ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ትሕልን

ወከልቲ ባይቶ ስዊዘርላንድ ነቲ ኣቐዲሙ ብሰኔት ዝጸደቐ ዉሳኔ፡ ማለት ኣብ ኣስመራ ዲፕሎማስያዊ ህላዌ ንክሕይል፡ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣሎዉ፣ ንጊዜኡ ግን ቁሳዊ (ፊዚካል) ኤምባሲ ካብ ምትካል ንኽቍጠብ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ዝጸደቐ ጽሑፍ ዝተጀልሐ ርዕመት ዘሎዎ ዀይኑ - ማለት እቲ ብመርሓ ናይቲ ዓቃቢ (የማናዊ) "ሰልፊ ህዝቢ ስዊስ" ንምሉእ ዲፕሎማስያዊ ውክልና ክፍጠር ዝጠለቦ ዘፋዀሰ ቅዳሕ'ዩ ኰይኑ'ዩ ቀሪቡ።

እቶም ነቲ ዝተጀልሐ ጻውዒት ዘቕረቡ ርክብ ምስ ኤርትራ ኣድላዪ ምዃኑ፡ ግንከ እቲ ጠለብ ምስ'ቶም 32,000 ዝኣኽሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ዕቝበኛታት ወይ ከኣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዘሎዎም ኤርትራውያን ዘይተሓሓዝ ምዃኑ፡ እንታይ ድኣ ሓደ ብሩህ ስእሊ ዉሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ንምኽሳብ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሮም። ምስኡ ኸኣ እቲ ኣሃዝ ናይ'ቶም ንስዊዘርላንድ ዝኣትዉ ዘሎዉ ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ንኽወርድ ዜናዲ ዕላማ ከም ዘሎዎም ሓቢሮም።

እቶም ነዚ ጕዳይ ዝደፍእሉ ዘሎዉ፡ ዲፕሎማስያዊ ህላዌ ኣብ ኤርትራ ካልእ ረብሓታት ከም ዘሎዎ'ውን ይሕብሩ - እዚ ኸኣ እቶም ድሮ ኣብ መሬት ስዊዘርላንድ ዘሎዉ፡ ብጊዝያዊ ፍቓድ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንዓዶም ዝምለስሉ መገዲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝትይሉ ዕድላት ከም ዝኸፍት ጠቒሶም።

ጽልግልግ ዝበለ ስእሊ

ኣብዚ እዋን፡ ኣምባሳደርነት ስዊስ ኣብ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ተጐራቢቱ'ዩ ዝሰርሕ ክብል ዝሓለፈ ሓሙስ ናይ ስዊስ ወጻኢ ጕዳያት፡ ሚኒስተር ኢግናዝዮ ካሲስ፡ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ካርቱም ዝመደበሩ ኣምባሳዶር ንኤርትራ ኣብ ዓመት ሓሙሽተ-ሽድሽተ ጊዜ ብምኻድ ብዛዕባ ጕዳይ ስደተኛታት ይዅን ሰብኣዊ መሰል ጠቀስ ጕዳያት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ከም ዝመያየጥ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣህጕራውያን ጸብጻባት ከም ዘርእይዎ፡ እንተላይ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ጸብጻባት፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀነ ኣብቲ ጠገለ ዘይብሉ ወትሃደራዊ መዓስከራት ብፍላጥ ዘካይዶ ዘሎ ግህሰተ መሰላት ክሕተት ይግባእ ይብሉ። መናእሰይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እሞ ኸኣ ኣብ ገለ እዋን መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ግዱድ ዕዮ ብምቕሳቡ ከም ዝሕተተሉ ዝውትራት ክስታት ኣሎዉ።

ይዅን'ምበር፡ ሓደ ንጹር ስእሊ ንምቕራብ ኣሸጋሪ'ዩ። ገለ-ገለ ሰባት ከም ዝብሉዎ፡ ኣብ ስዊዘርላን ኰነ ካልኦት ሃገራት፡ ኤርትራውን ስደተኛታት ምእንቲ ኣብ'ቲ ዕቝባ ዝሓተትሉ ሃገር ተቐባልነት ንክረኽቡ ነቲ ህልዊ ኵነታት ሃገሮም ኣጋኒኖም ይዛረቡ'ዮም።

ማክሲሚልያን ራይንማን፡ ኣፈኛ ናይ "ሰልፊ ህዝቢ ስዊስ"፡ "ንሕና፡ ስለምንታይ እያ ኤርትራ ስደተኛታት ተፍሪ ዘላ - ማለት እቶም ዝስደዱ ዘሎዉ ንኽነብሩን ንህይወቶምን ዘስግኦም ኵነትት ሃልዩ ድዩ ወይስ ንናብርኦም ከመሓይሹ ብምድላይ'ዩ ክንበጽሖ ንደሊ ኢና" ኢሉ።

ሚኒስተር ካሲስ ከም ዝበሎ እዚ ናይ ውክልና ሓሳብ ቅጽበታዊ ፍታሕ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ዘሎዎ ከም ዘይኰነ፡ ኤምባሲ ምኽፋት ኸኣ ምስ ሽግር ስደተኛታት ኤርትራ ከም ዘይትሓሓዝ ክግልጽ ፈቲኑ።

ወሲኹ ኸኣ እቲ ኤምባሲ ናይ ምኽፋት ሓሳብ ኣብ መጨረሽታ ናይቲ መስርሕ ክመጽእ ከም ዘሎዎ ጕዳይ ምዃኑ - ብኤምባሲ ምኽፋት ክጅመር ከምዘይብሉ ሓቢሩ።