ሓለፍቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቐባ ተዘራሪቦም

ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቐባን ሓለፍቲ ኤውሮጳውያን ሕብረትን ገጽ ንገጽ

ምንጪ ስእሊ, Anis Cassar

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቐባን ሓለፍቲ ኤውሮጳውያን ሕብረትን ገጽ ንገጽ

ኣብ ጥልያን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣባላት ማሕበረ ኮምን፡ ትማል ቐዳም 30 መስከረም 2017፡ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታትን፡ ንንጥፈታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡

ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቐባ ምኽርን ሓበሬታን ዝህብ፡ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ዝኾነ ኤውሮጳዊ፡ ወሃቢ ደገፍ ትካል ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ኣካይዶም።

እቲ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቐባ ደገፍ ዝህብ ብኣሕጽሮት (EASO) ዝጽዋዕ፡ ትካል ዝዓደሞ፡ ተወከልቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት፡ (UNHCR): ኤውሮጳዊ ሕብረት፡

ከምኡ እውን ዝምልከቶም ስደተኛታት ዝተሳተፉዎ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቐባን ሕጋዊ ምስግጋር ናብ ኣባል ሃገራትን ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።

ሓላፊ ፕረስ EASO ሚስተር ኣኒስ ካሳር ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣኼባ፦

  • ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ትካል ወሃቢ ደገፍ ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታትን ጥቡቕ ሓድሕዳዊ ምትእምምን ከምዝህሉ ምግባር
  • ንሓተትቲ ዑቐባ ስደተኛታት ኣብ ብምልኡ መስርሕ ሕቶ ዑቕባን ሕጋዊ ምስግጋርን እዋናውን ርጡብን ሓበሬታ ምሃብ
  • ከምኡ እውን ሕቶታትን ርእይቶታትን ስደተኛታት ምስማዕ ምንባሩ ገሊጹ።
ሚስተር ኣኒስ ካሳር

ምንጪ ስእሊ, Anis Cassar

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ፕረስ EASO ሚስተር ኣኒስ ካሳር

ቀጺሉ ሚስተር ኣኒስ፡ " ዋላኳ ብዛዕባ መስርሕ ሕቶ ዑቕባን ሕጋዊ ምስግጋር (ሪሎኬሺን) ብተደጋጋሚ ዝግለጽን ዝዝረበሉን እንተኾነ ኣብዚ ኣኼባ ግን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ገና ብዙሕ ዘይበርሃሎም ሕቶታት ምህላዉ ተረዲአ" ይብል።

እዚ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ምስ ስደተኛታት ዝደጋገፍ ትካል፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓባራዊ ናይ ዑቕባ መስርሕ ንኪህሉን፡ ኣባል ሃገራት፡ ውልቃዊ ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ብጽፈትን በቲ ክኾኖ ዝግበኦን መስርሕ ክትግብረኦ መታን፡

ንስደተኛታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ንዝነጥፉ ሓለፍቲ ሰብ መዚ ኢመግሬሺን ኣባል ሃገራት እውን ስልጠናን ሓበሬታን ብምስናቕ ዝደጋገፍ ትካል እዩ።

ኤውሮጳዊ ትካል ወሃብ ደገፍ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ፡ (EASO) ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ገጽ ንገጽ ተራኺቡ፡ ጸገማቶም ክሰምዕን ሕቶታቶም ክምልስን ሓሳብ ብምቕራብን፡ ብኩለንትናዊ ደገፍን ሰናይ ድሌትን መሳርሕታ

ነቲ ሓሳብ ግብራዊ ዝገበረት ሰራሕተኛ (UNHCR): መሳይ ዓሊ፡ "እቶም ንመን ኢና ጸገምና ንነግሮ ብምባል፡ ምስ ዘይተመለሰ ሕቶታቶም ዝጭነቑ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ብዝወሓደ ዝሰምዓና ረኺብና ብዝብል ዕግበት ተሓጒሶም ክፋነዉ ምርኣየይ ብልቢ ኣሐጒሱኒ" ትብል።

መሳይ ዓሊ

ምንጪ ስእሊ, Messai Ali

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛ (UNHCR) ኤርትራዊት መሳይ ዓሊ

ኣብቲ ኣኼባ እተሳተፈ ንጡፍ ኣባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ብወገኑ፡ እቲ ኣኼባ፡ ንስደተኛታትን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ዝነጥፉ ዝምልከቶም ሰብ መዝን ሞያውያንን ዘራኸበ፡ ኣብ እዋኑ ዝተገብረን ኣገዳስን ኣኼባ ምኻኑ ብምሕባር እቶም ስደተኛታት፡

ኣብ ጉዳይ መስርሕ ሕጋዊ ምስግጋር፦

  • ጉዳይና ስለምንታይ ኢዩ ዝድንጉን ዝንጸግን
  • ንምንታይከ ንሓንሳብ ብድሕሬና ናይ ዝመጽኡ ሰባት ዝቕልጥፍ
  • ስለምንታይ'ከ እዩ ካብ ኣባል ሃገራት ዝርዝራዊ ምኽንያት ናይ ዝተነጽገ ጉዳያት ዘይወሃበና
  • ሓያሎ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግበኦ ብጥዕናን ካልእን ከም ፍሉይ ጉዳያት ዝተመዝገቡ፡ ካብቲ ብንቡር መስርሕ ዝኸይድ ጉዳያት ዝድንጉን ዝድሕርን ዝብልን ካልእ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ ካብቶም ዝምልከቶም ሰብ መዚ ቀጥታዊ ምላሽ ምርካቦም ዝምስገን እዩ ይብል።
መንእሰይ ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, Abraham Tesfai

መግለጺ ስእሊ, ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ

እዚ ኣብ 2015፡ ካብተን ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝሽገራ ከም በሪ ስደት ዝረኣያ ግሪኽን ጥልያንን፡ ናብ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳ ብሕጋዊ መገዲ ንምስግጋር ዝጀመረ መስርሕ፡ ዛጊት ኣስታት 20ሽሕ ስደተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣስጊሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝሓለፈ 26 መስከረም ናይዚ ዓመት (2017) ምውድኡን፡ ብድሕሪኡ ዝኣተዉ ግን፡ ጉዳዮም ብንቡር መስርሕ ሕቶ ዑቕባ፡ ኣብተን ፈለማ ዝረግጹወን ሃገራት ክረአ ምዃኑ ሚስተር ኣኒስ ካሳር ኣረጋጊጹ።

ብኻልእ መዳይ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ሰንፈላል ንዝርከቡ ኣፈሪቃውያን ስደተኛታት፡ ነቶም ኣሀጉራዊ ውሕስነት ዘድልዮም ሰባት ብሕጋዊ መገዲ ናብ ውሑስ ሃገራት ንምስጋር ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ ሓቢሩ።