ዉድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ 2018 ብዓወት ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ተዛዚሙ

ኣብ ኪጋሊ፡ ርዋንዳ ንሓሙሽተ መዓልትታት ክካየድ ዝቐነየ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ትማሊ ሰንበት ብዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ተዛዚሙ።

ኣማኑኤል: ነቲ ናይ 168 ኪሎሜትር ዉድድር ጽርግያ ብ3፡56፡29 ብምዉዳእ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ መትከል ኢዮብ ድማ ካልኣይ ብምዃን ወረቂን ብሩርን ተሸሊሞም።

በዚ መሰረት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ: ብድምር 10 ወርቂ፡ 3 ብሩርን፡ 3 ነሓስን ብምውሳድ ዉድድራታ ቀዳመይቲ ኾይና ዛዚማ።

1 ወረቂ፡ 4 ብሩር፡ 3 ነሓስ ዝረኸበት ኢትዮጵያ ድማ ንኣአንጋዲት ሃገር ቀዲማ፡ ካልአይቲ ክትከዉን በቒዓ።

ምሉእ ዝርዝር ተዓወትቲ መዳልያታት ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ከምዚ ዝስዕብ'ዩ:

ዉህሉል ድምር መዳልያታት ብደረጃ ሃገር

ሃገርወርቂብሩረነሓስድምር

  • ኤርትራ103316
  • ኢትዮጵያ1438
  • ርዋንዳ1427
  • ብሩንዲ0101
  • ኣልጀርያ0022
  • ናሚብያ0011

ደቂ ተባዕትዮ

ናይ ግዜ ቅድድም ብጋንታ - 14/02/2018

ጁንየር

  • ኤርትራ - ቢንያም ግርማይ፡ ቶማስ ጎይትኦም: ሃገር መስፍን፡ ናታን መድሃኔ
  • ርዋንዳ - ዦን ኤሪክ ሃቢማና፡ ዪቭስ ንኩሩንዚዛ፡ ባርናበ ጋሄምባ፡ ዦን ክሎድ ንዛፋሽዋናዮ
  • ናሚብያ - ቻሪ ዱ ፕሉይ፡ ኣሌክስ ሚለር፡ ሻልክ ቫን ደር መርው፡ ዲየተር ኮወን

ኤሊት

  • ኤርትራ - መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ መትከል ኢዮብ፡ ሳይሞን ሙሴ
  • ርዋንዳ - ኤድሪየን ኒዮንሹቲ፡ ቫሌንስ ንዳዪሴንጋ፡ ዦን ቦስኮ ንሰንጊማና፡ ጆሰፍ ኣረሩያ
  • ኣልጀርያ - ዓዘዲን ላጋብ፡ ዩስፍ ረጒጒ፡ ዓብደራሕማን መንሱሪ፡ ኢስላም መንሱሪ

ናይ ግዜ ቅድድም ብዉልዊ - 15/02/2018

ጁንየር

  • ቢንያም ግርማይ - ኤርትራ
  • ዪቭስ ንኩሩንዚዛ - ርዋንዳ
  • ናታን መድሃኔ - ኤርትራ

ኤሊት

  • መኽሰብ ደበሳይ - ኤርትራ
  • ዦን ቦስኮ ንሰንጊማና - ርዋንዳ
  • ጆሰፍ ኣረሩያ - ርዋንዳ

ናይ ጽርግያ ቅድድም - 17/02/2018

ጁንየር

  • ቢንያም ግርማይ - ኤርትራ
  • ቶማስ ጎይትኦም - ኤርትራ
  • ሃገር መስፍን - ኤርትራ

ናይ ጽርግያ ቅድድም - 18/02/2018

ኤሊት

  • ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር - ኤርትራ
  • መትከል ኢዮብ - ኤርትራ
  • ዓዘዲን ላጋብ - ኣልጀርያ

ደቂ ኣንስትዮ

ናይ ግዜ ቅድድም ብጋንታ - 14/02/2018

  • ኢትዮጵያ - ኢየሩ ተስፎም፡ ሰላም ኣማሃ፡ ጸጋ በየነ፡ እየሩሳሌም ከሊል
  • ኤርትራ - ሞሳና ደበሳይ፡ ወሓዚት ኪዳነ፡ ትዕግስቲ ገብረሂወት፡ ብስራት ገብረመስቀል
  • ርዋንዳ - ጂን ዳርክ ጂሩቡንቱ፡ ቢያታ ኢንጋቢረ፡ ማንጊፊክ ማኒዛባዮ፡ ጃኪሊን ቱዪሺሜ

ናይ ግዜ ቅድድም ብዉልዊ - 15/02/2018

ጁንየር

  • ደሴት ኪዳነ - ኤርትራ
  • ጻድቃን ገብረመድህን - ኢትዮጵያ
  • ዛይድ ሃይሉ - ኢትዮጵያ

ኤሊት

  • ሞሳና ደበሳይ - ኤርትራ
  • ሰላም ኣማሃ - ኢትዮጵያ
  • ኢየሩ ተስፎም - ኢትዮጵያ

ናይ ጽርግያ ቅድድም - 17/02/2018

ጁንየር

  • ደሴት ኪዳነ - ኤርትራ
  • ፍርቱና ካሳሁን - ኢትዮጵያ
  • ዛይድ ሃይሉ - ኢትዮጵያ

ኤሊት

  • ብስራት ገብረመስቀል - ኤርትራ
  • ጸጋ በየነ - ኢትዮጵያ
  • ሞሳና ደበሳይ - ኤርትራ