单元 1: Essential English Conversation
选择一个单元
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
课程 3
Listen to find out how to tell someone what your job is.
ንሓደ ሰብ፡ ስራሕኩም እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ከምእትሕብሩ ስምዑ።
本单元得分 3
0 / 3
- 0 / 3练习题 1
练习题 1
What do you do?
Listen to find out how to tell someone what your job is.
ንሓደ ሰብ፡ ስራሕኩም እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ከምእትሕብሩ ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation, ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ’ዚ ተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክሓልፈኩም ዘይግባእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ሒዘልኩም ቀሪቡ’ሎ። ኣብዚ ክፍለ-ትምህርቲ’ዚ እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሑ ንኽትሕብሩ ዚሕግዙ ምሉኣት-ሓሳባት ክትምሃሩ ኢኹም።
ክልተ ሰባት ስራሖም እንታይ ምዃኑ ንሓድሕዶም ክተሓተቱ ከለዉ ኣዳምጹ።
Amanda
Hi James. What do you do?
James
I’m an engineer. How about you, Amanda?
Amanda
I’m a farmer.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ፡ ኣይትሻቐሉ። እዚ ዝርርብ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት 'ስራሕካ እንታይ’ዩ?' ኢላ ሓቲታ። ‘What do you do?’ እዚ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ሰባት ስርሖም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ እንጥቀመሉ ሕቶ’ዩ። ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
What do you do?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ሰብ 'ኣነ መሃንዲስ እየ' ኢሉ መሊሱ። ‘I’m an engineer.’ ኣብ መልስኹም 'ኣነ ...' ክትብሉ ትኽእሉ። ‘I’m…’ ኣስዒብኩም ከኣ ስም ስራሕኩም ወስኹሉ።
ድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
I’m an engineer.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ሰብ ድማ ነታ ቀዳመይቲ ሰብ ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲቱዋ። ተመሳሳሊ መልሲ ንምርካብ እንተ ድኣ ደሊኹም፡ ከምዚ ዝስዕብ ክትብሉ ትኽእሉ - 'ንስኺ’ኸ?' ‘How about you?’
ድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
How about you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እታ ቀዳመይቲ ሰብ ኣብ ሞያ ሕርሻ ዝተዋፈረት ስለ ዝዀነት፡ ኣነ ‘I’m…’ ብምባል 'ሓረስታይ' ዚብል ሓረግ ወሲኻትሉ። ‘a farmer’.
ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
I’m a farmer.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ዝተባህለ ብግቡእ ንምኽላስ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ስርሖም ክዛረቡ ከለዉ ስምዑ።
ክሌር መምህር እያ ‘a teacher’ ኣሊስ ድማ ኣሸያያጢት’ያ ‘a salesperson’.
Hi Claire, what do you do?
I’m a teacher. How about you, Alice?
I’m a salesperson.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ማርክ ነዳቓይ እዩ ‘a builder’ ፒት ድማ ሓኪም ‘a doctor’.
Hi Mark, what do you do?
I’m a builder. How about you, Pete?
I’m a doctor.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ’ምበኣር፡ እስከ ሕጂ ደጊምና ንፈትን። ነቶም ምሉኣት-ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ ድገሙዎም።
Hi James, what do you do?
I’m an engineer.
How about you, Amanda?
I’m a farmer.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ነቲ ዝተምሃርክሞ ናይ እንግሊዝኛ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ከም እትዝክርዎ ንርአ።ነቶም ምሉኣት-ሓሳባት ብትግርኛ ድሕሪ ምስማዕ ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምዎም።
ሰላም ጀይምስ፡ እንታይ’ዩ ስራሕካ?
Hi James, what do you do?
ኣነ መሃንዲስ እየ።
I’m an engineer.
ንስኺኸ፡ ኣማንዳ?
How about you, Amanda?
ኣነ ሓረስታይ እየ።
I’m a farmer.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም። ሕጂ ንብምሉኦም ምሉኣት-ሓሳባት ደጊምኩም ኣዳምጹ።
Amanda
Hi James, what do you do?
James
I’m an engineer. How about you, Amanda?
Amanda
I’m a farmer.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንፉዓት! ሕጂ፡ ብእንግሊዘኛ ስራሕኩም እንታይ ምዃኑ ክትገልጹን ካልኦት ዝተዋፈሩሉ ስርሓት ክትውከሱን ትኽእሉ’ኹም። ዝተመሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ግን ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዝኛ ስርሖም እንታይ ምዃኑ ብምዉካስ፡ ስራሕኩም ከኣ እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ ተለማማዱ።
ኣብቲ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ምሳና ክትህልዉ ተስፋ ንገብር። Bye for now!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ናይቲ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተምሃርኩም ርእስኩም ገምግሙ።
What do you do?
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
帮助
练习题
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
提示
እዚ ቃል’ዚ ክልተ ጊዜ ከም ዝተጠቕምናሉን ዝተፈላለየ ትርጉም ከም ዘለዎን ኣስተውዕሉ።Question 1 of 3
帮助
练习题
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
提示
እዚኦም ክልተ ብሓንሳብ ዝተላገቡ ቃላት እዮም።Question 2 of 3
帮助
练习题
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
提示
ንሓደ ሰብ ተመሊስኩም ተመሳሳሊ ሕቶ ብኸመይ ትሓትዎ?Question 3 of 3
Excellent!太棒了!Bad luck!加分:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና