሑዳት ወሃብቲ ኣገልግሎት መካይን ከምዝነበራ ሪፖርተራትና ገሊጾም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓደ ናይ ዉልቀ ዩኒቨርሲቲ፣ ባንክን ካልኦትን ጉድኣት በጺሑ'ዩ።
ፖሊስ ፌደራል እቲ ኩነታት ንምህዳእ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጸ እንትኾን፡ እቲ ኩነታት ካብ ቑጽጽሩ ወጻኢ ከምዘይከዉን ንቢቢሲ ገሊፉ።
ኮሚሽነር ዘይኑ ጀማል፡ "ኣብ ሞንጎ መናእሰይ ዘጋጥሙ ጎንጺታት ኣለዉ። ኣድለይቲ ዘይኮኑ ነገራት ዝተርኣዩ እንትኾን፡ ንሕና'ዉን ስጉምቲ ወሲድና ኢና። ኣብዚ ግዘ ዝተጎድአ ሰብ ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ኩነታት ግና ብዝግባእ ክንቆጻጸሮ ኢና" ኢሎም።
መናእሰይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ነይሮም ንዝብል ድማ፡ እቲ ዝተዓጸወ መገዲ ብምኽፋት ክኣትዉ ኢና ንገብር ዘለና ዝብል ምላሽ ሂቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኦሮሞ ካብ ከተማታት፡ ኣዳማ፣ ቡራዩ፣ ደምቢ ደሎን ካልኦት ምዕራባዊ ከባቢታትን ኦሮሚያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትዉ ከምዘለዉ ሪፖርተራትና ገሊጾም።
እዚ ኩነታት ብኣጋ ጠጠዉ ክብል ኣለዎ ዝብል ሓበራዊ መግለጺ ዝሃቡ ዉድባት ኦፌኮን ሰማያዊ ፓርቲን፡ "እዚ ናተይ ይበልጽ፡ ናተይ'ባ ናበልካ ዝእቶ ዘሎ ግጭት፡ ንድሕሪት ዝመልሰና'ዩ። ቐልጢፉ ጠጠዉ ክብልን መንግስቲ ድማ ስጉምቲ ክወስድን ይግባእ" ኢሎም።
ኣብዚ ናይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ታከለ ኡማ ምስ ኣመራርሓ ፌደሬሽን መናእሰይ እታ ከተማን ኮሚቴ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ኣመራርሓ ኦነግን ተዛትዩ'ዩ።