单元 1: Essential English Conversation
选择一个单元
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
课程 1
Listen to find out how to introduce yourself to new people.
ንገዛእ-ርእስኹም ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም እተላልዩ ንምፍላጥ ስምዑ።
本单元得分 1
0 / 3
- 0 / 3练习题 1
练习题 1
My name is...
Listen to find out how to introduce yourself to new people.
ንገዛእ-ርእስኹም ንሓደስቲ ሰባት ብኸመይ ከም እተላልዩ ንምፍላጥ ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation, ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ’ዚ ተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክሓልፈኩም ዘይግባኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ሒዙልኩም ቀሪቡ’ሎ። ኣብዚ ክፍለ-ትምህርቲ’ዚ ብኸመይ ንነብስኹም ምስ ሓደስቲ ሰባት ከም እተፋልጡ ክትማሃሩ ኢኹም።
ክልተ ሰባት ንፈለማ ጊዜ ክራኸቡ ከለዉ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝፋለጡ ኣዳምጹ።
Sian
Hello, I'm Sian. What's your name?
Phil
Hi. My name's Phil. Nice to meet you.
Sian
Nice to meet you, too!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ፡ ኣይትሻቐሉ። ነዚ ዝርርብ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ‘ሰላም፡ ኣነ ሻን እበሃል’ ኢላ። ‘Hello, I’m Sian.’ ንስኹም’ውን ስምኩም ብምዉሳኽ 'Hello, I'm…'. ክትብሉ ትኽእሉ። ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
Hello, I'm Sian.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
…ድሕሪኡ ‘ንስኻ መን’ዩ ስምካ?’ ኢላ ሓቲታቶ። ‘what’s your name?’ ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
What's your name?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ሰብ ንነብሱ ከፋልጥ ፍልይ ዝበለ ሓረግ ከም ዝተጠቕመ ኣስተውዕሉ - ‘ስመይ ...’ ኢሉ ጀሚሩ ‘my name is..’ ክልቲኦም ሓረጋት ክትጥቀምሎም ትኽእሉ ‘I’m...’ ወይ ከኣ ‘my name’s…’ ኢልኩም ስምኩም ክትጠቕሱ ትኽእሉ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብሉ ትኽእሉ ‘I’m John.’ ወይ ከኣ ‘My name’s John.’ ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
My name's Phil.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፊል፡ ስሙ ድሕሪ ምንጋር ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ 'nice to meet you' ‘ክፋለጠካ ደስ ይብለኒ’።
ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
Nice to meet you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሽዑ ሻን ከምዚ ኢላ መሊሳ ‘nice to meet you, too’ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓረግ እዚ ዚስዕብ ቃል ከም ዝወሰኸትሉ ኣስተውዕሉ ‘too’ እዚ ድማ ኣብ መልሲ ዚዉሰኽ ተደራቢ ቃል’ዩ።
ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሓሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
Nice to meet you, too.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም - ሕጂ ካልኦት ሰባት ንፈለማ እዋን ክራኸቡ ከለዉ ዝጥቀምሎም ምሉኣት-ሓሳባት ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Hi, I'm Pete. What's your name?
Hi. My name's Mark. Nice to meet you.
Nice to meet you, too!
Hi, I'm Alice. What's your name?
Hi. My name's Claire. Nice to meet you.
Nice to meet you, too!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሐራይ፡ ደጊምና ንፈትን። ነቶም ናይ እንግሊዝኛ ምሉኣት-ሓሳባት ስምዕዎም ፡ ድሓር ድገምዎም። ነፍሲ ወከፎም ሓንሳብ ክትሰምዕዎም ኢኹም።
Hello, I'm Sian. What's your name?
Hi. My name's Phil. Nice to meet you.
Nice to meet you, too!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ነቲ ዝተምሃርክሞ ናይ እንግሊዝኛ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ከምእትዝክርዎ ንርአ። ነቶም ናይ ትግርኛ ምሉኣት-ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምዎም።
ሰላም፡ ኣነ ሻን እባሃል።
Hello, I’m Sian.
መን’ዩ ስምካ?
What’s your name?
ሰላም። ስመይ ፊል’ዩ።
Hi. My name’s Phil.
ክፋለጠካ ደስ ይብለኒ
Nice to meet you.
ኣነ’ውን ክፋለጠኪ ደስ ይብለኒ።
Nice to meet you, too.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም። ሕጂ ንብምሉኦም ምሉኣት-ሓሳባት ደጊምኩም ኣዳምጹ።
Sian
Hello, I'm Sian. What's your name?
Phil
Hi. My name's Phil. Nice to meet you.
Sian
Nice to meet you, too!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንፉዓት! ሕጂ ብእንግሊዝኛ ስምኩም ክትነግሩን ንካልኦት ኣስማቶም ክትሓቱን ኪኢልኩም ኣለኹም። መሓዛ ኣናዲኹም፡ ብእንግሊዝኛ ስምኩም ምንጋርን ስሞም ምሕታትን ተለማመዱ። ከምዚ ምባል እውን ኣይትረስዑ፡ ‘Nice to meet you!’
ኣብቲ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ምሳና ክትህልዉ ተስፋ ንገብር። Bye for now!
Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
እንታይ ከም ዝተምሃርኩም ርእስኹም ንምግምጋም ነዘን ቃላት ብቅኑዕ ተርታ ስርዑወን ።
My name is...
3 Questions
ነቶም ቃላት ብቕኑዕ ተርታ ስርዑዎም።
帮助
练习题
ነቶም ቃላት ብቕኑዕ ተርታ ስርዑዎም።
提示
ክልተ ክፋላት ኣለዉዎ። ኣብቲ ቀዳማይ ምሉእ-ሓሳብ፡ ሮብ ንርእሱ ከፋልጥ ከሎ ንርኢ፡ ድሕሪኡ ድማ ናይታ ካልእ ሰብ ስማ ክሓትት ንሰምዖ።Question 1 of 3
帮助
练习题
ነቶም ቃላት ብቕኑዕ ተርታ ስርዑዎም።
提示
ኣብዚ ክልተ ክፋላት ኣለዉ። ኣብቲ ቀዳማይ ምሉእ-ሓሳብ፡ ሜጋን ንርእሳ ተፋልጥ ኣላ።Question 2 of 3
帮助
练习题
ነቶም ቃላት ብቕኑዕ ተርታ ስርዑዎም።
提示
(too!) ማለት “እውን” ማለት ምዃኑ ኣይትረስዑ።Question 3 of 3
Excellent!太棒了!Bad luck!加分:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና