እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ትልሚ ልፍንታዊ መንግስቲ ጥልያን፡ ልዕሊ ስደተኛታት ሕልማዊ’ዩ”
ንኣዋርሕ ብዘይካ ቐዳማይ ሚኒስትር ተወጢራ ዝጸንሐት ጥልያን ካብ ክልቲኡ ሰልፊ ዝተዉጻእጽኡ ሚኒስትራት ዘለዉዎ መንግስቲ ዘጣየሸ እንትኸውን፡መሬት ከይጸብሐ፡ ጥልያን ስደተኛታት ክትጥርዝ ከምእትግደድ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ሃገር፡ እቲ ጸረ ስደተኛታት ዝቖመ ፋይቭ ስታርን የማናይ ክንፊ ሊግን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣቝሞም ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ክሃድእ ገይሮም'ዮም።
ዝሓለፈ ሰንበት ናብ ሲሲሊ ዝኸደ ሚኒስትር ዉሽጢ ዓዲ ማትዮ ሳልቪኒ፡ "ሲሲሊ መዕቖቢ ስደተኛታት ምዃና የብቅዕ። ነዚ ተጻዊረ ጠጠዉ ክንብል ስለዘይንኽእል መጠረዚ ማእኸላት የድልያና'የን" ክብል ንቅዋም እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ጠጠዉ ዝበለ መርገጺ ዝመርሖ ሰልፊ ኣንጸባሪቑ።
ሰራሕተኛ ማሕበር ሰራሕተኛታት ጥልያን ኣይተ ደስበለ መሓሪ፡ እቲ ቖይሙ ዘሎ ልፍንታዊ መንግስቲ ካብ ክልተ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ብዙሕ ተሞክሮ ዘይነበሮም መናእሰይ ሒዙ ዝቖመ ሰልፊ'ዩ ይብል።
እዚ ሰልፊ ዝምርሐሉ ፖሊሲ ድማ እቲ የማናይ ሊግ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣንጻር ወጻእተኛታት ዘመተ ዘካይድ ሓይሊ እንትኸን፡ እቲ ፋይቭ ስታር'ዉን ሓሓሊፉ ዝተሓዋወስ ሓደ ሓደ ጠባያት ዘለዉዎ ሰልፊ ከምዝኾነ የብርህ። ብምዃኑ ድማ ክልቲኦም ኣብ ኣዉሮጳ እናዓብለለ ዝኸይድ ዘሎ ፖፕሊስ መቐጸልታ'ዮም ይብል።
"እዞም ባህርያትን ምስ ኤዉሮጳ ዘለዎም ዝምድናታት ደሚርካ እቲ ዝሓዝዎ ፖሊሲ ንዕጫ እታ ዘፍርሕን ዘስግእን'ዩ። ብሓፈሻ እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ዝሃቦ መብጽዓ ቐጻልነቱ ክሳብ ክንደይ'ዩ፡ ክሳብ ክንደይከ ክትርጎም'ዩ እንተይልካ ኣብ ግብሪ ዝዉዕል ኣይኮነን" ዝብል ግምት ኣለዎ።
"እቲ ዝሓሸ መገዲ ምድሓን ህይወት ስደተኛታት ናብ ጀልባ ከይስቀሉ ምኽልኻል'ዩ" ዝበለ ሚኒስትሪ ዉሽጢ ዓዲ ጥልያን ሲልቫኒ፡ ሕጋዉነት ዘይተላበሱ ስደተኛታት ዝምልከት ሕብረት ኤዉሮጳ ክሕግዞ ከምዘለዎ እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ድማ ገሊጹ'ዩ።
ምጥራዝ ስደተኛታት ክሳብ ክንደይ?
ጥልያን ሕጂ ዘላቶ ሃዋህዉ ኣይኮነን'ዶ ንኣፍሪቃዉያን ንጥልያናዉያን'ዉን እኹል ዕድል ስራሕን መንበሪ ኣባይትን ምምላእ ዘይትኽእለሉ ብርኪ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሃገርና ዘለዉ ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት "ክጥረዙ ኣለዎም" ዝብል መርገጺ ኣቕሚጦም።
እንተኾነ ግና ይብል ኣይተ ደስበለ እዚ ግብራዊ ዝኾነሉ ዕድል ኣጠራጣሪ'ዩ። ከመይ?
"ሓደ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ክሳብ ክንደይ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ኣለዎም፡ ካልኣይ ክኣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ስደተኛ ንምስጓግ ዝሓቶ ቑጠባ ከቢድ'ዩ። ሳልሳይ፡ እቶም ብዘይሕጊ ይቕመጡ ኣለዉ ዝብሉዎም ሰባት መንነቶም ቐይሮም ዝኣተዉ ሰባት ስለዝኾኑ፡ ዶክመንታቶም ኣብ ምጽራይን ምልላይን ክጽገሙ ስለዝኽእል፡ ግብራዉነቱ ኣጠራጣሪ'ዩ" ይብል።
ይኹን'ምበር ኣብዚ ሕጂ እቶም ኣብ ሊቢያን ሃገራት ዓረብን ዘለዉ ወጻእተኛታት ናብ ጥልያን ከይኣትዉ ዶባት ናይ ምዕጻዉ ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ'ዮም።
እቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ደገፍ እቲ ህዝቢ ንምርካብ ዝኣተዉዎ መብጽዓ ንገዛእ ርእሱ ፈተና ከይኾኖ ግና ይስጋእ።
ገቢራዊ ስጉምቲ ምጥራዝ ብምጽዓቕን በሪ ሓደሽቲ ኣተዉቲ ስደተኛታት ብምዕጻዉን ህይወት ምዉሓስ ከምዝከኣል ሓቢሩ። እዚ መብጽዓ ክግሃድ'ዶ ይኸዉን ኣብ ዝብል ንምእማቱ ዝኸብድ'ኳ እንተኾነ ካብ ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ጉዳይ ስደተኛታትን ጉጅለታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ግና ተቓዉሞታት ይገጥሞ'ዩ ዘሎ።
እዚ ልፍንታዊ መንግስቲ ጥልያን ተሊሙዎ ዘሎ ጉዳይ እቲ ሌጋን ናይ ግድን ክደፍኣሉ ይኽእል'ዩ ዝብል ሰራሕተኛ ማሕበር ሰራሕተኛታት ጥልያን ኣቶ ደስበለ፡ ነታ ሃገር ግና ኣብ ሓደገኛ ቑጠባዊ ኩነታት ከዉድቓ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
"እዚ ዉሳኔ ሓያል ቑጠባ ክሓቶም'ዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ክኣ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ጥልያን ንምስጋር ዝጥቀሙላ ስለዝኾነት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያንን ኢትዮጵያዉያንን ስደተኛታት እዚ ዉሳነ እዚ'ዩ ዝበሃል ከቢድ ጸቕጢ ከሕድር ኣይኽእልን" ዝብል መእሰሪ ኣለዎ።
ኣብ ጥልያን ዘይተሰነዱ 500 ሽሕ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይግለጽ።
ጥልያን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤዉሮጳ፡ ንምእታዉ ቀንዲ መተሓላለፊት ስደተኛታት ኮይና'ኳ እንተጸንሐት ኣብዚ ዓመት ግና ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ከምዝነከየ'ዩ ዝዝረብ።